ፍርዲ ፍጻሜን ለውሃት እግዚኣብሔርን ፍርዲ ፍጻሜን ለውሃት እግዚኣብሔርን  መዘኻኸሪ

ፍርዲ ፍጻሜን ለውሃት እግዚኣብሔርን

ሰብኣዊ ሕይወት ብምኽንያት እቲ ዘለዓለማውነት ጽሕፍቶኡ ኩሉ ክብርታቱን ዘለዎ ልዑል ዋጋን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነት ይረኸብ ዝዕቀብ እዩ፡ ስሉጥን ወይ ዝጠቕም ብዝብል ፍርዲ መዚንካ ዝጓሓፍን ዝዕቅበን ዝበሃል ሕይወትን ክብሪ ሕይወትን የሎን”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐምን፡ ኣስዒቦም እውን ኣብቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘዳለዎ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንዝሳተፉ ተጋባኣያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ዕለት 29 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ብፅዕና ኣማእኪሎም ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱን ጋጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መዘክራዊ ሓተታ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ማእከል ከይግሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘዳለዎ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ንዝሳተፉ ዘለዉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “ጠመቃዊ ትምህርቲ ክርስትና ደረቕ ስርዓትን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕጸው ወይ ከኣ ከም ወቕቲ ዝቀያየር ህልዮ ዘይኰነ ኣብቲ መሰረቱ ዝዀነ እምነት ዝጸንኤን ነዚ መሰረቱ’ዚ እሙን ዝዀነን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሓደሰ ዝመሓላለፍ ኣብ ትንሱእ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምን ወጅህን ኣካልን ዝጽመር ንቑሕ ክውንነት እዩ” ከምዝበሉን፡ “ሰብ ኣብ ዝዀነ ይዅን ደረጃ ሕይወት ይረኸብ … ኣብ ሕማምን በቲ ገና መድሃኒት ዘይተረኽቦ ሕማም ዝተጠቕዔ ይኹን ናይ ሕይወት ክብሪ ኣብ ምኽባር ዝብል ማዕቅፍ ኣንቢሮም፡ ነቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጐይታ ምስጋና ይዅኖ፡ እምነት ንብጻይን ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ … ካብቶም ዝነኣሱ ክሳብ እቶም ዝዓበዩ ገዛእ ርእስና ንኽንከፍት የብቅዓና … ሰብኣዊ ሕይወት ብምኽንያት እቲ ዘለዓለማውነት ጽሕፍቶኡ ኩሉ ክብርታቱን ዘለዎ ልዑል ዋጋን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነት ይረኸብ ዝዕቀብ እዩ፡ ስሉጥን ወይ ዝጠቕም ብዝብል ፍርዲ መዚንካ ዝጓሓፍን ዝዕቅበን ዝበሃል ሕይወትን ክብሪ ሕይወትን የሎን” ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ኣዘኻኺሮም፡ ሕማም ኣብ ቤትና ክኵሕኵሕ እንከሎ ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ዝጥምተናን ኣእዳውና ዝሕዘናን ሓልዮት ዝገልጸልናን ዝከናኸነናን ነቲ ናይ ኢየሱስ ርህራሀ የዘኻኽሩና። እተሓሒዞም እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ንዝጠለቦ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ዝሓረዮ ርእሰ ጉዳይ፡ delicta graviora - ከቢድ መጥቃዕቲ (ከቢድ ገበን) ዝብል ምዃኑ እውን ጠቒሶም፡ “ቅድስና ቅዱሳት ምስጢራት ብዙሕ ግዜ ዝገሃስ ሰብኣዊ ክብርን ብፍላይ ናይ ትሕቲ ዕድመን ትሑታንን ክብሪ ንምክልኻል ብጽንዓትን ብግልጽነትን ንቕድሚት ምባል የድሊ … እንታይ ይኸውን ጽሕፍቶና ምስቲ ነቶም ኣብዛ መሬት ንዘለዉ ትሑታትን ነኣሽቱን እነርእዮ ጠባይን ዝህልወና ኣቀራርባን ዝተኣሳሰረ እዩ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ የዘኻኽሩ።

ፍርዲ ፍጻሜን ለውሃት እግዚኣብሔርን
ፍርዲ ፍጻሜን ለውሃት እግዚኣብሔርን

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 30 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕት ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ነቲ ወንጌል ማቴውስ ምዕ. 25 “ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ ተቐበልኩምኒ ዐሪቀከደንኩምኒ። ሐሚመ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ” እንክብል ኢየሱስ ዝተዛረቦ ቃል ዘዘኻኽር እዩ። ነቲ ናይ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 25 ቃል ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዘዘኻኽርዎ እዩ፡ ከም ክርስቲያን ኣብ ጉዕዞ እምነትና ብኻልእ ነገራት ተጸሚድናን ተረቢጽናን ምናልባት እውን ንእግዚኣብሔር ንከላኸል ቢልና ኣብ ምሕሳብ እውን ንጽመድ ንኸውን ግና ብሓቂ ንጋገይ ኢና ዘሎና፡ መዓልቲ ፍርዲ በቶን ነኣሽቱ ፍርድታትና እዩ ዝውሰን፡ ሕቶ ናይ ፍጻሜ ፍርዲ፡ ናይ ክውንታዊ ፍቕሪ ሕቶ ምዃኑ ገሊጾም፡ “ጐይታ ኣብታ ዕለት እቲኣ ንኻልኦት በየናይ መስፈር ሰፊርካሎም! ንገዛእ ርእስኻኸ ኣየናይ መስፈር ትጥቀም ነርካ! እታ ዝተጠቀምካላ መስፈር ልግሲ ነይርዋ ዶ፡ ፍቅሪኸ ኔርዋ ዶ! ወይ ገለ ዝጐደሎ ነይሩ! ክብለና እዩ። ከመይ በታ መስፈር እምበር ብኻልእ ኣይኮናን እንፍረድ! በታ ሎሚ እንገብራ ኢና እንፍረድ። ክመዝን እንከሎኹ ኣልዕልዶ ኣቢለ ነረ ኣትሕት! ካብ ኣዛ ሰዓት እዚኣ ነዚ ነስተንትን። ነዚ ነገራት እዚ ኣብቲ ጽቡቕ እንገብሮ ጥራይ ኣይኮነ ኣብቲ እንፍጽሞ ሕማቅ ነገራትን እንነብሮ ቅዲ ሕይወትን መነባብሮን ከይተረፈ ክጽብጸብ እዩ። መሪሕ ቅዲ ሕይወትናን መነባብሮናን ክኸውን ዘለዎ እቲ ንገዛእ ርእሱ ምእንታና ክብል ከም ኢምንት ዝገበረ ቅዲ ሕይወት ጐይታ እዩ፡ ናይቲ ኢየሱስ ዝስዕብ ክርስቲያን መምዝኒ፡ እቲ ዝጥቀመሉ መስፈር እዩ” ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ ኵላትና ብዝሰፈርናሉ መስፈር እዩ። መስፈር ክርስቲያን ክኸውን ዘለዎ እቲ ናይ እግዚኣብሔር መስፈር ኢታእላው ምሕረቱ እዩ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ መዘክራዊ ሓተታ የመላኽቱ።

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 30 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ

መዓልቲ ፍርዲ ብዙሕ ፍርሒ ከስርጸልና ዝኽእል ይኸውን ይኹን ደኣ እምበር እግዚኣብሔር ሓጐስና እዩ ዝደልይ፡ ብፁዓን ክንከውን እዩ ዝደልይ፡ እዚ ቅዱስነቶም ዕለት 29 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ብፅዕና ኣማእኪሎም ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝለገስዎ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 11 ኣብ ዘሎ ምንባብ ዘተኰረ ከይኑ … “ኢየሱስ ሓድሽ ሕጊ ክምህር ይጅምር። ድኻ ምዃን ትሑት ምዃን መሓሪ ምዃን ወዘተ። እዚ ሓድሽ ሕጊ እዚ ዘገር ሕጊ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ቢሉ ክእዝዝ ዘይኰነ፡ እንታይ ደኣ መንገዲ ሓጐስ ማለት መንገዱ ዝኾነት መሪሕ ሾመንተ ግዜ ብፁዓን እናበለ ደጋጊሙ ይሕብረና። እዚ ከኣ ዓቢ ውህበት እግዚአብሔር እዩ”። መን እዩኸ እቲ ብፁዕ? እቲ ኣብ መገዲ እግዚኣብሔር እናዓበየ ዝኸይድ፡ ኣብ ምልኣትን ድኽነትን ኣገልግሎት ንኻልኦትን ኣብ ምጽንናዕን ዝዓብይ … እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ነኣና ከወፍይ ማንም ክግምቶን ክሓስቦን ዘይከኣሎ መገዲ ይሓርይ፡ እቲ ብዙሕ ግዜ ብኣናን ንኣናን ውስንነት ቢልና እንሓስቦ፡ ንብዓትናን ስዕረትናን፡ ነዚ ብሓይሊ እግዚኣብሔር ንኽልወጥ ይገብሮ፡ እቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ድኻምነት ቢሉ ዝሓስቦ ሓይሊ እግዚኣብሔር ኰይኑ ይግለጽ፡ እቲ ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ብፅዕና  ክርስትስቲያን ንዘይኰኑ ብዙሓት ሰባት እውን ማሪኹ እዩ ይማርኽ እውን ኣሎ፡ ምኽንያቱ ኢየሱስ ዝሓትቶ ፍሉይን ካብ ንቡር ውጻእን ዝዀነ ተግባር ስለ ዘይኰነ እዩ፡ ናይ ሕይወት ጥበብ እዩ፡ እቲ ብሓቂ ኣብ ሕይወት ዘገድስ፡ እቲ ሓገስና ዝዀነ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም ዘቕረብዎ መዘክር መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ዛዚሞም።

ዕለት 29 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ብፅዕና ኣማእኪሎም ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ዘስመሩሉ ሓሳብ
ፍርዲ ፍጻሜን ለውሃትን እግዚኣብሔርን
31 January 2020, 17:52