ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣይፋል ንዘይቅኑዕን ኣዕናውን ሓበሬታ፥ ዘዋህድ ታሪኽ ምቕራብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣይፋል ንዘይቅኑዕን ኣዕናውን ሓበሬታ፥ ዘዋህድ ታሪኽ ምቕራብ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣይፋል ንዘይቅኑዕን ኣዕናውን ሓበሬታ፥ ዘዋህድ ታሪኽ ምቕራብ

“… ክተዘንትዎን ክዝክርዎን መታን …” (ኦሪት ዘጸዓት ምዕ. 10,2) ብዝብል ኣርእስቲ መበል 54 ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 24 ጥሪ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘሳለስ ሓላዊ ጋዜጠይናታን መራኸቢ ብዙሓንን ምስ እተብዕለሉ ዕለት ተተሓሒዙ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ በቢ ዓመት ዝዝከር መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ምኽንያት “… ክተዘንትዎን ክዝክርዎን መታን …” (ኦሪት ዘጸዓት ምዕ. 10,2) ብዝብል ኣርእስቲ መበል 54 ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ካብ ቀደም ነተን ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን እውን ይኹን፥ ዘዕንው ታሪኽ ምቕራብ ካብ ዝብል ፈተና ምጥንቃቕ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፡ ዝንገር ታሪኽን ዝቐርብ ሓበሬታን፡ መን ምዃንና ንኽንፈልጥ ዝሕግዝን መን ምዃና ዝገልጽን እዩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ብባህርይኡ ተራኺ እዩ፡ ሕይወት ንኽዕቅብ ታሪኽ ዘልብስ እዩ፡ ኪደትን ኩነትን ሕይወት ዝትርኽ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም የብርሁ፡ ቅዱስነቶም ካብቲ ካብ 2014 ዓ.ም.  ብምኽንያት መበል 48 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ንፈለማ ግዜ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራውን ሕያዎት ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ኣተሓሒዞም፡ ኣብቲ መራኸቢ ብዙሓን ንውልቃዊ ረብሓ ዝኣመተን ዘይሓንጽ ቃላት ምጥቃምን ዘስዕቦ መጉዳእቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ዕለታዊ ተመክሮ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን እውን እንተዀና ካብዚ ምሉእ ብምሉእ ናጻ እያተን ምባል ምሕጣእ እዩ። ኣብቲ ናይ 2020 ዓ.ም. መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መልእኽቶም እውን፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ተቐቢሎም፡ ብትሕትና ሓቂ ምድላይ ንሓደ ጋዘጠይናን ንመራኸቢ ብዙሓንን ቀንዲ ዕላማ እዩ ክኸውን ዘለዎ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ካብቲ ጥልቂ ሓበሬታዊ ጽልማ ክሳብ ናይ ሓሶትን ጨካንን ኣጥቃዕን ንዝሒ ሓበሬታ ዝብል ኣቀራርባ ሓበሬታ ተላቒቕና ንቕድሚት ክትብል ዝድግፍ እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ውበትን ውህበት ምዝራብን ብዛዕባ እዚ ሰናይ’ዚ ዝትርኹ ምዃን ከምዘድሊ ኣብዚ ናይ 2020 ዓ.ም. መልእኽቶም ይምዕዱ። 

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ታሪኻ ታሪኽ እዩ

ትረኻ ኣብዚ እዋን’ዚ ብጥቕሚ ዝተኣሳሰረ ኰይኑ ኣብ መወዓውዒ ናይ መላለዪ ሓበሬታን ክሳብ ፖለቲካ እውን ከይተረፈ ዝጥቀመሉ ሜላ ኰይኑ ይረአይ ኣሎ። ትረኻ ክበሃል እንከሎ ብትኽክል እቲ ቃል ዘለዎ ልዑል ክብሩ ግምት ዝህብ ኰይኑ ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር እቲ ምዃንና ዝምልከት ዝኽሪ ማለት ምዃኑ ጥልቂ ትርጉሙ የብርሁ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ለምዘበን መልእኽቶም፡ ክተዘንትዎን ክዝክርዎን መታን እንክብሉ ዝሃብዎ ኣርእስቲ ብሰፊሕ ይትንትኑ። ታሪኽ ዝኸውን ሕይወት፡ ቅዱስ ምጽሓፍ ይብሉ ኣብ መልእኽቶም፥ ናይ ታሪኻት ታሪኽ እዩ፡ እግዚኣብሔር ፈጣርን ማዕረ ማዕረኡ ኸኣ ተራኽን እዩ፡ በቲ ትረኻኡ ኣቢሉ ነገራት ኵሉ ናብ ሕይወት ይጽውዕ እሞ ኣብ መወዳእታ ሰብኣውይን ሰበይትን ቢሉ ንሰብ ናጻ መዛተይኡ ገይሩ ይፈጥር፡ ነዚ ኸኣ ምስቲ “Aperuit illis - ንኣኣቶም ተኸፍተሎም (ተጋህደሎም) ብዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎም ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት፡ ብላቲን ግጻዌ ኣብ ናይ ተራ ግዜ መርሓ ሊጡርጊያ ሳልሳይ ሰንበት በዓልን ኣስተንትኖን ምስፋሕን ቃል ኣምላኽ ንዝብል ሓሳብ ክወክፍ ምስ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ኣተሓሒዞም ክኸውን እንከሎ፡ ገዛእ ርእስና ንቃል ኣምላኽ ቀረባ ገይርና ናትናን ገይርና ቅዱስ መጽሓፍ ናይቲ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብን ዘሎ ፍቕሪ ታሪኽ ምዃኑ ኣስተውዒልና ነዚ ታሪኽ እዚ ከነዘንትዎን ክዝክክርዎን መታን፡ ልክዕ ከምቲ ናይዚ መበል 54 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መልእኽቶም ዝምዕዶ። ስለዚህ እቲ ንናይ ለምዘበን መልእኽቶም ዝሃብዎ ኣርእስቲ፡ እቲ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዘሎና ኣፍልጦን ተመክሮን ከምቲ እግዚኣብሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ህልወቱ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከነመሓላልፎ ዝምዕድ እዩ።

ሓበሬታዊ ጽልማን ናይ ሓሶትን ጨካንን ኣጥቃዕን ትረኻ ናይ ምቕራብ ፈተና

ቅዱስነቶም ብኻልእ መዳይ እውን ኣብ መልእኽቶም፡ ሓበሬታዊ ጽልማን ኣዕናውን ታሪኽ ኣመልኪቶም፡ ኣብ ናይ  2018 ዓ.ም. መልእኽቶም ናይ ሓሶት ሓበሬታ እንክብሉ ዝግለጽዎ ዓይነት ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ትረኻ ጠቒሶም፡ ካብቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዘሎ ዓይነት ተመን ምጥንቃቕ ከምዘድልን፡ ሕጉስ ምዃን ኣብ ነገራት ምውህላል (ሃብቲ ኣብ ምኽዕባት) እዩ ዝብል ዘደንዝዝ ታሪኽ ኰኒኖምን፡ ካብ ሕሜታን በለካን ለኸዓካን፡ ዓመጽን ሓሶትን ምጥንቃቕ የድሊ፡ ነቲ ስንኵፍ ዝዀነ ናይ ሓባር ናብራ ዝሕርሕርን ዝበትኽን ኣዕናዊ ታሪኽን ንሕማቕ ዝቱኽቱኽን ዘለዓዕልን ታሪኽ ኣይፋል ንበል።

እቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ሓቂ ዘይኰነ፡ ዘይተጻረየን ዘይተረጋገጸን ሓበሬታ ምንዛሕን ምድግጋሙን ሓሶት ክነሱ ክሳብ ዘእምን ገርካ ምቕራብ፡ ንጸረ ሰብኣዊ ክብሪ ምቛም ማለት እዩ ዝኸውን፡ እዚ ኸኣ ንጽልእን ንሕድ ሕዳዊ ምትኹታኽን ባይታ ዝፈጥር ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ብጥቅሊ የብርሁ።

ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር ትርጉም ዘይብሉ ሰብኣዊ ታሪኽ የልቦን

ኣስዒቦም እውን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንታሪኽ ኢየሱስ ኣተኰይሮም እዚ ታሪኽ’ዚ እግዚኣብሔር ንሰብኣዊ ፍጥረት ክሳብ ክንደይ ኣብ ልቡ ከምዘንበሮ (ኣዚዩ ዝግደስን ዝሓልይን) እዩ ዘዘንትወልና፡ ስለዚህ ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር ትርጉም ዘይብሉ ወይ ከኣ ንእሽተይ ዝዀነ ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት የሎን፡ ስለምንታይ መንፈስ ቅዱስ እቲ ብዓይኒ ሰብ ትርጉም ዘይብሉን ንእሽተይን ዝበሃልን ዘይጠቅም ተባሂሉ ዝገልጽ ናይ ገለ ገለ ሰባት ታሪኽ ከይተረፈ ናይ ወንጌል መመላእታ ስለ ዝገብሮ እዩ። እዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ። ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብቲ ኑዛዜ ዝብል ጽሑፉ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ናይ እግዚኣብሔር ናጽነትን ናይ ሰብ ናጽነትን ዘሎ ርክብ ዝበሎን፡ ናይ ካራማዞቭ ኣሕዋት ዘርእስታ ናይ ዶስቶየስኪ መጽሓፍ ጠቒሶም፡ ታሪኽ ቅዱሳት ምንባብን ካብዚ ተበጊስካ ነቲ ቅዶት ታሪኽ ወንጌል ምትራኽ ከምዘድሊ የተባብዑ።

ንእግዚኣብሔር ታሪኽና ከነስእሎን ከነእምሮን የተባብዑ ታሪኽካ ንእግዚኣብሔር ምንጋር ፈጺሙ ትርጉም ኣልቦ ከይኑ ኣይፈልጥን ኣይክኸውንን እውን እዩ፡ ስለምታይ ንጽቡቕ ምልዋጥ ክፉት ዘይኰነ ታርኽ ስለ ዘየለ፡ ማርያም ካብቲ ሕይወትና ዝጠናንግን ዝሓላልኽን መዋጥር እግዚኣብሔር ነኸናግፈና ኣማላድነታ ንለምን፡ ካብቲ ሕይወትና ዝጠናንግ ዘበለ ሓበሬታ ጽልማን ሓጢኣትን ኩሉ ንኽንርሕቅ መታን ይብሉ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣይፋል ንዘይቅኑዕን ኣዕናውን ሓበሬታ፥ ዘዋህድ ታሪኽ ምቕራብ
24 January 2020, 17:15