ሓሳብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንወርሒ ጥሪ 2020

ክርስትያንን ተኸተልቲ ካልእ እምነታትን ምስ ኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ሓቢሮም ሰላምን ፍትሕን ኣብ ዓለም ክደንፍዑ ንጸሊ

ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኵሎም ነቲ ኣብቲ ዝተገማምዔ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ዘይምስምማዕን ምክፍፋልን ንምሕዋይ ኣብ ዘኽእል ተግባር ኣበርቲዖም ክዓዩ ጻውዒት ዘቕረቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሰላምን ፍትሕን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ማሕበር ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብዚ ዝተኸፋፈለን ዝተገማምዔን ዓለም፡ መላእ ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ዳላይን ንዕርቅን ሕውነትን እዕድም፡ እምነትና ናይ ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ናይ ሓባር ረብሓን ክብርታት ንኸነስፍሕ ይዕድመና፡ ማሕበረ ክርስቲያንን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኵሎም ብሓባር ኣብ ዓለም ሰላምን ፍትሕን ንኸስፍሑ መታን ንጸልይ” ቢሎም እዚ ጸሎት’ዚ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣባ ገዳማትን ካቶሊካውያን ማሕበራትን ካቶሊካውያን ኣባይቲ ስድራን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን የተሓሳስቡ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ምዕዳምን ምክፋልን ምንቕቓሕ ዝብሉ ሰለስተ ቃላት ኣማእኪሎም፡ ኣብዚ ብዓመጽን ብስእነት ስምምዓትን ኣብ ዝሳቐይ ዘሎ ዓለም ሰላምን ፍትሕን መታን ክረጋገጽ ክጽለይን፡ እቲ እነዕርጐ ጸሎት ሰላምን ፍትሕን ብዘነቓቕሕ ተግባር ዝተሰነየ ክኸውን ሓደራ ይብሉ።

ግደ ነፍሲ ወክፍ

ሰላምን ፍትሕን ንምንቕቓሕ ንድሕሪት ብዘይምባል ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ሃገራትን ፍትሕን ሰላምን ውሑስ መታን ክኸውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግደኡ ንኸበርክት ጻዕርታቱ ህያው ክገብር ተላብዮም፡ ኣብ ቶክዮ ዕለት 25 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ጃፓን መራሔ መንግስቲ መንበርን ቤት ጽሕፈትን ናይታ ሃገር ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣብ ዘአንግድ ዓቢይ ናይ ካንታይ መጋባእያ ተረኺቦም ንናይታ ሃገር ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ናይ በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ጃፓን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ርክብ፥

ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ሃገራትን ዘሎ ግጭትን ዘስካሕክሕ ግጭት እውን እንተዀነ በቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት እንኰ ክቡር መጋበርያ ዝዀነ ነባሪ ሰላም ውሑስ ብዝገብር ቅቡልን ሕጋውን ዋጋ ዘለዎ መፍትሒ ብዘተ ጥራሕ ምዃኑ ታሪኽ ይምህረና፡

ከምዝበሉ እቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ማሕበር ዝዘርገሖ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ የዘኻኽር።

ንናይ ኣሕዋት ምቅትታል ብሕውነታውነት ብምዳህ

ሰላም ዓቢይ ጸጋን ኵሉ ዝምነዩን ናይ ተስፋና ሸቶ ብምዃኑ ሰላም ዘለዎ ክብሪ ንምስትውዓል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቶም፥

ናይ ሕድ ሕዳውን ዓለም ለኻውን ግጭት ዘስካሕክሕ ተመክሮ፥ ትርጉም ኣልቦን ኣልቦ ርህራሀን ኣልቦ ድንጋጸን ዝተመልአ ምዃኑን ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘይጠፍእ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምብራት ሓዲጉ ዝሓልፍ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡

ዝበልዎ ሓሳብ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ምስል ቢሎም ከምዘዘኻኸሩ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ማሕበር ኣፍሊጡ።

ታሪኽ ብጋሴ ናይ ር.ሊ.ጳ.

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ እቲ ሎሚ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ማሕበር ብዝብል መጸውዕ ዝተሓደሰ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይኹንታ ዝተወሃቦ ቅድሚ 175 ዓመት ብዙሓት ንናይ ቤተ ክርስቲያን ረብሓ ፍቓድ እግዚኣብሔር ንምንባር ክሳብ ሕይወቶም ኣሕሊፎም ንምሃብ ወትሩ ስንድዋት ኰይኖም ንኽርከቡ ምጽላይ ብዝብል ድላይ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ተወላዲ ፈረንሳ ኣባ ሳቨሪዮ ጓትረለት ዝክየድ ኣብ ዝነበረ ዓውደ ጉባኤ ሓሳብ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፡ ዕለት 3 ታሓስስ 1844 ዓ.ም. ቆይሙን፡ ኣብቲ እዋን ብዙሓት መንእሰያት ቃል ኣምላኽ ንኸበስሩ ናብ ህንዲ ንኽኸዱ ተነቓቒሖምን እዚ ንምፍጻም ዝከታተልዎ ዝነበረ ትምህርቲ እውን ከቋርጹን ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ንኽለኣዅ ዝነበሮም ህረርታን፡ እቲ ዝነበሮም ውዕዉዕ ድላይ ወንጌላውነት ብጸሎት እውን ክፍጽምዎ ከምዝኽእሉ ካብ ሓለቓኦም ኢየሱሳዊ ካህን ከምእተነገሮምን፡ ኣብ ዘለኻሉ ኰይንካን እትኽተሎ መደብ ሕንጸት እውን ከየቋረጽካ ኣብ ጸሎትን ብጸሎትን ልኡኽ ምዃን እውን ከምዘከኣልን ኣብዚ ኸኣ ዓለማውያን ምእመናን ልኡካነ ወንጌል ንምዃን ሰፊሕ ዕድል ዘይነበሮም ኵሎም ክጽንበርዎ ዘኽእል መደብ ምዃኑ ይስተውዓል፡ እዚ ማሕበር’ዚ ኣብ መባእታ 1900 ዓመታት ልዕሊ 13 ሚሊዮን ኣብዚ እዋን’ዚ 35 ሚሊዮን ናይ ጸሎት ሓዋርያዋት ብኣባልነት ዝሓቁፍ ከምዝዀነ ዓለም ሓቆፋዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት መረብታዊ ማሕበር የዘኻኽር።

ናይ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ
02 January 2020, 18:32