እግዚአብሔር ኣብ መንጎ ሕዝቡ ይነብር ታሪኽ ሕዝቡ ከኣ ብትሑታት ይቅይር! ር.ሊ.ጳ

ዓመት መጸ ኣብ ድሮ ሓዲስ ዓመት ፈረንጅን ፍጻሜ ኣረጊት ዓመትን ዝግበር ንዓኻ ኦ ጐይታ ነመስግን ኢልካ ብቋንቋ ላቲን ብተ ደዩም ዝፍለጥ መዝሙር ምስጋና ምስ ተዘመረን ዳዊት ዘሠርክ ምስ ተደግመን ንልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መቀጸልታ ናይቲ እግዚአብሔር ኣብ መንጎ ሕዝቡ ዳሱ ተኺሉ ምስኦም ዝነበረሉን ዝተመላለሰሉን ኰይኑ ህላዌ እግዚኣአብሔር ኣብ መንጎ ሕዝቡ ወትሩ ንታሪኹ ከምዘሐድስን ከምዝቅይርን ነዚ ከኣ ብክኢላታትን ተቍዋማትን ዘይኮነ ብትሑታት ሰባት ከምዝገብሮ ገሊጾም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ጸሎት ምስ መርሑ ኣብቲ ናይ ዕለቱ መዝሙረ ዳዊት 147 ከምኡ እውን ብሕጽር ዝበለ ታሪኽ ድሕነትን በዓለ ልደትን ኣመልኪቶም ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

'ናይ ዘመን ምልኣት ምስ በጽሔ እግዚአብሔር ንወዱ ለኣኸ’ (ገላ 4.4) እቲ ብእግዚአብሔር ዝተላእከ ድንኳኑ ኣብታ ካብ ዓድታት ይሁዳ ዝነኣሰት (ሚክ 5.1)  ቤተልሔም ናይ ኤፍራታ ተኸለ ኣብታ ካብኣ ጽቡቅ ነገር ክወጽእ ማንም ኣብ ዘይጽበያ (ዮሓ 1,46) ኣብ ናዝሬት ዓበየ።  ካብ መናድቅ ኢየሩሳሌም ንደገ ተወሲዱ ከኣ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ካብታ ዓባይ ከተማ ወጻኢ ሞተ። መደብ እግዚአብሔር ኣብዚ ንጹር እዩ። ንወዱ ክገልጽ ነታ ንእሽቶን ዝተናዕቀትን ከተማ ሓረየ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሔ ከኣ ምስ ሓጢኣተኛታትን ዝተገለለሉን ተቈጽረ። ወላ ሓደ ካብኦም ከማና ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር በቲ ጐዳናታቶም ይመላለስ ከምዝነበረ ኣየስተውዓለን። ወላ እቶም ሓዋርያቱ እውን ዘስተውዓሉሉ ኣይመስሉን ከመይ ትጽቢት ካልእ እዩ ድሕሪ ትንሣኤ እዮም ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ መሲሕ ምዃኑ ዘስተውዓሉሉ።

እቲ ንሱ ዝብሎ ዝነበረ ቃላትን ዝፍጽሞ ዝነበረ ምልክታት ድሕነት ኣድናቆትን ንግዜኡ ዝጸንሕ ሆይሆይታን እንተዘይኮኑ ምሉእ ትርጉሙ ዝተረድኡን ዝተቀበልዎን ኣይነበሩን በዚ ከኣ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ይርስዕዎ እሞ ሮማዊ ገዛኢ ‘ንኢየሱስዶ ንበርባን ክፈትሓልኩም ትደልዩ’ ኢሉ ምስ ሓተቶም ንኩሉ ረሲዖም በርባን ይብሉ። ኣብ ሓፍ ዝበለ ቦታ ጎልጎልታ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ይሰቅልዎ። ነዚ ምግባሮም ከኣ ኩሎም ነበርቲ እታ ከተማ ክጥምትዎን ከላግጹሉን ነበረ። ኰይኑ ግን ካብቲ ቦታ እቲ ካብቲ ዕጸ ሕይወት ዝኾነ መስቀል እቲ ሓይሊ እግዚአብሔር ንኩሎም ናብኡ ይስሕቦም። እመ ኣምላኽ እውን ኣብ ትሕቲ መስቀል ኰይና ትሳቀን ትሓዝንን ኰይኑ ግን ኣደነታ ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ይወሃብ። ኣደ ኣምላኽ ኣደ ቤተክርስትያን ኰይና በቲ ዘለዋ ሕያውነት ከኣ እዚ ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ኣደነታ ተብጽሕ።

እግዚአብሔር ዳሱ ኣብ ማእከልና ተኺሉ ካብኡ ከኣ ፈጺሙ ኣይረሓቀን። ኣብዛ ከተማ ሮማ እውን ከይተረፈ ሕላዌኡ ኣየርሓቀን። ሃሰስ ኢና ክንብሎ ዘሎና ርሑቅ ኣይኮነን። ንሕና ኢና ኦ ጐይታ ንዓኻ ርእየን ዝኽእላ ኣዕይንቲ ልቦና ሃበና ጸጋኻ ሃበና ብዓይኒ እምነትን ብኣስተንትኖን ክርእየካ ክንክእል እሞ ኣብ ገዛውትናን ኣብ ጐደናታትናን ኣብ ኣደባባያትናን ምህላውካ ከም እንርኢ ግበረና ኢልና ንለምኖ።  ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ነቢያት ንእዚአብሔር ኣብ ቤተመቅደስ ጥራይ ካብ ዚኣስር ፈተና ርሓቁ ይብሉ ነሮም (ኤር 7,4)። ንሱ ኣብ ማእከል ሕዝቡ እዩ ዝነብር። ምስ ሕዝቡ ይጐዓዝ ምሳኡ ይነብር። ኪዳኑ ጽኑዕ ቃሉ እሙን ጭቡጥ ስለዝነበረ ኣብ ዕለታዊ መንባብሮኦም ካብኦም ተፈልዩ ኣይፈልጥን። በዚ ከአ ንኩሉ ነገራት ብወዱ ከሐድስ ምስ ደለየ ካብ ቤተመቅደስ ኣይጀመረን እንታይ ደኣ ካብ ማሕጸን ሓንቲ ንእስትን ድኻን ጓል ሕዝቡ ጀመረ። እዚ ምርጫ ኣምላኽ ብሓቂ ዘደንቅ እዩ። ንታሪኽ ዓለምና ብሓያላትን ክኢላታትን ናይ ሲቪላዊ ተቊዋማትን ቤተርክስትያንን ኣይኮነን ዝልውቶ እንታይ ደኣ ካብቲ ግዝኣት ሮማውያን ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ቊሸት ዝርከባ ከም በዓል ማርያም ዚኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮን ካብ መኻናት ዝኾና ከም ኤልሳቤጥ ዚኣመሰላን ይጅምሮ።

ኣብ ውዳሴ ምስጋና ዘዕርግናዮ መዝሙር  147.4 እቲ መዘምር ንኢየሩሳሌም ንጐይታ ክተመስግን ይዕድማ ከመይ ‘ቃሉ ናብ መሬት ይልእኽ መልእኽቱ ከኣ ብቅልጡፍ ይመጽእ’ ይብል። ብመንፈሱ ልቢ ኩሎም ደቂሰባት ቃሉ ይጽውዕ እግዚአብሔር ከኣ ንደቁ ይባርኽ ንሰላም እታ ከተማ ክሰርሑ ኸኣ የተባብዖም።  ሎሚ ምሸት ጠመተና ናብ ከተማ ሮማ ገርና ካብ ጠመተ እግዚኣአብሔር ንነገራት ክትቅበሎም ምደለኹ። ዕለት ዕለት ኣብ ከተማና ጽቡቅ ነገራት ክፍጸም ክርኢ እንከሎ ጐይታ ብጣዕሚ እዩ ዚሕጐስ። እዚ ከኣ ንሕውነትን ምድግጋፍን ንምድንፋዕ ዝግበር ጻዕርን ተወፋይነትን ወሲኽካ እዩ። ከተማ ሮማ ጸገማት ዝተሓላለኽዋ ዘይማዕርነት ዘለዋ ብብልሽውናን ማሕበራዊ ወጥርን ዝረኣየላ ከተማ ጥራይ ኣይኮነትን። ሮማ ከምቲ ናይ ኢየሩሳሌም እግዚአብሔር ቃሉ ዝሰደላ ብመንፈስ ቅዱሱ ገሩ ከኣ ኣብ ልቢ ምእመናና እምነትን ተስፋን ተጻይ ኩሉ ጸገማት ክዕምብ ብ እሞ ናይ ኩሎም ሠናይ ነገር ንምግባር ከምዝቃለሱ ይገብሮም።

ሕጂ ኣብ ሕልናይ ዝቅጀሉኒ እቶም ኣብዚ ዓመታት እዚ ዝረኸብክዎም ትርግታ ልቢ ሮማ ዝኾኑ ብዙሓት ትብዓት ዘለዎም ኣመንትን ዘይኣመንትን  እዮም። ሓቂ ብሓቂ እግዚአብሔር ካብ ምልዋጥ ታሪኽናን በቶም ናኣሽቱን ትሑታትን ነበርታ ገቢሩ  ገጽታ ከተማናን ዓዲ ኣይወዓለን።  እግዚአብሔር ከኣ ነዞም ናኣሽቱን ትሑታንን እዩ ዝመርጽ ዘብርሃሎም ንሠናይ ሥራሕ ይደፋፍኦም ከምዝተሓባበሩ ይገብሮም ዝተፈላለየ ናይ ግብረሠናይ መርበባት ክዝርግሑን ከክንዲ መከላኸሊ መናድቅ መራኸቢ ቢንቶታት ንክሃንጹ ይደፋፍኦም። በዚኦም ገቢሩ ከኣ ነቲ ዘይነጽፍ ዓይኒ ሕያው ማይ መንፈስ ቅዱስ ብምውሓዝ ቃል እግዚአብሔር ነዛ ከተማ ፈራዪትን ጸጋዪትን ገሩ ነታ መኻን ኣደ ብዙሓት ይገብራ (መዝ 112.9)።

 ጐይታ ካብ ቤተክርስትያን ሮማ እንታይ ይሓታ! እንተበልና ቃሉ ይህበና እሞ ናብቶም መሳኺንን ኣብ ሻውላት ዘለውን ክነብጽሖ ይደፋፋኣና ከመይ መልእኽቱ ቀልጢፉ ስለዝጐዪ። ንካልኦት ኣብ ዘዘለውዎ ከድና ክንረኽቦም ጸገሞም ክንሰምዕን ንገዓሮም ሰሚዕና ክንሕግዞምን ይሓተና። ጽን ኢልካ ምስማዕ ድሮ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ እዩ። ንካልኦት ግዜ ክህልወካ እንከሎ ምስኦ ክትዛተ ፍቃደኛ ምዃን ነቲ ኣብ ሕይወቶም ዘሎን ዝሠርሕን እግዚአብሔር ብመንፈስ ኣስተንትኖ ምስማዑ ንቃል ኣምላኽ ከኣ ክንዲ ብቃላት ብተግባር መስክር። እዚ ኩሉ ንኩነታት ብሓቂ ዝቅይር ኣገልግሎት ፍቅሪ ምዃኑ ፍለጥ። ከምዚ ብምግባርከስ ኣብ ከተማና ኣብ ቤተክርስትያንና እውን ሓዲስ ንፋስ ክነፍስ ንሓዲስ ጉዕዞ ምብጋስ ነቲ ዓንቃፊ ዝኾነ ኣረጊት ኣተሓሳስባ ሰጊርካ ኩልኻ ተሓባቢርካ ፍትሕን ሕውነትን ዝነገሣ ከተማ ክንሃንጽ ንኽእል።

ንከምዚ ዓይነት ተልእኮ ክንፈርሆ ወይውን ብቅዓት የብልናን ክንብል የብልናን። ክንርስዖ ዘይብልና እግዚኣአብሔር ብመንፋዓትና ኣይኮነን ዝመርጸና እንታይ ደኣ ናኣሽቱ ኢና ከምኡ እውን ሰለዝስመዓና እዩ። ስለ እቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝሓለወና ጸጋኡ ንጐይታ ነመስግኖ ብዓቢ ሓጐስ ከኣ ናይ ምስጋና መዝሙር ንዘምር እንክብሉ ስብከቶም ፈጸሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
01 January 2020, 17:27