ትምህርቲ ብፅዕና ንኩሉ ዘመደ ኣዳም ዝኸውን መልእኽቲ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ 29 ጥሪ 2020 ዓም ከም ልማዶም ትምህርቶም ንክሰምዑን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንክቅበሉን ተጋቢኦም ንዝጽበይዎም ዝነበሩ ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ድሕሪ ዓዲሎምን ኣብ ወንጌለ ማቴ 5.1-11 ተመስሪቶም ብዛዕባ ብፅዕና ሓዲሽ ዙርያ ትምህርቲ ክርስቶስ ጀሚሮም ‘ትምህርቲ ብፅዕና ንኩሉ ዘመደ ኣዳም ዝኸውን መልእኽቲ እዩ!’ እንክብሉ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንትምህርቶም መኽፈቲ ዝኸውን ቃል ኣምላኽ ካብ ማቴ 5.1-11 እዮም መሪጾም።

“‘ኢየሱስ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ናብ እምባ ወጽአ። ምስ ተቐመጠ ድማ፡ አርድእቱ ናብኡ ቐረቡ። ኣፉ ኸፊቱ ከኣ፡ ከምዚ እናበለ መሀሮም፡ ‘‘ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም፡ ከመይሲ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ። እቶም ዚሓዝኑ ብፁዓን እዮም፡ ከመይ ኪጸናንዑ እዮም። እቶም የዋሃን ብፁዓን እዮም፡ ከመይ ንምድሪ ኺወርሱዋ እዮም። እቶም ንጽድቂ ዚጠምዩዋን ዚጸምኡዋን ብፁዓን እዮም፡ ከመይ ኪጸግቡ እዮም። እቶም ምሕረት ዚገብሩ ብፁዓን እዮም፡ ከመይ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም። እቶም ንጹሓት ብፁዓን እዮም፡ ከመይ ንእግዚአብሔር ኪርእይዎ እዮም። እቶም ሰላም ዚገብሩ ብፁዓን እዮም፡ ከመይ ውሉድ እግዚአብሔር ኪብሃሉ እዮም። እቶም ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ ብፁዓን እዮም፡ ከመይ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ። ብኣይ ምኽንያት እንተጸረፉኹምን እንተኣሳደዱኹምን ብሓሶት እንተተማገሩኹምን ብፁዓን ኢኹም።’”

ካብዚ ተብጊሶም ቅዱስነቶም እግዚአብሔር ንዓና እንክውፈ ብዘይንሓስቦ መንገዲ ይቀርበና ዘይንግምቶ ምርጫ እውን የቅርበልና። እንተስ ብድሩትነትና እንተስ ብንብዓትና እንተስ ብድኻምነትና መሪጹ ናብ ዓወት የብጽሓና። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ምሥራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኽተሉ ኣብ ግዜ ፋሲካ ብሞት ኢየሱስ ዝርከብ ሓጐስ ብሕማማቱ ዝርከብ ሕይወት እናበሉ ይዛረቡ እንክብሉ ምስ ተንተኑ መንገዲ ብፅዕና እውን በዚ መንፈስ እዚ ክርድኦ ከመይ ብቀዳምነት ንኣመንቲ ካብኡ ቀጺሉ ከኣ ንዘይኣምኑ እውን እንተኾነ ዓቢ ብርሃን ይገልጽ ብማለት ሓዲስ ዙርያ ትምህርቲ ክርስቶስ ከምዝጀመሩ ገሊጾም።

ቅድሚ ሕጂ እውን ኣዘኻኺሮም ከምዝነበሩ መንገዲ ብፅዕና ናይ ሓደ ክርስትያን መፍለጢ ወይውን ወረቀት መንነት ስለዝኾነ ናይ ጐይታ ሕይወትን ገጽታን እውን ስለዝገልጹ ብምልኣት ክርድኦምን ክንቅበሎምን ኣሎና ኢሎም።

ስብከት መንገዲ ብፅዕና!

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተመልከትናዮ ኢየሱስ ኣብ ርእሲ እምባ ኰይኑ ኣርድእቱ ከቢቦሞ ኣብ ዝነበረሉ ሁመት እዩ ንመንገዲ ብፅዕና ዝሰብኽ።

“እቲ መልእኽቲ ናብቶም ኣርድእቱ ዘቅነዔ እዩ ዝነበረ ኰይኑ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ሕዝቢ እውን ነበረ ስለዚ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ክንብሎ ንኽእል። ንምሉእ ዘመደ ኣዳም ዝተዋህበ መልእኽቲ እዩ። ሓዲስ መልእኽቲ ሓዲስ ሕጊ ተዋሂቡ።”

ሓዲስ ሕጊ!

ቅዱስነቶም በታ እምባ ትብል ቃል ምጅማሩ ከምቲ ናይ ኦሪት ሙሴ ዓሠርተ ትእዛዛት ኣብ እምባ ሲና ዝተቀበሎ እንክምስል ኣብዚ እምባ እዚ ዝወሃብ ትእዛዛት ግን ብፍጹም ሓዲስ እዩ። ከመይ ኣብ እምባ ሲና ብበርቅን ነጐድጓድን ፍርሂ ሓዊስካ ነበረ ኣብዚ ግን ልኡም ሓይሊ ናይ ሠናይ ዜና ብሥራት እዩ ዝግለጽ ኢሎም።

“ኢየሱስ ሓዲስ ሕጊ ክምህር ይጅምር። ድኻ ምዃን ትሑት ምዃን መሓሪ ምዃን ወዘተ። እዚ ሓዲስ ሕጊ እዚ ክንዮ ሕጊ ዝሰግር እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ቢሉ ኣይእዝዝን እንታይ ደኣ መንገዲ ሓጐስ ማለት መንገዱ ዝኾነት መሪሕ ሾመንተ ግዜ ብፁዓን እናበለ ይደጋግም። እዚ ከኣ ዓቢ ውህበት እግዚአብሔር እዩ።”

ውህበት እግዚአብሔር!

እዘን ሾመንቲ መንግድታት ብፅዕና ሠሠለስተ ክፍሊ ኣለወን። እንርከቦ ኩነት ማለት ብመንፈስ ድኽነት ድዩ ሓዘን ድዩ ንፍትሒ እንጠምዮን እንጸምኦን ወዘተ ስዒቡ ብፁዓን እዮም፡ ትብል ሓረግ ንረክብ ብሣልሳይ ከኣ ከመይ ከምዚ ክኾኑ ወይ ክረኽቡ ኢሉ ምኽንያት ናይቲ ብፅዕና ይገልጽ።

“ብፁዓን እዮም፡ ከመይ . . . እናበለ ንሾመንቲኤን መንገዲ ብፅዕና ይገልጽ። ነዚአን ብቃል እንተንሕዘን ክንደይ ጽቡቅ ነሩ። ከምዚ ብምግባርና ከኣ ነቲ ኢየሱስ ዝሃበና ሓዲስ ሕጊ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ምሓዝናዮ። ኣብዚ ክነስተውዕሎ ዘሎና ምኽንያት ናይ ብፅዕናና ዘሎና ኩነት ኣይኮነን! እንታይ ደኣ እቲ ካብ እግዚአብሔር ዝወሃበና ሓዲስ ኩነት ብፅዕና እዩ። ከመይ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ! ከመይ ኪጸናንዑ እዮም! ከመይ ንምድሪ ኪወርስዋ እዮም! ወዘተ እናበለ ቀንዲ ምኽንያት ብፅዕናና ይነገርና። እዚ ከኣ ብጸጋ ዝዕደለና ውዑል እዩ።”

ብጸጋ ዝዕደል ውዑል!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ከመይ ትብል ምኽንያት ብፅዕና ዝገልጸላ ሓረግ መጽኢ ናይ ተገብሮ ዓንገጽ እዩ ዚጥቀም - ኪጸናንዑ ኪወርሱ ኪጸግቡ ኪመሓሩ ወዘተ እናበለ ይዛረብ። ንምዃኑ እዛ ብፁዕ ትብል ቃል እንታይ ኮን ትኸውን!

“እቲ መሠረታዊ ቃል ጽጋብ ወይውን ንኣኡ ዚኣመሰለ ኣይብልን እንታይ ደኣ ኣብ ጸጋ እግዚኣአብሔር ዘሎ ሰብ የመልክት እዚ ከኣ ብመንገዲ ቅንዕና ብመንገዲ ጸጋ እግዚአብሔር ዝመላለስ የመልክት። መንገዲ እግዚአብሔር ከኣ ትዕሥቲ ድኽነት ኣገልግሎት ካልኦት ምጽንናዕ ወዘተ ኰይኑ እቶም በዚ መንገዲ እዚ ዚመላለሱ ሕጉሳት እዮም ብፁዓን ከኣ ይኾኑ።”

ትርጓሜ መንገዲ ብፅዕና!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ትምህርቶም መንገዲ ብፅዕና ዝህበና ሓጐስን ናይ ሓጐስ መንገዲ ምዃኖምን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሎሚ ሓሙሻይ ምዕራፍ ወንጌለ ማቴዎስ ካብ ኁልቊ ሓደ ክሳብ ዓሠርተ ሓደ ንመንገዲ ብፅዕና እንተንቢብና ጽቡቅ ክስመዓና እዩ። ሓደ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ደጋጊምና ኣብዚ ሶሙንዚ እንተኣንቢብናዮ ነዚ ናይ ሓጐስ መንገዲ ዝኾነ መንገዲ ብፅዕና ክንርድኦን ነቲ ጐይታ ዘተስፍወና ርግጸኛ ሓጐስ ክንርዳእ ክንክእል ኢና ኢሎም።”

ዝመጽእ ሰንበት ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ቤተክርስትያን ብዓለ በኣቱ ለእግዚእነ ኣብ እተኽብረሉ ዓለምለኸ ዕለት ሰብ ውፉይ ሕይወት እውን ስለእትዝክር ስለውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ክንጽሊ ኣዘኻኺሮም።

“ስለ እቶም ሕይወቶም ንእግዚአብሔርን ንዕለታዊ ኣገልግሎት ኣሕዋቶምን ከከም ጸዋዕታኦም ዘወፈዩ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ነቲ መድሓኒ ዝኾነ ፍቅሪ ክርስቶስ ወትሩ እሙናት ኰይኖም ክርክቡ ንጸሊ ኢሎም።”

ኣብ መወዳእታ ንምእመናን ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ንምእመናን ሃገረ ጣልያን ዝመጽእ ዓርቢ ተዘኪሩ ንዝውዕል ናይ መንእሰያት ኣቦን መምህርን ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ከምቲ ንሱ  ማንም መንእሰይ ካብ መደብ እግዚአብሔር ከይወጸ መጻኢ መደባቶም ከተግብሩ ዝሓገዞም ነዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት እውን ክሕግዞም ነፍሲወከፎም ነቲ እግዚአብሔር ንኣና ዝደልዮ መንገዲ ሕይወት ክረኽቡ ንለምን ብማለት ተሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

29 January 2020, 15:44