ር.ሊ.ጳ. ንሉተራናውያን፥ ዘአንግድ ኣዚዩ ሃብታም ይኸውን ር.ሊ.ጳ. ንሉተራናውያን፥ ዘአንግድ ኣዚዩ ሃብታም ይኸውን 

ር.ሊ.ጳ. ንሉተራናውያን፥ ዘአንግድ ኣዚዩ ሃብታም ይኸውን

ጸጋ ጥምቀት ከም ዘተቐበሉ ክርስቲያን፡ ክርስቶስ ኣብቶም ብቐጥታ ኣብ ምጥሓል ሓደጋን ኣብ ካልእ ዓይነት ጸፍዒ ሓደጋ ሕይወት ኣብ ዝርከቡ ንኽንራኸቦ ይደልይ፡ እንገዳ ዝልግስ ድኻ ዘይኵነ ሃብታም እዩ ዝኸውን፡ ዝልግስ ይቕበል፡ ንኻልኦት ሰብኣውነት ምስ እነስተርይእ፡ ኣብቲ ናይቲ ዝተሰግወ እግዚኣብሔር ለጋስነት ዝዋስኡ ንኸውን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 17 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ናይ ፊንላንድ ናይ ውህደት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ተቐቢሎም፥ እንገዳ ናይ እምነት ምስክርነት ዝሓቶ ናይ ሓባር ረቛሒ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሓባር መንፈሳውንትን ናይ ሓባር ዘተን ብሓባር ኣብ ምዃን ዘሎ ተመክሮ ክብ ዘብልን ዓሚይቕ ዝገብርን ምዃኑ ነቶም ኣብ ሮማ ንመንፈሳዊ ንግደት ዝኣተዉ ናይ ፊንላንድ ናይ ውህደት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘመላኸቱ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡

ብጻየይ ወይ ጐረቤተይ ተጻየይ ኣይኰነን

ዕለት 12 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ዝተበዓለም በዓለ ጥምቀት ዘእግዚኣነ ዘኪሮም፡ ጸጋ ጥምቀት ናይ ዝተጠመቑ ማሕበረሰብ ኣባላት ንኽንከውን የብቅዓና፡ ምስጢረ ጥምቀት ምሕረት ሓጢኣትን ጻውዒት ንዝተቐደ ሕይወትን እዩ፥

ፍቱዋት የዕሩኽ ፊንላንዳውያን፡ ከም ናይ ሰብኣውነትን ናይቲ ኣኽሊል ናይ ዝደፈአ ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮትን ለውሃትን ልኡካን ኣብቲ ናይ ዝተጠመቑ ማሕበረሰብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ንርከብ፡ እዚ የራኽበናን ብጻይናን ጐረቤትናን ጸላኢና ዘይኰነስ ልብና እነርህወሉ ፍቁር ሓው እዩ ዝብል ሞሳ የራኽበናን ልብና ንኸነዕብይ  የብቅዓና፡ ዝተጠመቑ ማሕበረሰብ ማለት እቲ ሓደ ኣብ ጐድኒ እቲ ሓደ ወይ ከኣ ንሓድ ሕድካ ከም ጸላኢ ንኽትጠማመት ዘይኵነ፡ ብጥልቂ ብሓባር ምዃን ዝኽወነሉ ማለት እዩ፡

ዝልግስ ብተራኡ ዝቕበል እውን ይኸውን

እንገዳ ሓባራዊ ናይ እምነትና ምስክርነት እዩ ቢሎም ኣተሓሒዞም ዕለት 18 ጥሪ ምእንቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን ዝጅመረሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፡ ናይ ጸሎት ሰሙን ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚተን ዝግበርኦ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዘለዎ ክብሪ ዘዘኻኽረና እዩ፡ ከምቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 28 ፍቕዲ 2፥ እቶም ተቐመጥቲ ማልታ ብዓቢይ ሰብኣውነት ተቀበሉና እንክብል ጳውሎስ ንኣኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ካብ ምጥሓል ሓደጋ ዝተረፉን ንኸእንግዱ ዘርኣይዎ ሰብኣውነት ጳውሎስ ይዝክር፡

ጸጋ ጥምቀት ከም ዘተቐበሉ ክርስቲያን፡ ክርስቶስ ኣብቶም ብቐጥታ ኣብ ምጥሓል ሓደጋን ኣብ ካልእ ዓይነት ጸፍዒ ሓደጋ ሕይወት ኣብ ዝርከቡ ንኽንራኸቦ ይደልይ፡ እንገዳ ዝልግስ ድኻ ዘይኵነ ሃብታም እዩ ዝኸውን፡ ዝልግስ ይቕበል፡ ንኻልኦት ሰብኣውነት ምስ እነስተርይእ፡ ኣብቲ ናይቲ ዝተሰግወ እግዚኣብሔር ለጋስነት ዝዋስኡ ንኸውን።

ናብ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ

ኵለን እተን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ኣሚተን ብሓባር ዝፍጽምዎ ጉዕዞ ሕጹጽን ኣገዳስን እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ እምነት ዝነቅል ድላይ እዩ፡ ናይ ክርስቶስ ሰዓብቲ ምዃን ዝሓትቶ እዩ፡ ኣማራጺ ዘይኰነ መሰረታውን ግቡእን እዩ፡ እቲ እንናዘዞ እምነት ዝሓቶ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ኢየሱስ ሰዓብቲ ኣብ ምዃን ዘሎ መለለይና ዝሓትቶ እዩ፡ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንነጀው ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተላበውዎ ናይ ሃባር ጉዕዞ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ንሉተራናውያን፥ ዘአንግድ ኣዚዩ ሃብታም ይኸውን

 

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንሉተራናውያን፥ ዘአንግድ ኣዚዩ ሃብታም ይኸውን
17 January 2020, 17:37