ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ዳቮስ፥  ሰብኣዊ ፍጥረት ማእከል መንግስታዊ ፖለቲካ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ዳቮስ፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ማእከል መንግስታዊ ፖለቲካ 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ዳቮስ፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ማእከል መንግስታዊ ፖለቲካ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ብዝሳተፉ ዘለዎ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኤኮኖሚ ለምዘበን ዘካይዶ ዘሎ ዋዕላ መበል 50 ስንዳአ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ናብ ዝካየድ ዘሎ መበል 50 ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤኮኖሚ ዓውደ ጉባኤ፥ ውልቃውነት ምስናፍን ሕድ ሕዳዊ ናይ ምድግጋፍ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ምስትውዓልን ምንባርን ክህሉ ዘመላኽት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵላትና ናይ ሓደ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣባላት ኢና፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ስልጣንን መኽሰብን መጋበርያ ዘይኰነስ ናይ መንግስታዊ ፖለቲካ ማእከል ክኸውን ከምዘለዎን ካብዚ ኸኣ ሕድ ሕዳዊ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ዘተሓሳስብ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ይምንጭው፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ናብ ዳቮስ ከተማ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤክኖሚ ዓውደ ጉባኤ ብይብጻሕ ናብቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ኤኮኖሚ ጉባኤ ናይ ፈጻሚ ኣካል ዋና ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር ክላውስ ሽዋብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝዀነ ዝሓበሩ ራቪያርት ኣስዒቦም፡

ናይ መፍትሒ ስነ ምግባራዊ ማዕቅን

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ዘስምዑ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግልቶ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ከምዝዀኑ ሓቢሮም፡ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፡ ክንየው ዕደ ጥበባውን ክንየው ሓጺር መርሓ ኤኮኖን ዝዀነ ንዝዀነ ይኹን እዋናዊ ጸገም መፍትሒ ንምንዳይን ንመጻኢ ዘገድስ ሓሳብ ኣብ ምቕራብን ስነ ምግባራዊ ማዕቅን ግምት ዝህብ ኣሰራርሓ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ክንየው ውልቃውነትን ኣግልሎን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ብዝሳተፉ ዘለዎ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኤኮኖሚ ለምዘበን ዘካይዶ ዘሎ ዋዕላ መበል 50 ስንዳአ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ንጥሙርን ተቐባልነትን ዘለዎ ዓለም ክንየው ውልቃውነትን ኣግልሎትን ምባል ወሳኒ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ኤኮኖምን ፖለቲካን ህልዮኣዊ ዕብለላ ዝብል ድላይ ምስናፍ የድሊ።

ንናይ ሓባር ረብሓ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ

ኣብ ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ስነ ኣቀማምጣ መልክኣ ምድርን ኣገዳሲ ዝዀነ ኤኮኖሚያዊ ለውጥታትን ኣብ ናይ ስራሕ ዓለምን ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ምዕባለን ኣብ ምህዳር እውን ዝተራእዩ ለውጥታት ዘርዚሮም፡ እዞም ለውጥታት እዚኣቶም ንሰብኣዊ ፍጥረት ዘርብሑ እውን እንተዀኑ ብኻልእ መዳይ ንብዙሓት ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘንብሩን እዚ ኸኣ ብዙሓት መጋበርያ መባጼሕ ክዀኑ ገይሩ ናብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘሰንዩ ምትሕብባርን ሓልዮትን ምድግጋፍን ዘይተባብዕ ባይታ ዝፈጥር ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኵለንተናውን ምሉእን ሰብኣዊ ምዕባለ ዝብል ኪደተ ኵሎም ኣባላት ሰብኣዊ ስድራ ቤተ ኣብ ድልያ ናይ ሓባር ረብሓ ጽንቡራትን ኣብዚ ኣገባብ’ዚ ግደኦም ንኸበርክቱ ዘተባብዕ እዩ ከምዝበሉ ራቪያርት ኣፍሊጦም።

ንመጻኢ ወለዶ ምሕሳብ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እውን፡ ይሴባሕ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቶም ጠቒሶም፡ ኵለንታዊ ምህዳር ንምዕታር፥ ናይ ሓባር ቤትና ዘለዎ ምትሕልላኻትን ተማራዃስነቱን ምስትዓውል ይሓትት፡ ምእንቲ’ዚ ኵሎም ተጋባእያን፡ ነፍሲ ወከፍና ናይ ኵሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ መጻኢ ወለዶ እውን ኵለንተናዊ ምሉእ ምዕባለ ምንዳይ ዝጠልቦ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ግምት ክህብ ይግብኦ፡ ውሳኔታቶም ምዕባለ ኣብ ምትሕብባር ዝብልን ብፍላይ ናይቶም ኣዚዮም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ እቲ ብዙሕ እዋን ንዓቢይ ሓደጋ ዝቃላዕ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፍትሒ ዘስተማቕረሉ መታን ክኸውን ከምዝበሉ ራቪያርት ኣፍሊጦም።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ዳቮስ፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ማእከል መንግስታዊ ፖለቲካ
21 January 2020, 17:15