ር.ሊ.ጳ.፥ ዝኽሪ ህልቂት ኣብ መዳጐን ሰፈር መጻኢ መታን ከይጸንት ር.ሊ.ጳ.፥ ዝኽሪ ህልቂት ኣብ መዳጐን ሰፈር መጻኢ መታን ከይጸንት 

ር.ሊ.ጳ.፥ ዝኽሪ ህልቂት ኣብ መዳጐን ሰፈር መጻኢ መታን ከይጸንት

እንነብረሉ ዓለም ኣብ ምኽባር እቲ ክንየው ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ሰዓቢ ምዃን ኽፍሊ ሕብረሰብን ባህልን ምዃን ማሕበራዊ ደረጃን ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብሪ ብሉጽ ክኸውን ዝብል ድላይ

ዝዀነ ይዅን ዓይነትን ኣገባብን ጸረ ሴማውነት ብጽንዓት ካብ ምኹንና ፈጺመ ኣይቦክርን፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ጥሪ 2020 ዓም. ንጐሆ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝፍጸም ዓመጽን ግፍዕን ዝንዛሕ ጽልእን ዝቃወምን እዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ጠሪሹ ከይህሉ ዝተፈላለዩ ተበግስቶታት ዘነቓቕሕ ናይ ሲሞን ዋይሰንታል ማእከል ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ተግባርን ኣገባብን ጸረ ሴማዊ ደግሲ ዘራእቲ ሰላምን ብሓባር ኮስኮስቲ ባይታ ሕውነት ኰይንና ንኽንርከብ እዕድም ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ስቓይ ንምስትውዓል ሱቕታ፡ ሎሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ነዲሩ ሕልቂትን ሞትን ዕንወትን ዝዘርእ ዝነበረ ስርዓት ናዚ ዘቖሞ ሰፈር ህልቂት ኣውሽዊዝን ቢርከናውን በራት ተኸፊቱን ብዙሓት ካብቲ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝተረፉ ዜጋታት ናጻ ዝወጽሉን ነቶም ዝሃለቑ ዝዝከረሉን ዕለት መበል 75 ዓመት ምኽንያት ቅዱስነቶም ንናይ ሲሞን ዋይሰንታል ማእከል ልኡካን ተቐቢሎም፡ ዕለት 27 ጥሪ መዓልቲ ተዝከሮ መዓልቲ ሓርነት ካብ መግዛእቲ ስርዓት ናዚ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ህልቂትን መዳጐን ሰፈርን፡ ሱቓታን ኣስተንትኖን ብምንባር ናይቶም ዝሓለፉ ኣሕዋትን ገዓር ጽም ምባል፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ክትገልጾ ዘይከኣል ህልቂት ቃላት ምብዛሕ ከንቱ እዩ ዝኸውን፡ ስለዚህ ጽሞና ምንባር ተዘክሮ ህያው ምግባር እዩ፡ ብዘይ ምምታእ ዝዀነ ይዅን ጸረ ሴማዊ ተግባራትን ጐስጓሳት ጽልእን ነውግዝ፡ …  ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ተግባርን ኣገባብን ጸረ ሴማዊ ደግሲ ዘራእቲ ሰላምን ብሓባር ኮስኮስቲ ባይታ ሕውነት ኰይንና ንኽንርከብ እብዚ ተግባር’ዚ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ኣይሁድን ብሓባር ክዓዩ ጻውዒት አቕርብ ከምዝበሉ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፡

ሕንጸት ኣብ ምትሕልላይን ምቅብባልን ኣብ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሲሞን ዋይሰንታል ማእከልን ዘሎ ሰናይ ርክብ ዘኪሮም፡ ኩሉን መላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ዝዀነ ይኹን ዓይነትን ተግባርን ኣገባብን ጸረ ሴማዊ ክቃወምን ሰብኣውን ግብረ ገባውን ሓላፍነትን እውን እዩ፡ ሲሞን ዋይሰንታል ተወላዲ ኦስትሪያ ሰዓቢ ሃይማኖት ኣይሁድ መላእ ሕይወቱ እቲ ብስርዓት ናዚ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ህልቂት ሓቅነቱ ክገሃድን ተሓተትቲ ንፍርዲ ንኽቐርቡ ከይተሓለሉ ዝዓዩ ዝነበሩን ጸረ ሴማዊ ተግባር ክይኽሰት ኣብ ምትብባዕ ዝተግሁ ኣብ 1977 ዓ.ም. ብስሞም ዝጽዋዕ ማእከል ዘካይዶ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝነኣድ እዩ።

እንነብረሉ ዓለም ኣብ ምኽባር እቲ ክንየው ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ሰዓቢ ምዃን ኽፍሊ ሕብረሰብን ባህልን ምዃን ማሕበራዊ ደረጃን ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብሪ ብሉጽ ክኸውን ዝብል ድላይ የተሓባብረና፡ ሕንጸት ኣብ ምትሕልላይን ምቕብባልን ሕድ ሕዳዊ ምትሕስሳብን ናይ ሃማኖት ናጽነትን ንማሕበራዊ ሰላምን ኣብ ምንቕቓሕ ሰላምን ወሳኒ እዩ

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ተዘክሮ መጻኢ ውሑስ ንምግባር

ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣውሽዊዝን ቢርከናውን መዳጐን ሰፈር ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ተዘክሮ ዘስካሕክሕ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ብጽሞና ናይ ሕልና ጸሎት ከምዘዕረጉ ክዝከር እንከሎ፡ ጽሞና ነቲ ዝሓለፈ ስቓይ ንምውሳጥ ደው ቢልካ ውሳጤኻን ገዝእ ርእስኻን ብምጥማት ናይቶም ኣብቲ መዳጐን ሰፈር ዝሃለቑን ናይቶም ዝተሳቐዩን ኣሕዋት ገዓር ሰማዒ ንምዃን፡ ኣብዚ ሕዉኽ ዝዀነ ዓለም ሱቕ ምባልን ምስትንትናን ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ እዋን ናይ ጽሞና ግዜ ምንባርን ስቓይን ገዓርን ኣሕዋት ምስትውዓል፥

ኣህላኽነት፡ ናይ ቃል እውን፡ ብነገራውነት ጥራሕ ዘይኰነ ቃላት ምብኻን፡ ዘይጠቅም ቃላት ምንዛሕ፡ ኣብ ምፍራድን ምንሻውን በለካን ለኻዓካን ግዜና ነባኽን፡ እንብሎ ከየስተውዓልና፡ ጽሞና ግና ተዘክሮ ክንዕቅብ ይድረኸና፡ … ተዘኽሮ እንተድኣ ኣጥፊእና መጻኢ ኢና ነጽንት … እቲ ቅድሚ 75 ዓመት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝወረደ መዓትንን ጭካነን ሎሚ ደው ክንብል እሞ ጽሞና ገይርና ተዝከሮ ንኽነስተውዕል ይዕድመና፡ ዘይግደሱ መታን ከይንና ክይንርከብ።

ኢጐነትን ዘይምግዳስን

ቅዱስነቶም፥ እቲ ንውልቀይን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ኤጐነታውን ዘምግዳስን ኣዚዩ ዘተሓሳስቦም ከምዝዀነን፡ ኢጐነትን ውልቃውነትን ዓይነት ኣነብባራ ሕርቃንን ነድርን ጭካኔን የለዓዕል፡ እዚ ኸኣ እቲ ንጽልእ ምቹእ ባይታ ናብ ዝፈጥርን ፍሉይነታውነትን ህዝብነን የብጽሕ፡

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋ እውን ጸረ ሴማዊ ተግባራት ዳግም ክፍጸም ከምእተራእየን፡ ዝዀነ ይዅን ዓይነትን ኣገባብን ጸረ ሴማዊ ካብ ምዅናን ኣይቦክርን፡ ዝዀነ ይኹን ጸረ ሴማዊ ተግባር ሸለል ክበሃል የብሉን፡

ኢድና ንሓልዮት እናዘርጋሕና ዘራእቲ ሰላም ንዅን

ኣብቲ ጽልእ ዝጥጥዓሉ መሬት ዘራእቲ ሰላም ብምዃን ጽልእ ዘበለ ኵሉ ምስናፍ

ብምውህሃድን ንኻልእን ነቲ ዘይንስኻ ዝዀነ ሰብ ምንዳይን ምሕላይን … ስለዚህ ዝተሓረገ ክወሃድ መታን ኣእዳውና ንዘርግሓሉ፡ ነቲ ዝተረሰዔን ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማን ህልውናን ዝርከብ ኣብ ጽንኩር ድኽነት ዝወደቐ ናይ ዘይምጽውዋርን ኣድልዎን ኣደዳ ዝዀነን ነቕርቦን ኣእዳውና ንዘርግሓሉን፡

ጉዕዞ ሕውነት

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ዝብል ውሳኔኡ ከምዘመላኽቶ፡ እምነት ክርስትናን ኣይሁድን ሃብታም ዝዀነ ናይ ሓባር መንፈሳዊ ውርሻ ዘላዎም እያቶም፡ ስለዚህ ክርስቲያንን ኣይሁድን ብሓባር ኣብ መገዲ ሕውነት ክርከቡ ዝተጸውዑ እያቶም፥

ሎሚ ካብ ቀደም ብቐዳምነት ንሕና ብዘይ ምንጽጻግን ምርሕሓቕን ብምቅርራብን ብምውህሃድን ሓይሊ ከም መፍትሒ ንምቛም ዘይኰነስ ናይ ቀረባውነት ባህሊ ንምስፋሕ ንምሕናጽን፡ ንሓድ ሕድና ብምቕርራብን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ቀረባኡ ብምዃን፡ … በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢልና ናይ ሕውነት ባይታ ነቕውም፡

ምትሕብባርን ነቶም ኣብ ድኽነትን መከራን ንዝርከቡ ሓላፉ ዝብል ባይታ፡ … ዘራእቲ ሰላም ብምዃን እንነብረሉ ዓለም ብሉጽ ምግባር እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ዝኽሪ ህልቂት ኣብ መዳጐን ሰፈር መጻኢ መታን ከይጸንት

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ዝኽሪ ህልቂት ኣብ መዳጐን ሰፈር መጻኢ መታን ከይጸንት

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ዝኽሪ ህልቂት ኣብ መዳጐን ሰፈር መጻኢ መታን ከይጸንት
21 January 2020, 17:03