ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ርእሰ ብሔር ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ርእሰ ብሔር 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ርእሰ ብሔር

እቲ ዕለት 20 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ክልቲኣተን በመርሕነት ደረጃ ዝተፈረመ ናይ ስምምዕ ሰነድ ትግባሬኡ ዝጠልቦ ኣገባባት ኵሉ ኣጠናቒቑ ይኹንታ ዝተወሃበሉ ናይ ስምምዕ ሰነድ ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ተፈጺሙን፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዘሎ ስምምዕ ዘመላኽቶ ሕጋዊ መቓኑ ዘላዘበ ርክብ

ዕለት 17 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ርእሰ ብሔር ፈሊክስ ኣንቶይነ ትሺሎምቦ ትሺሰከዲን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ርክብ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዝተፈረመን ብኽልቲኣተን ሃገራት ዝጸደቐን ናይ ስምምዕ ሰነድ ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት እውን ከምእተፈጸመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ናይ ሓባር ረብሓ ኣማእኪሉ ዝተገብረ ስምምዕ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ዝሓትቶ ኣገባብ ተጠናቒቑ ዝጸደቐ ናይ ስምምዕ ሰነድ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ርእሰ ብሔር ፈሊክስ ኣንቶይነ ትሺሎምቦ ትሺሰከዲ በቲ ዝተብጽሔ ስምምዕ ዝተሰምዖም ሓጐስ ከምዝገለጹን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ስርዓት ደሞክራሲ ውሑስ ክኸውንን ናይ ደሞክራሲ ባህል ክሰፍሕን ንናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ዝግበር ጻዕርን ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ሕንጸትን ግደ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኮንጐ ዝነኣድ ምዃኑ ብወገን መንግስቲ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣፍልጦ ከምእተወሃቦ ኣፍሊጡ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ኣብ ልዕሊ ናይታ ሃገር ተቐማጦ ምብራቓዊ ከባቢ ብውሽጣዊ ግጭትን ብለበዳ ሕማም ኤቦላን ምኽንያት ዘጋጥሞ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ዘማእከለ ብሓፈሻኡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ሃገረ ኮንጐ ምይይጥ ከምዘካየዱን፡ ናይ ሕዝቢ ሰላማዊ ናብራን ሰብኣዊ መሰልን ክብን ውሑስ ክኸውን ዝግበር ጻዕሪ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ምትሕብባር ዘድልዮ ምዃኑን ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዘማእክለ ርእሰ ጉዳይ እውን ምይይጥ ምክያዱ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ናይ ስምምዕ መቓን

ርእሰ ብሔር ፈሊክስ ኣንቶይነ ትሺሎምቦ ትሺሰከዲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ተራኺቦም፡ እቲ ዕለት 20 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ክልቲኣተን በመርሕነት ደረጃ ዝተፈረመ ናይ ስምምዕ ሰነድ ትግባሬኡ ዝጠልቦ ኣገባባት ኵሉ ኣጠናቒቑ ይኹንታ ዝተወሃበሉ ናይ ስምምዕ ሰነድ ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ተፈጺሙን፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዘሎ ስምምዕ ዘመላኽቶ ሕጋዊ መቓኑ ዘላዘበ ርክብ ከምዝነበረን። እዚ ኸኣ ህላዌ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ሃገርን ሓዋርያዊ ንጥፈታታን ሓላፍነታን ኩሉ ሕጋውነት ዘልብስን ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣፍልጦ ዝህብን ዝድግፍን፡ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ሃይማኖት ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ክህሉ ዝብልን ናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ኣብታ ሃገርን ናይ ቀረጽ ኤኮኖምን ዝምልከትን ኣብ ኮንጐ ንሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንዝለኣኹ ገዳማውያንን ካህናትን ናይ መእትውን መንበርን ፍቓድ ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘረጋገጸን ኣብ መንጐ ኣብ ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ መንግስትን ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘተኰረ ርክብ ውሑስ ዝገብር ናይ ስምምዕ ሰነድ እውን ምዃኑ የመላኽት።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ርእሰ ብሔር
18 January 2020, 17:10