ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብሕጻንነትካ ምስጢረ ጥምቀት ምቕባል

ውላድካ ምጥማቕ፡ ናይ ፍትሒ ተግባር ንውላድካ እዩ፡ ከነጠምቖም እንከለና መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ ንገብር፡ እቲ ዝጥመቕ ሕጻን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ይምላእ፡ እቲ ዝቕበሎ መንፈስ ቅዱስ የሰንዮን ይከላኸለሉን

ወለዲ ንደቃቶም ከጠምቑ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክዓብዩ ምክንኻኖም ንውላዶም ናይ ፍትሒ ተግባር እዮም ዝፍጽሙ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ጥሪ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ብምኽንያት በዓለ ጥምቀት ዘእግዚእነ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣሪዖምን ን 17 ደቂተባዕትዮን 15 ደቀንስትዮን ሕጻናት ምስጢረ ጥምቀት ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከምዝዀነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ደቃቶም ንዘጠመቑ ወለዲ፥ ደቃቶም ምስጢረ ጥምቀት ክቕበሉ ምሕታቶምን ከጠምቑን ዘለዎም ክርስቲያናዊ ሓላፍነት ክሕብሩ ጥራሕ ዘይኰነ እምነቶም እውን እያቶም ዝምስክሩ፥

ውላድካ ምጥማቕ፡ ናይ ፍትሒ ተግባር ንውላድካ እዩ፡ ከነጠምቖም እንከለና መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ ንገብር፡ እቲ ዝጥመቕ ሕጻን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ይምላእ፡ እቲ ዝቕበሎ መንፈስ ቅዱስ የሰንዮን ይከላኸለሉን፡ ንመላእ ሕይወቱ የሰንዮን፡ ምእንቲ’ዚ እዩ ድማ ውላድካ ምጥማቕ ዘድልይ፡ ሎሚ ንስኻትኵም ደቃትኵት ዘጠመቕዅም ወለዲ፡ ንውላድኩም ጥራሕ ዘይኰነ መንፈስ ቅዱስ ሒዝኩም ኢዅም ናብ ቤትኵም እትምለሱ፡ ውላድኩም ምስ መንፈስ ቅዱስ ሒዝኩም …

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኽያት ሕጻን እቲ ዝበለጸን ዓይቢይን ስብከት እዩ

ቅዱስነቶም ነቶም ምስ ደቃቶምን ኣባላት ስድራ ቤቶም ብሓባር ንደቃቶም ዘጠመቑን ኵሎም፡ ኣብዚ ኣብ ቃዳሴ ሕጻናት ደቃትኩም እንተበኸዩ ኣይትሰንብዱ፡ ኣይትሕፈሩን፡ እዚ ኵነት’ዚ ንኣኣቶም ሓድሽ እዩ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ክርከቡን እዚ ስነ ስርዓት ቅዳሴ እነዕርገሉን ቤተ ክርስቲያን ምርኻቦም ንኣኣቶም ሓድሽ እዩ፡ ካብ ቤቶም ወጻኢ ኣልቦ ምሾት እዩ ዝስምዖም እሞ እንተበኸዩ ከይሓፍሩ እንክምዕዱ፥

እንተበኸዩ ትም ንኸተብልዎም ላዕልን ታሕትን ኣይትበሉ፡ ሕጻን እንተበኸየ ዝስምዖ ነገር ኣሎ ማለት እዩ፡ ጠምዩ እውን ይኸውን፡ ኣብዚ ኣዴታት ንደቃትክን ክተጡባ ትኽእላ፡ ዝሓለፈ ዓመት እውን ኣብ ተመሳሳሊ ስነ ስርዓት ዝበልክዎ እዩ፡ እቲ ሓደ እንተበኸየ ንዅሎም እዩ ንኽበኽዩ ዝገብር፡ ውሁድ ጥዑም ሚዚቃ፡ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኽያቶም እቲ ዝበለጸ ስብከት እዩ፡

ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥ ወለዲ ደቃቶም ክጥመቑን ከጠመቑን ናይቶም ዝጥመቑ ሕጻናት ኣባይቲ ስድራን ኵሎም ዓቢይ ሓጐስ ዝፈጠረን ዝተባርከን ዕለት ከምዝነበረን፡ ቅዱስነቶም ልክዕ ዝተወለድናላ ዕለት በቢ ዓመቱ እንዝክር፡ ጸጋ ጥምቀት ዝተጠቕበልናላ ዕለት ሓደራ ከይንርስዕን በቢ ዓመቱ ክንዝክርን ደጋጊሞም ሓደራ ዝብሉ ምዃኖ የዘኻኽራ።

ብሕጻንነትካ ምስጢረ ጥምቀት ምቕባል

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብሕጻንነትካ ምስጢረ ጥምቀት ምቕባል
13 January 2020, 16:11