ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ብሰደድ ባርዕ ሓዊ ኣግራብ ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ኣውስትራሊያ ይጽልዩ

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣትሑዙ ብዝተፈላለየ ሰደድ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ኣብ ኣውስትራሊያ ልዕሊ 8 ሚሊዮን ኤክታር ዝግመት ገረብ ከምዘባደመ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ካብቶም ኣብቲ ዘቕረብዎ ትምርህተ ክርስቶስ ዝተሳተፉ ካብ ኣውስትራሊያ ዝመጹ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ኵሉ ንድላይ ሕዝቢ ኣውስትራሊያ ቀረባ ክኸውንን ክጽልን ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሚከላ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵሉ ምእንቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰደድ ባርዕ ሓዊ ኣግራብ ምኽንያት ንዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ኣውስትራሊያ ክጽልይ ሓደራ ቢሎም ነቲ ዝሳቐይ ዘሎ ሕዝቢ ቅርበቶም ገሊጾም ዝበሉ ራቪያርት ኣስዒቦም፡ እቲ ሰሙን ዘቑጽር ዘሎ ኣብ ኣውስትራሊያ ተኸሲቱ ዘሎ ሰደድ ባርዕ ሓዊ እዚዩ ዘሰንብድ ከምዝዀነን፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣትሑዙ ብዝተፈላለየ ሰደድ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ኣብ ኣውስትራሊያ ልዕሊ 8 ሚሊዮን ኤክታር ዝግመት ገረብ ከምዘባደመ ገሊጾም፡ በዚ ሰሙን ዘቑጽር ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት 25 ሰባት ከምዝሞቱን ክልተ ሺሕ ኣባይቲ ከምዝባደመን ልዕሊ ሓደ ሚሊያርድ ዝግመቱ ዝተፈላለዩ እንስሳታት እውን ንሞት ከምዝዳረገን ገሊጾም።

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ብሰደብ ባርዕ ሓዊ ኣግራብ ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ኣውስትራሊያ ይጽልዩ

 

08 January 2020, 17:23