ናይ ፍራንቸስኮ ክዉል ኣምርታት ኣብ ቅድስቲ ማርታ ስብከታቶም ናይ ፍራንቸስኮ ክዉል ኣምርታት ኣብ ቅድስቲ ማርታ ስብከታቶም 

ናይ ፍራንቸስኮ ክዉል ኣምርታት ኣብ ቅድስቲ ማርታ ስብከታቶም

ዕለታዊ ስብከቶም ንጭቡጥ ኵነታት ዓለም ዘስተውዕልን ዝትንትንን እውን እዩ፡ ጥምየትን ውግእን ስቓይን ካልኦት ኣብ ሰብኣዊ ሕይወት ዘጋጥም ስቓይ ንግዛእ ርእሱ ንኸይነርክስ ትርጉም ሕይወት ዘመላኽቱን

ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሃን ሊቅ ጃንፒየሮ ጋማለሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ መርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ካብ ሰነ 2017 ክሳብ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከታት፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣምራትን ኣመለኻኽታን ንኽንፈልጥ ዝሕግዘናን ናይቲ ንሶም ኣብ ጸሎት ምስ ጐይታ ዘካይድዎ ዘተ (ጸሎት) ውጽኢት ዝዀነ ቃሎም ዘብርህ ናይ ር.ሊ.ጳ. ስቱር ኣምራት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቶም ካብ ካልእ ክፍለ ዓለም ዝመጻእኵ እንክብሉ ኣብታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ዝተሓረዩላ ዕለት ገዛእ ርእሶም  ዝገለጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጥልቅን ውሳጣዊ ፍካሬታቶምን ብቕረባ ንምፍላጥ ዝሕግዝ መጽሓፍ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ስቱር ኣምራት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝብል ኣርእስቲ ብጃንፒየሮ ጋማለሪ ዝተደርሰ ሓድሽ መጽሓፍ፥

ናይ ር.ሊ.ጳ. መዓልታዊ ኣካሊት ዝዀኑ ስብከታቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ናይ ቅዱነቶም መዓልታዊ ኣካሊት እዩ፡ ግልጽን ንጹርን ብዝዀነ እሞ ካብ ተመክሮን ዕለታዊ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝመንጨወ ብትኽኽል ኣተሓሳስባኦም ፈልዩ ዘነጽር ምዃኑ ናይቲ መጽሓፍ ደራሲ ጋማለሪ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ካብ 2017 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ እዋን ቅዱስነቶም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣስታት 50 ስብከታት ከምዝለገሱን፡ ብዙሕ እዋን ብዙሓት ዝዝክረዎ ንኣብነት፡ ድኻን ንድኻታትን ሓለፋ እትብል (ድኻን ንድኻታትን) ቤተ ክርስቲያን ምደለዅ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብን ከምኡ እውን ንትሑታንን ንኣሽቱን ንዝሳቐዩን ብፍሉይ ዝዝክሩን ናይ እምነት ኣገዳስነት ዘተሓሳስቡን፡ እምነት ንገዛእ ርእስኻን ነሕዋትን ግዱስ ዝገብር ምዃኑ እውን የብርሁ።

ር.ሊ.ጳ. ባዕሎም ገዛእ ርእሶም ዘብርሁ ስለ ዝዀኑ ከተብርሆም ብሓቂ የጸግም፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ስብከቶምን ምዕዳኖምን ዘስምሩሎም ኣምራት ዳርጋ ንዅሉ እውን ክበሃል ይከኣል ብዕምቆት ዝትንክፍ እዩ፡ ኣብ ስብከታቶም ኣማእኪልካ መጽሓፍ ምጽሓፍ ርእይቶኻ ንምሃብ እምበር እቲ ንሶም ዝብልዎ ግልጽን ብሩህን ንኽትገብር ምፍታን ማለት ኣይኰነን፡ ዝጥቀሙሎም ቃላትን ከም ኣብነት እውን ዝገልጽዎም ተመክሮታትን ኵሉ ናይ ብዙሓት ተመክሮ ኰይኑ ስለ እትረኽቦ ምስ ገዛእ ርእስኻ ዘራኽቡ እውን እዮም፡ እዚ እቲ ሓደ ዝጥቀምሉ ሜላ ክትብሎ ትኽእል፡ ሓሳባቶምን ቃላቶም ንጹርን ርቱዕን እዩ፡

ዕለታዊ መርሓ ፍጻሜታቶም ኣብቲ ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝልግስዎ ስብከት ዝጸንዐ እዩ፡ ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን፡ ስለዚህ ናይ ዕለታዊ ፍጻሜታቶት ኣካሊት ናይቲ ዝልግስዎ ስብከትን ናይቲ ዝፍጽምው ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን እዩ ይብሉ።

ዕለታዊ ስብከቶም ንጭቡጥ ኵነታት ዓለም ዘስተውዕልን ዝትንትንን እውን እዩ፡ ጥምየትን ውግእን ስቓይን ካልኦት ኣብ ሰብኣዊ ሕይወት ዘጋጥም ስቓይ ንግዛእ ርእሱ ንኸይነርክስ ትርጉም ሕይወት ዘመላኽቱን እዮም።

ቀጢን ወይ ዝተበረዘ ስብከት፡ ገው ዘብል ስብከት ርቡጽነት ዝተመልኦ ሕዉኽን ብጻዕቂ ስራሕ ምኽንያት ንስብከት ጊዜ ዘይብልካብ ምዃንን ካቶሊክ ግን ኢእግዝኣብሔራዊ ናይ ምዃን ስግኣትን ዝብሉን፡ ኣብ ተንቀሳቓሲት ቤተ ክርስቲያን ምንባር፡ ብሽክለታ እምበር ካቴድራል ኣብ ዘይኰነት ቤተ ክርስቲያን፡ ካቴድራላት ብሓቂ ብስነ ጥበብ ንድፊ ዝማዕረጉን ዝማርዅን እውን እንተዀነ ኣብ እምንን ምድርን ዝቖሙ እያቶም፡ እታ ቢሽክለታ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ግና ሚዛና እንተዘይሓለወት ናይ ምውዳቕ ሓደጋ እዩ ዘጋጥማ፡ እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ናብ እትብል ናብ ወሰናስንን ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን እትብል ቤተ ክርስቲያን እያ፡ ቤተ ክርስቲያን ናብ እትብል ኽንከውን ይምዕዱ።

ቀዳመይቲ መጽሓፍ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝተሓትመት ፍካሬ ር.ሊ.ጳ. ንቅዱስ ዓመት ዘርእስታን እታ ካልኣይቲ ካብ 2014 ክሳብ 2017 ግንቦት ቅድስቲ ማርታ ቤተ ጸሎት፥ ስብከታት ር.ሊ.ጳ. ዘርእስታን  እታ ሳልሰይቲ መጽሓፍ ካብ 2017 ወርሒ ሰነ ክሳብ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ስብከታቶም እተጠቓልል ናይ ር.ሊ.ጳ. ስቱር ኣምራት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰት ምዃና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ዲ ቡሶሎ ኣዘኻኺሮም እተን ሰለስተ መጻሕፍቲ ብጃንፒየሮ ጋማለሪ ዝተሰናደዋን ብቤት ምሕተም ቫቲካን ተሓቲመን ንንባብ ዝበቕዓ ምነን እውን የዘኻኽሩ።

ናይ ፍራንቸስኮ ክዉል ኣምርታት ኣብ ቅድስቲ ማርታ ስብከታቶም
28 January 2020, 17:43