ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ጥርን ለካቲትን 2020 ዓ.ም. ናይ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓውደ መደባት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ጥርን ለካቲትን 2020 ዓ.ም. ናይ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓውደ መደባት 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ጥርን ለካቲትን 2020 ዓ.ም. ናይ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓውደ መደባት

ዕለት 26 ጥሪ ቅዱስነቶም ሰንበት በዓለ ቃል ኣምላኽ ምኽንያት ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥርን ለካቲትን 2020 ዓም. ናይ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓውደ መደባት ብወግዒ ከምእተሓበረን፡ በዚ ዓውደ መደብ’ዚ መሰረት ቅዱስነቶም ዕለት 23 ለካቲት ምእንቲ ሰላም ኣብ መዲትራኒያን ናይ ሰላም ጸሎት ኣብ ኢጣሊያ ባሪ ከተማ ብዝካየድ ዓውደ ርክብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ዕለት 25 ጥሪ ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ዝዛዘም ዕለት 18 ጥሪ ዝብገስ መበል 53 ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ምኽንያት ዕለት 25 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ሮማ ክፍለ ከተማ ፎሪ ለሙራ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝዓርግ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ክሳተፉ እዮም። ዕለት 23 ለካቲት መዲትራኒያን ዶብ ሰላም ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ኣብ ዝካየድ ናይ ኣስተንትኖን መንፈሳውን ዓውደ ርክብ ክሳተፉን መስዋዕተ ቅድሴ ከዕርጉን እዮም።

ዕለት 26 ጥሪ ቅዱስነቶም ሰንበት በዓለ ቃል ኣምላኽ ምኽንያት ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ እዮም እንክብል ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ዕለት 1 ለካቲት ቀዳም 2020 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓለ በኣቱ ዘእግዚእነን ምስኡ ተተሓሒዙ እውን በቢ ዓመቱ ዝበዓል መበል 24 መዓልቲ ውፉይ ሕይወት ምኽንያት ናይ ዝተፈላለያ ናይ ውፉያንን መናንያንን ማሕበራትን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ማሕበራት ኣባላት ዘሳትፍ  መስዋዕተ ቅዳሴ ድሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከሰርዑ ምዃኖም የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ጥርን ለካቲትን 2020 ዓ.ም. ናይ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓውደ መደባት
08 January 2020, 17:17