ር.ሊ.ጳ.፥ ቅልውላው ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ንምብዳህ፡ ዘተን ዓለም ሓቆፍ ሕግታት ምኽባርን

ኣስዒቦም እውን እቲ ኣብ መንጐ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ዝገደደ ከየብል ዘተን ዓለም ሓቆፍ ሕግታት ምኽባርን የድልይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓ.ም.  ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራትት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ንምልውዋጥ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዝጸንሔ ባህሊ መሰረት፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣፈ ጉባኤ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ቀጵሮስ ልኡከ መግንስቲ ጊዮርጊስ ፑሊደስ ብስም ኵሎም ልኡካነ መንግስታት ድሕሪ ዘስምዕዎ መደረ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ እቲ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ክበሃል ዝከኣል ዝርአይ ዘሎ ነውጺ ብተስፋ ክንጥምትን ቢሎም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝርአንይ ዝንገረሉን ዘይንገረሉን ውጥረትን ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ደቀንትዮን ዝፍጸም ዓመጽን፡ ትርጉም ሓልዮት ኣብ ኤውሮጳን ዝብሉ ነጥብታት ከምዝጠቐሱን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር 183 ሃገራት ብልኡካነ መንግስታት ደረጃ ርክብ ከምዘለዎንን ከምኡ እውን ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ናይ ማልታ ሉኣላዊ ወትሃደራዊ ማሕበርን እውን ናይ ገዛእ ርእሶም ልኡካን ከምዘለውዎም ይፍለጥ።

ተስፋ ጭቡጥነት ይሓትት፡ ስለዚህ ንፍሲ ወከፍ ጸገም እንታይን ካበይን ኣለሊኻ ስም ሂብካ መፍትሒ ምንዳይ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ሓድሽ ዓመት 2020 ዓ.ም. ብዅለንተናኡ ሓድሽ ዓመት ክኸውን ናይ ኵሉ ህርኵት ጻዕሪ ይሓትት፡ ስለዝህ ኣብ ዓለም ዝርአዩ ውጥረትን ግጭትን ዓመጽን ተስፋ ከየቝርጸና ተላብዮም፡ ኣስዒቦም እውን እቲ ኣብ መንጐ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ዝገደደ ከየብል ዘተን ዓለም ሓቆፍ ሕግታት ምኽባርን የድልይ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ምውጋእ

ቅዱስነቶም ኣብ ፓናማ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ዘኪሮም ኣብኡ ምስ መንእሰያት ዘካየድዎ ርክብን ገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝርከብዎም ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን መንእሰያትን ዝፈጸመዎ ዓመጽ ከቢድ በደል ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣካላውን መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ዘውርድ ጸረ እግዚኣብሔር ዝዀነ ተግባር እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ርክብ ዘኪሮም፡ ነቲ ገበን ንምግጣም ዘኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ጽኑዕ ስርዓተ ሕጊ ክህልው ዝደረኸን ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝግበር ጻዕሪ ተሓዲሱ ክነቓቓሕ ዝገበረ እውን ምዃኑ ከምዘብርሁ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡

ስነ ሕንጸታዊ ቃል ኪዳንን ኣብ ሕንጸት ቀዳምነት ስድራ ቤትን

ሕንጸት ዘለዎ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘመላኽቱ ዝተፈጸሙ ከበድቲ በደላትን ዘርዚሮም፡ ቅዱነቶም፡ ዕለት 14 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ሕንጸት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባን። ሕንጸት ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ኣብ ዘለዉ ክፍልታት ዝፍጸም ጥራሕ ዘይኵነ ኣብ ሕንጸት ስድራ ቤት ቀዳምነት ዘለዎ ምዃኑ ክስትውዓልን ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብዚ መዳይ ተዋሳኣነታ የመላኽቱ። … ኣብዚ ኣብ ገዝእ ርእስኻ ዕጹው ምዃን ዝረኣየሉ ኣብ ኢድካ ዘእተኻዮ መሰል ጥራሕ ዝከላኸል ንዝውለዱን ንኣረጋውያንን ቦታ ዘይብሉ ዓለም፥ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዋሕዲ ዝውለዱ ሕጻናት ከጋጥም ይገብር ኣሎ።

ኵለንተናዊ ምህዳራዊ ምልዋጥ

መራሕቲ ዓለም ኣብ ምክንኻን ፍጥረት ህርኵት ጻዕሪ ከሳልጡን ዛዕባ ምህዳር ጉዱሳት ክዀኑ ዝድርኹ ዘለዉ ብውዕዉዕ መንፈሶም መንእሰያት እያቶም። … ፍጥረት ንናይ ፖለቲካዊ ህልዮታዊ ምቅዋም ፍቓድ ዝተፈጥረ ኣይኰነን ዝበሉ ቅዱስነቶም ነዚ መሰረት ገይሮም ምህዳራዊ ምልዋጥ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣተሓሳሲቦም፡ … እቲ ኣብ ማድሪድ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝዘተየ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ብከላ ከባቢ ኣየርን፡ ክብታ ሙቐት ግዳማዊ ጽፍሒ መሬትን ህጹጽ መፍትሒ ዘድልዮ ምዃኑ ዘተሓሳስብ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ናይቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው መሰረት ኢማዕርነትን ምግባረ ብልሽውናን እዩ

ቅዱስነቶም ህልው ኩነታት ሃገራት ላቲን ኣመሪካ እናሓሰቡ፡ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ኣማዞም ዝመኸረ ሲኖዶስን እቲ እናተላብዔ ዝኸይድ ዘሎ ኢማዕርነትን ምግባረ ብልሽውና ዝኣናስሩ ማሕበራዊ ውጥረትን ኵሉ ዘርዚሮም

ዝዀነ ይኹን ዓይነት ማሕበራዊ ውጥረት ሰላማዊ መንፍትሒ ክርከቦ ኣላበው፡ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ እቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ዲሞክራሲያውን ህልዮ ሕዝብነትን ኣኽራርንትን ብዓንተውኡ ንምክልኻል ንናይ ሓባር ረብሓ ዝብልን ደሞክራስያውያን ተቕዋማት ዘበራትዕን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘነቓቕሕ ናይ ዘተ ባህሊ ሕጹጽ ምዃኑ ተኣሚኖም ክፍጽምዎ ሓደራ

ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥

ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ጻውዒት ንኢየሩሳሌምን

ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኤሚራት ሃገራት ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕን ኣብኡ ብሓባር ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ጠቒሶም ሰብኣዊ ሕውነት ውሁዳን ከይዕብለሉን ንሓደጋ ከይቃልዑን ብዙሓን ናይ ውሁዳን መላኽያን ከይኰኑን መታን ንናይ ሃያምኖት ናጽነት ምኽባር ዜግነት ዝህብን ኣብ ሞርኮ ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ዘቕረብዎ ኢየሩሳሌም እንኰነታን ቅድስቲነታን ብኣጽንዖት ኣፍልጦ ዝህብ ምስ ንጉስ ሞሓማድ ሻድሻይ ብሓባር ከቲሞም ዘመሓለፍዎ ናይ ጻውዒት ሰነድን፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነዚ መንነት ኢየሩሳሌም ኣፍልጦ ዝህብ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ሰላም ዘተ ከነቓቕሕ ዝብል እዩ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ሕጹጽ ተግዳስ ዘለዎ እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ህልው ኩነታት ሶሪያ ዝኽውል ሸለልተይናነት

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ውግእ ኣብ ሶሪያ ዘስዓቦን ሕጂ እውን ዝቕጽል ዘሎ ሎሚ ዳርጋ ዘይንገረሉ ኰይኑ ብሱቕታ እናተኸወለ እዩ፡ ስለዚህ ከይርሳዕን ኣብቲ ከባቢ ሰላማዊ መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል መገዲ ሕጹጽ ምዃኑ ብምስትዓል ሰላም ምርግጋጽን፡ ዳግማይ ሕንጸት እታ ሃገር እውን ክነቓቓሕን ቅድስቲ መንበር ዮርዳኖስን ሊባኖስን ንስደተይነታትን ተመዛበልትን ሶርያውያን ብምእንጋደን ዘርእየኦ ዓቢይ ተገዳስነት ምስጋናኣ ተቕርብ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ውጥረት ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት እናሓሰቡ፥

እቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ዝተፈጥረ ውጥረት መላእ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ንሓደጋ ዘቓልዕን ንናይ ዒራቕ ኩለ መደያዊ ዳግመ ሕንጸት ዘሰናኽልን ካብኡ ሓሊፉ እውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንዘህልው ውጥረት መሰረት ናይ ምቛም ኣኽእሎት ዘለዎ እዩ ስለዚህ ብዓንተውኡ ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ወሳኒ እዩ። ምእንቲ’ዚ ናይቲ ሓድሽ ውጥረት ቀንደይና ተዋሳእቲ ነቲ ውጥረት ክብ ዘብል ተግባራት ኩሉ ገቲአን ብምክብባርን ብምኽባር ዓለም ሓቆፍ ሕግታት መሰረት ናይ ዘተን ርእሰ ምቁጽጻርን ጩራ ከውልዓ ጻውዒት አቕርብ!

ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን፥

ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ኣብ የመን ዘሎ ህልው ኵነታትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዚዩ ዘሰክፍን ከምዝዀነ ከስተውዕልን፡ ብኢደ ኣታውነት ኣኽረርቲ ጉጅለታት ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ ዘብል ዘሎ ኩነታት ሊቢያን፡ ንግድ ሰብ ንዝፍጽሙ ንናይ ገበን ጉጅለታት ምቹእ ባይታ ይፈጥር ከምዘሎን፡ ነቶም ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ንዝስደዱ ንምዝመዛ የቃልዕ ከምዘሎ ጠቒሶም፡ ኣብ ዓለም ሕጋዊ ናይ ፖለቲካን ሰብኣዊ ዑቕባ ክወሃቦም ዝግብኦም ብዙሓት ክነሶም እዚ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ብብቕዓት ዘይኽበሮሎም ኰይኖም ይርከቡ ኣለዉ፡ ባሕሪ መዲትራኒያን ናይ መቓብር ስፍራ ኰይኑ ኣሎ፡ ስለዚህ ኵለን ሃገራት እዚ ሰብኣውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው መፍትሒ ንኽርከቦ ኣበርቲዔን ክዓያ እላበው ክምዝበሉ ዝሓበራ ዲኒኒ ኣስዒበን፡

ሕብረት ኤውሮጳ፥ ትርጉም ምትሕብባርን ሓልዮትን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሕብረት ኤውሮጳ እውን ጠቒሶም፡ ብፍላይ ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያን ኣብ ሮማኒያን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘኪሮም፡ እዘን ሃገራት ኣዚኣተን ምዕራብን ምብራቕን ኤውሮጳ ዘራኽባ እያተን፡ እዚ ኸኣ ዘተን ምክብባርን ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት የመላኽታ፡ … ቅድስቲ መንበር ንናይ ቀጵሮስ ውህደት ከምእትዓይን። ኣብ ኡክራይን ዘሎ ቅልውላው ብዘተ እምበር ብሓይሊ ዝፍታሕ ኣይኰነን ቢሎም፡ … ኣብ 1949 ዓ.ም. ቅዋሜ ናይ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪን ስዒቡ ናይ ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ውሳኔ ሰነድን፡ ዘኪሮም፡ ናይ እዋናዊት ኤውሮጳ ኣበው ኤውሮጳ ካብቲ ዘሕለፈቶ ዓበይቲ ውግእ ዓለም ተላቒቓን እቲ ውግእ ዘተኣታተዎ ምግምማዕ ክውገድ ብዝብል ድላይ ተላዓዒሎም ዘቖምዎ ሕብረት ኤውሮጳን ንዘመናት ዝነበረቶ ትርጉም ምትሕልላይን ምትሕብባርን ሓደራ ከይተጥፍእ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ፈላላይ መናድቕን ጽልእን ኣብ መርበብ

ኣብዚ መበል 36 ዓመት ምፍራስ መንደቕ በርሊን ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን፡ ዓመጽን ኣኽራርነትን ዘህልው ኩነት ክፍጠር ምርኣይ ዘሕዝን እዩ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝርአይ ጽልእ ዝቖሙ ሓደስቲ ፈላላይ መናድቕ፡ ዘተሓሳስብ እዩ፡ … ካብ ናይ ጽልእን ፈላላይ መናድቕ ምቛምን ንሕና ዘራኽ ናይ ዕርቅን ምትሕልላይን ድልድል ንሕነጽ ከምዝበሉን፡

ህልው ኩነታት ኣፍሪቃ

ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ሰላምን ዕርቅን ምልክታ ዝረአይ ምዃኑ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ማዳጋስካርን ሞዛምቢን ሞሪሸስን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብቕረባ ክምልክቱ ከምዘኽኣሎም ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ቡርኪና ፋሶን ማሊን ኒጀርን ናይጀሪያን ኣብ ልዕሊ ንጹሓንን ንወንጌል እሙናት ብምዃኖም ግዳይ ሞት ዝዀኑ ዘለዉ ዘኪሮም፡ ኣኽራርነትን ግብረ ሸበራን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ናይ ሓባር ርክብን ዘተን ንምስንኻልን ምግምማዕ ንምትእትታውን ዝኣመተ እዩ፡ … ኣብ ማእከላዊት ኣፍሪቃ ዘሎ ውጥረትን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቲ ልዕሊ 50 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ሕድ ሕድዊ ውግእ ንምውጋድ ዘበጽሐ ስምምዕን እናሓሰቡ፡ ሰላማዊ መፍትሒ መሰረት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ንሰብኣውን ማሕበራውን ምዕባለ ቀንደይና ረቛሒ እዩ፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ንኽበጽሑ ትስፍው ምዃኖም እውን ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም እውን ኣብታ ሃገር ሰላም ክረጋጋጽ ብዝብል ተስፋ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ኣካላት ዘካየድዎ መንፍሳዊ ሱባኤን ሰላም ዘነቓቕሕ ምዃኑ ከምዝገለጹ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ጸረ ሰላም እምበር ዋሕስ ሰላም ኣይኰነን

ኣብ መዳእታ ቅዱስነቶም ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ጠቒሶም፡ ኣብ 1945 ዓ.ም. ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣቶማዊ ቦምቢ ዝተረፉ ግዳያት ኣብ ቢባኩሻ ተራኺቦም ቃል ምስክርነቶም ሰሚዖምን፡ እውነተይና ሰላም ብምፍርራሕ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውሑስ ከምዘይከውን ዝበልዎ ሓሳብ ብምዝካር፡ ምህርቲ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኰነ ምጥቃሙ ኢግብረ ገባዊ እዩ እንክብሉ መሊሶም ብኣጽንዖት ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡

ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ካብ ዝቐውም ኣትሒዙ ኣብ ዝሓለፉ 75 ዓመታት ብዙሕ ውጽኢት ኣመዝጊቡ እዩ፡ ብፍላይ ካልእ ዓቢይ ውግእ ዓለም ንኸይክሰት ገይሩ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ መድብለ ጐናውነት ዝጸንዔ ስልታዊ ሕዳሴ ከምዘድልዮ እዋናዊ ኩነታት ዓለም ይጠልቦ፡ እንክብሉ እቲ ዓለም ሓቆፋዊ ውድብ ሕዳሴ ዘድልዮ ምዃኑ የመላኽቱ።

ሃገረ ኢጣሊያን ሕዝባን

ቅዱስነቶም ቅድሚ 500 ዓመታት ኣቢሉ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ ኢጣሊያዊ በዓል ዓቢይ ጥበብ ራፋኤሎ ሳንዚዮ ብሕብርታቱን ቀለማቱን ኣቢሉ ሓዲግዎ ዝሓለፈ ቅብእታቱን ኣሳእልን ውሁድን ስሙርን ቅንይት ጽባቔ ዘቃልሕ እዩ፡ ልክዕ ከምኡ እቲ ናይ ስነ ሜላ ርክባት ውሁድ ቅንይቲ ክህልዎ ሓደራ ቢሎም፡ ሕዝቢ ኢጣሊያ ነቲ ዝሓለፈ ጽብቕትን ብስነ ጥበብ ሃብታን ንኽትከውን ዝገበራ ኣብ ታሪኽ ኢጣሊያ ዝንገር ዳግመ ምጉልላዕ ዘመን ርህው ዝዀነ ሓድሽ ጅማሮ ክገብር ተላብዮም፡

ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንትዮ፡ እግዚኣብሔር ዘርክስ ተግባር እዩ 

ማርያምን ታሪኻን ንናይ ብዙሓት ሰብ ጥበብ ንድፍን ኣሳእል ስራሕ ርእሰ ጥበብ ኰይኑን ኩነታታ ኵሉ ንሰብ ጥበብ ዝማርኽ ምዃኑ ናይ ስነ ጥበብ ታሪኽ ይምስክሮ ቢሎም ሃምነናዊ ኣዋጅ ፍልሰታ ለማርያም መበል 70 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ተጸዊዑ ኣብ ፐኪንግ ዛዕባ ደቀንስትዮ ዝመኸረ ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክብ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት የብዕል ከምዘሎ  ኣተሓሒዞም ምስ ገለጹ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 1 ጥሪ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ከምዘብዓለት እውን ዘኪሮም፡ እዚ ጓለስንተይቲ ዘለዋ ክብሪ ልዑል ምዃኑን ካብ ዝዀነ ይኹን ኢፍትሓውነትን ኢማዕርነትን ዓመጽ ኵሉ ናጻ ክትከውንን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ እግዚኣብሔር ዘርክስ ተግባር እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ናይ 2019 ዓ.ም. ክሌኣዊ ስምምዓት ቅድስቲ መንብር

ቅድስቲ መንበር ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝፈጸመቶም ክሌኣዊ ስምምዓት ዘርዚሮም፡ ዕለት 13 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ምስ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያን፡ ዕለት 12 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብን ተቕዋማት ዝህብኦ ናይ ትምህርቲ ምስክርነት ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ቅቡል ዝብል ስምምዕን፡ ተምሳሳሊ ስምምዕ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን መንግስቲ ቡርኪናፋሶን፡ ዕለት 13 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኣንጐላን፡ ዕለት 2 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ስም ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን፡ ምስ ዓለም ሓቆፍ ናይ ትምህርትን ባህልን ስነ ምርምርን ውድብን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ናይ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብን ተቕዋማትን ኣባይቲ ትምህርትን ዝህብኦ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ቅቡል ዝብል ስምምዕን … ዕለት 15 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅድስቲ መንበር ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ሰነድ ስም ሃገረ ቫቲካን ዘመዝገበ ዝተበጽሔ ስምምዕን፡ … ዝብሉን ካልኦትን ብዝርዝር ምስ ጠቐሱ፡ ንመላእ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበርን ንሃገራቶምን ርሑስ ሓድሽ ዓመት ተመንዮም ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ገሊጸን። 

ር.ሊ.ጳ.፥ ቅልውላው ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ንምብዳህ፡ ዘተን ዓለም ሓቆፍ ሕግታት ምኽባርን

Photogallery

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2020 ዓ.ም. ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር
10 January 2020, 17:37