2020.01.11ኣደራሽ ክለመንቲና 2020.01.11ኣደራሽ ክለመንቲና  

ኣብ ኢትዮ.ኤርትራን እትርከብ ካቶ.ቤተክርስትያን ኣብያተ ትምህርታን ሕክምናታታን ንሕዝቢ ከገልግላ ነጻ

ንዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ቫቲካን ንምብዓል ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝመጹ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብን ዝርከብዎም ጳጳሳትን ካህናትን ሎሚ ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ኣደራሽ ክለመንቲና ተራኺቦም። ቅዱስነቶም ነቲ ብረድኤት ኣምላኽ ዝተዛዘመ ውግእ ኣሕዋት ዘኪሮም እዚ ንከይድገም ብምምሕጻን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ክድንፍዕን ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ሕክምናን ንሃባራዊ ሠናይ ነገር ከገልግሉ ነጻ ክኾኑን ኣዘኻኺሮም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!

ሎሚ ኣብዚ እንክቅበለኩምን ንጸጋ ሚእቲ ዓመት ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ብሓባር እንክነመስግንን ሓጐስ ይስመዓኒ። ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝመጹ ጳጳሳትን ክልተ መጥሮፖሊታ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስን ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያምን  ንማሕበር ተማሃሮ ምስ ኣሕሉቆም ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ንሓለቃን ምኽትል ሓለቃን ነተን ንኩሉ ዝሓልያልኩም ደናግልን ዓለማውያን ሠራሕተኛታትን ሰላምታይ አቅርብ። ንካርዲናል ሳንድርን ኣቡነ ቫዚልን ሰላምታይ እንከቅርብ ንጳጳሳዊ ኮለጅ ንእትሕግዝ ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ንእትሓሊ ማሕበርን ኩሎም ገበርቲ ሠናይን አመስግን። ነቶም ንኮልጅ ዘመሓድሩ ኣሕዋት ካፑቺኒ ምስ ጠቅላሊ ሓለቃኦም ንተወከልቲ ጳጳሳዊ ምሥራቃዊ ተቅዋምን ንኩሎም ካህናትን ኣሕዋትን ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብዚ ብብዝሒ ንዘሎኹም ሰላምታይ አቅርብ።

 ኣብ ውሽጢ መናድቅ ቫቲካን ህላዌ ኢትዮጵያውያን ነዚ መበል ሚእቲ ዓመቱ ዘኽብር ዘሎ ኮልጅ መሠረት ዝኾኑ ቤተክርስትያንን ምዕራፈ ጻድቃንን ናብ ሓንቲ ቃል ናብ ምቅባል ኣጋይሽ እትብል ይወስደና። ኣብ መቃብር ቅዱስ ጴጥሮስ ደቂ እዞም ብመልክኣ ምድር ካብ ሮማ ርሑቅ ዝነበሩ ኮይኑ ግን ኢየሱስ ክርስቶስ መድሓኒ ኢሎም ንክምስክሩ ኣብ እምነት ሓዋርያት ብጣዕሚ ቀረባ ዝኾነ ገዛ እንግዶትን ረኺቦም።

ኣብ ሎምን ጽባሕን ሥርዓተ ኣምልኾ እተዕርጉሉ ቤተክርስትያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ኣብ እምኒ ተወቂረን ዘለዋ ቃላት ናይቲ ኣብኡ ተቀቢሩ ዘሎ ዓቢ መነኮስ ኣባ ተስፋጽዮን ኢትዮጵያዊ ጴጥሮስ ክንብሎ እንኽእል  ብጣዕሚ ጽቡቃት እየን። እተን ቃላት ‘ኣነ ንባዕለይ ኢትዮጵያዊ እየ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዓዲ ኣረሜንን ክርስትያንን ዓዲ ኣይሁድን ዓዲ ተናብልትን ብባሕርን ብመሬትን ኰለል ኢለ እንትርፊ ኣብታ መዕረፊት ነፍሲ ዝኾነት እምነት ጴጥሮስ ዝሓዘት መዕረፊ ሥጋን ነፍስን ዕረፍቲ ዘይረኽብኩ እየ’ ይብላ። ኣባ ተስፋጽዮን ንኣባላት ኩርያ ሮማና ብጥበቡ ብዙሕ ኣሃብቲሙ ሓዲስ ኪዳን ብቋንቋ ግዕዝ ከምዝሕተም እውን ገሩ።

ንስኹም ካብተን ብባሕሊ ሓደ ዝኾና ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝመጻእኩም ተመሃርቲ ካህናት ሎሚ እውን ኣብ ማእከልና ሃብቲ ታሪኽ ዓድታኩም ምስ ጥንታዊ ባህሉን ዕብራዊ እምነትን ምስልምናን ምስቶም ብዙሓት ኣሕዋት ኦርቶድክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ብስኒት ከመይ ቢልካ ከምዝንበር ተርእዩና ኣሎኹም። ኣብዚ ኣብ ሮማ ሕውነታዊ ሰላምታይ ንዘቀድመሉ ናይ ኢትዮጵያ ፓትርያርክ ብፁዕን ቅዱስን ኣቡነ ማትያስ ክፈልጥ ክኢለ።

ሎሚ ኣብዚ እንክረኽበኩም ነቶም ብድኽነት ዝሳቀዩ ዘለው ከምኡ እውን ክሳብ ቀረባ ግዜ ኣሕዋት ዘጽነተ ውግእ ዘሕለፉ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ይቅጀሉኒ። ነዚ ናይ ኣሕዋት ውግእ ደው ዘበለ ጐይታ ነመስግን ከምኡ እውን ነቶም ናብኡ ብኣካል ዝዋስኡ አመስግን። ብክልቲኡ ወገን ንዝተቀስመ መሪር ተመክሮ ከይትርስዕዎ እላቦ ከመይ ሓባራዊ ሡር መሠረት ዘለዎም ኣሕዋት ከምዚ ዓይነት ናይ ዓሌት ፍልልይ ከይገብሩ እዩ። ንስኹም ካህናት ከኣ ናይ ሠናይ ርክብ ሃንደስቲ ክትኮኑ ናይ ሰላም ሃነጽቲ ክትኮኑ እላቦ።  ነዚ ዓቢ ውህበት እግዚአብሔር ነቶም ንዓኹም ሓደራ ዝተዋህቡ ምእመናን ነቲ ውሳጣውን ደጋውን ቊስልታቱ እናፈወኩምን ናይ ዕርቂ መንገድታት ሃሰስ እናበርኩምን ምናዳ ኣብቶም ናይ መጻኢ ተስፋ ዝኾኑ ሕጻናትን መንእሰያትን ናይ ዓድኹም ክተጽርጹ እላቦ።

ንክትዝክሮ እኳ ዘሕዝን እትንተኮነ ብዙሓት መንእሰያትኩም ዓዶም ገዲፎም ዝተኸፈለ ይከፈል ብማለት ኣብ መሬትን ባሕርን ዘይንገር ጸገማት እናጓነፎም ኣንቂዶም ይነቅሉ። እቶም ኣቀዲሞም ዝተሰዱ ሎሚ ንስኹም ናብ ጒስነቶም ተዋፊርኩም ዘሎኹም ምእመናንኩም ንዝገብርዎ ተቅባልን ሓገዝን አመስግኖም። ንስኹም ካህናት ኣብ ኣብዚ ሮማ ብእትገርዎ መጽናዕትን ተመኲሮን ኣብ ዓድስ ይኹን ኣብ ወጻኢ ትሑትን ለጋስን ኣገልግሎት ብምውፋይ ወትሩ ምስቲ ነዛ ህልውና ዝዓደለኩም ጐይታ ብምውህሃድ ግበርዎ።   

ነታ ኣብ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዝተመስረተት ሕያው ባህሊ ቤተክርስትያን ኣጽኒዕኩም ክትሕዙ ኣተባብዓኩም። ኣብ ዓድታትኩም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ዝከኣላ ንክተበርክት ነጻነት ክህልዋ እዚ ከኣ ነቶም ንመጽናዕቲ ንሮማስ ይኹን ናብ ካልእ ወጻኢ ሃገር እትለኣኹ ካህናት ነጻ ፍቃድ ብምሃብን ነቲ ሕመረት ተልእኮ ቤተክርስትያን ዝኾነ ትምህርትን ሕክምናን ማሕበራዊ ሓገዝን ንክትህብ ንቤተክርስትያን ብምፍቃድን እቶም ጓሶትን ምእመናንን ንካልኦት ንምሕጋዝስ ይኹን ካልኦት ንክሕግዝዎም ረድኤት ንምሕታት ከፍቅዱን እላቦ።  

ከም ደቂ ኣብያተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኣደ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዙሕ ተፍቅሩ። ንገዛእ ርእስኹም ከም ርስቲ ማርያም እትገልጹ ኣብ ወርሓዊ ዝክረ ድንግል ማርያም ከኣ ኪዳነ ምሕረት ኢልኩም ወርሒ መጸ እትዝክሩ ስለዝኾንኩም ንኩሉ ጸሎትኩምን ምሕጽንታኹምን ኣብ ኣማልድነታ ተማሕጽኑ። ኣብዚ ነዚ ጸሎት እዚ እተዕርጉሉ ወትሩ ምእንታይን ምእንቲ ሓሳበይ ክትጽልዩ እምሕጸነኩም።

ንኩልኹም አመስግነኩም ሓዋርያዊ ቡርኬ እህበኩም። እዚ ቡራኬ እዚ ኣብ ሥድራቤታትኩምን ኤጳርቅንታትኩምን ሕዝቡኹምን ይዕሰል! እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

11 January 2020, 17:53