ቫቲካን፡ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ቫቲካን፡ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር  

ቫቲካን፡ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር

ርእሰ ብሔር ፈርናንደዝ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚሮስላው ዋቾውስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፡ ብዛዕባ ድኽነትን ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ናይ ገበን ጉጅለታት ዘካይድዎ ዝውውር ዕጸ ፋርስን፡ ምክንኻን ሕይወትን ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ኣርእስታት ከምእተመያተጡን፡ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊንን ምስ ብፁዕ ኣቡነ ዋቾውስኪ ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ኣልበርቶ ፈርናንደዝ ተቐቢሎም ኣብ ዘካይድዎ ክሌኣዊ ርክብ፥ ህልው ኵነታት ኣርጀንቲናን ብፍላይ ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ድኽነትን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ዝውውር ዕጸ ፋርስን ንምጥፋእ ዝግበር ቃልስን፡ ማሕበራዊ ጐስጓስን ሕይወት ካብ ምጽናስ ካሳብ ባህርያዊ ሞት ምዕቃብን ዝብል ናይ ሕይወት ባህሊ ኣብ ዘተኰሩ ነጥብታት ከምእተመያየጡን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርጀንቲና ንመላእ ሕብረተሰብ ኣርጀንቲና ብፍላይ ንድኻታትን ተኣፈፍቲን ክፍሊ ሕብረተሰብ ደገፍ ኣበርክቶኣ ዝነኣድ ፍሉይን ዓቢይን ምዃኑ ብወገን ርእሰ ብሔር ፈርናንደዝ ከምእተገልጸ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ክሌኣዊ ርክብ

ርእሰ ብሔር ፈርናንደዝ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚሮስላው ዋቾውስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን፡ እብዚ ክርብ’ዚ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ኣርጀንቲናን ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ሰናይ ምዃኑ ከምእተሰመረሉን፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓታትን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኣርጀንቲና ላቲን ኣመሪካን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት እውን ሰፊሕ ምይይጥ ምክንያዱ ኣፍሊጡ።

ቫቲካን፡ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር
31 January 2020, 18:10