ናይ ር.ሊ.ጳ.ን ቤተ ክርስቲያንን ጠመተ ፍቕሪ ንሰብኣዊ ፍጥረትን ንናይ ሓባር ረብሓን ናይ ር.ሊ.ጳ.ን ቤተ ክርስቲያንን ጠመተ ፍቕሪ ንሰብኣዊ ፍጥረትን ንናይ ሓባር ረብሓን 

ናይ ር.ሊ.ጳ.ን ቤተ ክርስቲያንን ጠመተ ፍቕሪ ንሰብኣዊ ፍጥረትን ንናይ ሓባር ረብሓን

ብፍላይ ነተን ኣብ ውግእን ውጥረትን ዝርከባ ሃገራትን ስደተይናታንን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዕጫ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ስግኣት ኑክለሳዊ ኣጽዋርን፡ ሶሪያን ሰሜን ኮርያን ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ውጥረትን ቨነዝወላን የመንን ኣፍጋኒስታንን ህልው ኩነታት ገለ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ 2014 ዓ.ም. ክሳብ ሎሚ 2020 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራትት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ንምልውዋጥ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝጸንሔ ባህሊ መሰረት፡ ኣብ ዘካየድዎም ርክባት ዘስምዕዎም መደረታት ብዛዕባ ጭቡጥ ኵነት ዓለምን ሰብኣዊ ፍጥረት ነቲ ምንጻልን ንኻልእ ከም ውዳቕ ምሕሳብ ዝብል ጐዳኢ ባህሊ ብናይ ምሕረት ባህሊ ከሰንፎን ምሕረት ንኸስፍሕን ዝተጸውዔ ምዃኑን ኣብ ዝብል ሓሳብ ክጽመር ዝክኣል ክኸውን እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

መደረታት ቅዱስነቶም ንልኡካነ መግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፡ ካብ ሰሜን ክሳብ ጫፍ ደቡብን ካብ ምስራቕ ክሳብ ጫፍ ምዕራብን መላእ ዓለም ዝሓቁፍ፡ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ማሕበራውን ውሳጣውን ማዕቅናቱ ኵሉ ዝጥምት እዩ፡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ክዋኔታት ኵሉ ድሕረ ምድሪ ዝገበረ ንነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ ዝሓትት ካብ ፍቕሪ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝነቐለ ሓሳብ እዩ። ናይ ዓለም ሓቆፍ ዜና መዋዕል ዝድህስስን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘመላኽትን ዘካየድዎም ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻታት ምልስ ቢሉ ቅውሙ መልእኽትታቱ ዘዘኻኽርን ብፍላይ ዕለት ሓደ ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልኽቲ ዘቃልሕ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ምስ ናይ ሎሚ ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓም. ንናይ ወጻኢ ሃገራ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ተቐቢሎም መደረ ከስምዑ ንሻብዓይ ግዜኦም ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መደረታቶም፡ ብፍላይ ነተን ኣብ ውግእን ውጥረትን ዝርከባ ሃገራትን ስደተይናታንን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዕጫ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ስግኣት ኑክለሳዊ ኣጽዋርን፡ ሶሪያን ሰሜን ኮርያን ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ውጥረትን ቨነዝወላን የመንን ኣፍጋኒስታንን ህልው ኩነታት ገለ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ብሓፈሻኡ እቲ ኣብ ዓለም ኣዚዮ ምኽንያት ጓሂ ዝዀነ ፈልዩ ዝጨመተን ዛዕባ ስቓይን መከራን ደቀንስትዮን ዛዕባ ፍጥረን ተፈጥሮን ዝብሉ ጉዳያት ዝድህስስ እዩ።

ናይ 2019 ዓ.ም. መደረ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት

ኣብ መንጐ ተዛተይቲ ወይ ተነጻጻርቲ ጽቡቕ ድላይን ሰናይ እምነትን ቅሩብነትን ቅንዕናን ግልጽነትን፡ ሕድገታትን ዝብሉ ረቛሒታት ኣዚዮም ኣገደስቲ ከምዝዀኑን፡ እዚ ንስነ ርክባዊ ሜላ መድብለ ጐናውነትን ንሓባራዊ ድልያ ፍታሕ መሰረት ምዃኑ ብኣጽንዖት ዘዘኻኽርን መድብለ ጐናውነት ምስ ዘይህሉ ናይ ዓመጽ ሓይሊ ይውለድን፡ ናይ ርክብ መምዘኒ ሓይሊ ይኸውን፡ ስለዚህ እዩ ኸኣ እቲ ማሕበርሰብ ብሔራት ናብ ቅልውላው ዘእትው፡ እዚ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ድኹም ዝብል ዓይነት ስነ መጐት ሎሚ እውን ኣብ ብዙሓት ዓለም ሓቆፍ ውዳቤታት ዝርአይ ኰይኑ ኣሎ፡

ኣብ ህልው እዋን ኣብ መንጐ ሃገራት ሓናጺ ዝዀነ ምንጽጻርን ርክብን ክህሉ ዝብል ጽቡቕ ድላይ ከይጐድል ምጥንቃቕ ዘለዎ ኣገዳስነት አዘኻኽር፡ ነቲ ዝረአይ ዘሎ ኣብ ከርሲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን መድብለ ጐናውነት ርክባትን ብሓፈሻኡ እዚ ዝረአ ቅልውላው’ዚ ነቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ዓለም ናይ ዘተን ርክብን ቦታ ክኸውን ዝግብኦ ናይ ዓለም ሓቆፍ ወድባት ዘለወን ጸዋዕታ ንሓደጋ ዘቃልዕ ብሔርተይናውነት የተኣታትው ኣሎ።

ከምዝበሉን እዚ ነቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ዘስምዕዎ መደረ፥ በቲ ናይ ስነ መላዊ ርክባት መድብለ ጉናውነት መሰረት ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ክጽመር ዝከኣል እዩ።

ናይ 2018 ዓ.ም. መደረ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት

እቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ዕለት 8 መደረኦም፡ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ወግእ ዓለምን እቲ ኣብ 1948 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝጸደቐ ውሳኔ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ቅዋሜኡን ዘማእከለን ሕይወት ምክልኻልን ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ኵለን ሃገራት መንግስታት ብዘይ ቅድመ ኵነት ክነጥፉን ሕይወትን ሰላምን ብኹሉ ተቐባልነት ዘለዎም ልዑላን ዕሴታት ከምዝዀኑን፡ ስለዚህ ኩሉ ሰላምን ሕይወትን ብምኽባር ብምርጋፍ ናይ ውግእ ኣጽዋር ብዝተሰነየ ውሳኔ ክምራሕን ኣባይቲ ስድራን ስደተይናታትን ናይ ሃይማኖት ናጻነትን ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ክኽበርን ክንክን ምህዳርን ዝብሉ ነጥብታት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ናይቲ ብእግዚኣብሔር ኣርአያን ኣምሳልን ዝተፈጥረ ኣብቲ ኣርአያን ተምሳል እግዚኣብሔር ኣብ ምዃን ዝቖመ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን ዘርኢ ሰብ ዝፈላልይ መናድቕ ክውገድን ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ክነቓቓሕ ሓደራ ቢሎም፥ እቲ ኣብ 1968 ዓ.ም. ርቡጽን ጐነጻውን ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ፍልይ ዝበለ ሕድ ሕዳዊ ምግርጫው ዘለዎ ዓይነት ሓደስቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላንት ከምዘነቓቕሔ ጠቒሶም፥

እዚ ግና ኣብ መንጐ ሃገራት ሰላማዊ ሕድ ሕዳዊ ርክብ ንኽህሉ ባይታ ከምዘይመቻቸኤን ምስ ናይ ብዙሓት ሃገራት ባህሊ ዝገራጨውን ዘይሰማማዕን ሓደስቲ መሰላት ከምዘተኣታተወን፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ናይ ዙሓት ሃገራት ናይ ገዛእ ርእሰን ማሕበራውን ባህላውን ልምድታት መንነትን ከይኽበር ከምዝገበረን እዚ ድማ ብዙሓት ሓድሽ ዓይነት ናይ ሰብኣዊ መስል ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ምርጫ ሓያላት ሃገራት እደ እታውነት ኣብ ኩለን ሃገራት ሓድሽ ባህላውን ፖለቲካውን ርእይተ ዓለማዊ መግዛእቲ  ብምስፋሕ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ሃገራትን ሕዝባታትን ብዙሕ ጸገም የስዕብ ኣሎ።

ሎሚ እውን እንተዀነ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ይጠሓስ ኣሎ፡ ብቐዳምነት ሕይወትን ናጽነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘይገሃስ ሰብኣውነቱ ንሓደጋ ዘቃልዕ ተግባራት ክሰፍሕ ንርእይ፥

እዚ ኸኣ ብውግእን ወረ ውግእን ጥራሕ ዘይኰነስ ብዝተፈላለዩ ድምጺ ብዘይብሎም ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ዝግህስን ንብዙሓት ዝንጽል ከም ውዳቕ ዝርእይ ማለት ስለ ዝሓሙን ጉድኣት ስለ ዝዀኑን ጉድኣት ኰይኖም ስለ ዝተወልዱ እቲ ገዛእ ርእሱ ጥዑይ ቢሉ ዝሓስብ ዓለም ዝንጽሎምን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ሕሙምን ዘጋጥሞም ተነጽሎነትን ብዙሓት ኣደዳ ዓመጽ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣብ ኣባይቲ ስድራኤን እውን ከይተረፈ ንሓደጋ ብዘቃልዔን ናይቲ ሓድሽ ጊልያነት ኣደዳ ዝዀኑን ብዝወርዶም ሰላሕታዊ ጸረ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተግባራት ዝግለጽ እውን እዩ።

እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ናይቲ ናይ 2018 ዓ.ም. መደረኦም ከም ኣስተዋጽኦ ንምቕራብ ይከኣል።

ናይ 2017 ዓ.ም. መደረ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት

ቅዱስነቶም ነቶም ናይ መላእ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መበር ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2017 ዓ.ም. ተመንዮም ጸንፈይና ሃይማኖታውነት መሰረት ዝገበረ ተርእዮ ግብረ ሸበራ ኰኒኖም፡ ምኽራር ሃይማኖትን ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ግብረ ሽበራ ጸረ ሃይማኖት ቅድሚ ምዃኑ ጸረ እግዚኣብሔር እዩ ቢሎም፡

ስም እግዚኣብሔር ንናይ ውልቂ ርብሓ ምጥቃምን ስም እግዚኣብሔር ብምዕማጽ ሞትን ህልቂትን ዝዘርእ ግብረ ሽበራ ንኻልእ ንምዕፋንን ናይ ጸቕጥን ስልጣንን ድላይ ዘረጋጽን ሸቶ ዝገበረ እዩ፡ ግብረ ሽበራ ንገዛእ ርእሱ ጸረ ሃይማኖት ብምዃኑ፡ ንመላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ፡ ብስም እግዚኣብሔር ምቕታል ተጻይ እግዚኣብሔር ምቛም ማለት ምዃኑ ብኣጽንዖት ከቃልሑ ጻውዒት አቕርብ፡ ... ኣሽባርነትን ኣኽራርነትን ከቢድ ክርፋሕ መንፈሳውነት ዝወልዶ እዩ፡ ብዙሕ ግዜ እውን ምስ ማሕበራዊ ድኽነት ዝተኣሳሰረ ይኸውን፡ እቲ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ግብረ ሸበራ ምሉእ ብምሉእ ንማላይን ምብዳህን ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ፖለቲካ መራሕትን ግደ ኣገዳሲ እዩ፡

ከምዝበሉን ይዝከር።

ናይ 2016 ዓ.ም. መደረ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት

ቅዱነቶም ብምኽንያ ሓድሽ ዓመት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ወጅሂ ምሕረትን ወጅሂ ናይቲ መኽሰብ ጥራሕ ዝብሉ እዋናውያን ጣዖታትን ዘማእከለ ኰይኑ፡ ነቲ ምንጻግን ከም ውዳቕ ምሕሳብን ዝብል ባህሊ ምውጋድን ነቶም ካብ ውግእን ዓመጽን ከርፋሕ ሕይወትን ገዛእ ርእሶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ንኸድሕኑን ተስፋ ንኸናድዩን ዝስደዱ ምእንጋድ ገዛእ ርእስኻ ምኽባርን ምእንጋድን እዩ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡን፥

ሰብኣዊ ፍጥረት ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዘቃልዕ፡ መኽሰብን ኣህላኽነትን ንዝብል ባህሊ ሰብ ዝስውእ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘስዕቦ ዘሎ ህልቂት ምርአዩ ከመይ ገይሩ ይሰኣነና? ... ሕይወት ዘጓንይ፡ መን ይንበር መን ኣይንበር መረጻን ምውላድ ኣየርብሕን ኣረጋውያን ኣካለ ስንኩላንን ድኻታን ክፍሊ ሕብረተሰብን ጥቕሚ የብሎምን ዝብል ኣመለኻኽታ ክውገድ

ኣቤት ይብሉ።

ናይ 2015 ዓ.ም. መደረ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት

እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዘስምዕዎ ቃል ኣብ ጐናይ ባህሊ ኣማእኪሎም፡ ንሰብ ሰብ ብምዃኑ ዘይኰነስ ብጥሪት ዝመዝን፡ ንስኡን ከም ውዳቕ ዝሓስብን ዝንጽልን ባህሊ ብምውጋድ ሰላም ምሕናጽ ናይ ኵሉ ሓላፍነት ከምዝዀነ ምዒዶም፡ ኣስዒቦም እውን ኣብ ዓለም ዘሎ ውጥረትን ሁከትን ግምት ብምሃብ ሎሚ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ይርከብ ከምዘሎን፡ እዚ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ከምቶም ክልተ ዓበይቲ ውግእ ዓለም ዘይኰነስ በንጻሩ እናተዀላለፈ ዝኸይድ እዩ ቢሎም፡ እዚ ኸኣ ናይቲ ነጻልን ድኻ ሕብረትሰብ ከም ጓሓፍ ዝሓስብን ባህሊ ዘስዕቦ ዘሎ ዓቢይ ጸገም ምዃኑ የብርሁ፥

ብምኽንያት በቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ንኣይነትን ውልቃውነትን ኢጐነትን ዝብል ሕድ ሕዳዊ ተመራዃስነትን ምትእስሳርን ዝሓክኽን ዋሕዲ ዝውለዱ ሕጻናት ክህሉ ዝድግፍን ኣክንዲ ንመላእ ሕብረተሰብ ረብሓ ስድራ ቤት ምድጋፍ ብዝተፈላለየ ዓይነት ተዛምዶን ናይ ሓባር ናብራን ክህሉ ብዝብል ናይ ሕጊ ኪደት ኩሉ ኣብይቲ ስድራ ጓሓፍ ይረአይ ኣሎ።

ከምዝበሉ ይዝከር።

ናይ 2014 ዓ.ም. መደረ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ምስ ተሓርዩ፡ ንፈለማ ግዜ ሓድሽ ዓመት 2014 ዓ.ም. ሰናይ ምንዮቶም ንምግላጽ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት መንግስታት ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ መልእኽቶም፡ ጸገማት መፍትሒ ክርከበሎም ዘተ ስነ ሜላዊ ርክብ ኣገዳሲ እዩ፡ በነዲክቶስ መበል 15 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ሓደራ ክይፍጸም እንክብሉ ኣብቲ እዋን ዝረአይ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብዘተ ክፍታሕ ዘቕረብዎ ለበዋ ጠቒሶም፡ ሎሚ ሰብ ከም ኣቕሓ ክትደልዪ ተቐምጦ ክተድልዮ ትጥቀመሉ ወይ ክንጸል ተገብሮን ትጉሕፎን ዝብል እዋናዊ ጸረ ሰብኣዊ ባህሊ ብዙሓት ማእለያ ዘይብሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ንስደትን ምዝብልናን ክቃልዑ ይገብር ከምዘሎን፡ ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያ ክጥሕሉን ካልኦት እውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ተመሳሳሊ ሓደጋ ዘጋጥሞምን እቲ ዘይምግዳስ ዝብል ዝሰፍሕ ዘሎ ባህሊ ርእዩ ከምዘይረአየ ኣብ ሓደጋታቶም ዝሓድግ ምዃኑ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2013 ዓ.ም. ኣብ ላምፐዱሳ ዝሓለቑ ስደተይናታት ዘኪሮም፡

ዝተረፈካ ድዩ ወይ ውን መግባዊ ዘበለ ነገራት ጥራሕ ዘይኰነ ሎሚ ሰብ ዝጉሕፍ ኩነት የጋጥም ኣሎ፡ … ብርሃን ከይረአዩ ገና ቅድሚ ምውላዶም ዝቕንጸሉን ብዙሓት ሕጻናት ኣብ ውትህድርና ዓለም ዝዳጐኑን፡ መጋበርያ ውግእን ዓመጽን ዝገብርን ንግልያነት ዘቃልዕን ናይ ውስጠ ሰብነት ኣካል ንግድን ንግድ ሰብን ንዝብሉ ሓደጋታት ተቓሊዕም ዝርከቡ ብዙሓት እያቶም፡ እዚ እዋናዊ ጊልያነት’ዚ ገበን ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ እዩ፡

ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ሰላም ማለት ውግእ ዘይብሉ ኩነት ማለት ዘይኰነስ፡ ሰላም ዕለት ብዕለት ዝሕነጽ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ንድኻታትን ንቶም ኣብ ሕሰም ዝርከቡን ኣገልጋሊት እያ፡ እዚ ንፍቕሪ ዘለዋ ኣቃልቦ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ የብርሁ። እዚ ኣብቲ ናይ ር.ሊ.ጵጵስና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደቦም እንታይነቱ እትንትን ወንጌላዊ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝደረስዎ ሓዋያዊ ምዕዳን ብሰፍሒ ተመልኪቱ ይርከብ።

ናይ ር.ሊ.ጳ.ን ቤተ ክርስቲያንን ጠመተ ፍቕሪ ንሰብኣዊ ፍጥረትን ንናይ ሓባር ረብሓን
09 January 2020, 17:04