ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ውግእ ሞትን ዕንወትን እዩ

ር.ሊጳ. ዕለት 4 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ረፋድ ኣብ ትዊተር ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም እቲ ካልእ ልክዕ ከማና ሰላም ዘድልዩ ምዃኑ ክንኣምን ይግባእ፡ ሰላም ብዘይ ምትስፋያ ኣይክትረኽባን ኢኻ፡ ጸጋ ሰላም ካብ ጐይታ ንለምን

ቅዱስነቶ ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ በሸሓት ዝቕጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝበጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን መሪሖምን ምስ ኣዕረጉ፡ ንዅሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ሓድሽ ዓመት 2020 ዓ.ም. ናይ ሰላምን ቅሳነትን ክዀነልና ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሓሴትን ጓህን ነቲ ተስፋና ዝዀነ ገዛእ ርእስና ነወክፍ፡ ኣብ ሓድሽ ዓመት መባእታን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዕለት 1 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ዝኣተናዮ ቃል ንዘክር፡ ሰላም ናይ ተስፋን ዘተን ዕርቅን ምህዳራዊ ምልዋጥ ከይዲ እዩ፡ ብሓገዝ ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ዝከኣለና እዩ፡

ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዘዘምብይ ዘሎ ውጥረት እናሓሰቡ ናይ ተጻብኦነት ሃዋሁ ንኸነወግድ ተላብዮምን ምእንቲ’ዚ ብጽሞና ንቕሩብ ደቓይቕ ናይ ሕልና ጸሎት ነዕርግ፡ … ኩሎም ኣብቲ ውጥረት ዝዋስኡ ንዘተ ሓለፋ መታን ክብሉ ንጸልይ፡

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ናይ ውጥረት ነጋሪት ይስማዕ ኣሎ፡ ውግእ ሞትን ዕንወትን ጥራሕ እዩ ዘስዕብ፡ ኩሎም ናይ ዘተ ተስፋ ናይ ርእሰ ምቁጽጻር ናይ ተጻብኦነት ጽላሎት ንኽግስጹ ዘኽእሎም ብርሃን ክዕቅቡ ጻውዒት አቕርብ፡ …

ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ ጸጋ ሰላም ይጽልዩን ይምሕጸኑን።

ኣብ ዒራቕ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ተራዳኢ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ውግእ ዕንወትን ሞትን እምበር ብባህርይኡ ዓወት ክኸውን ዘይከኣል እዩ ቢሎም በቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዒራንን ዝተባርዔ ሓድሽ ውጥረት ናይ ሕዝቢ ዒራቕ ስግኣትን ንማሕበርሰብ ክርስቲያን ዒራቕን ዓቢይ ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ገሊጾም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ ኢራን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተቓውሞኣን ጥርዓንን ከተቕርብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትርምፕ ሃገሮም ንዝዀነ ይዅን ዓመጽ ግብረ መልሲ ንምሃብ ስንድውቲ እያ ከምዝበሉን፡ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልውስ ራፋኤል ሳኮ፡ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ዘሰንብድ ኩነት ንዒራቓውያን ብርቱዕ ስንባደ ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም፡ መሬቶም ሰላምን ጸጥታን ውሑስ ዝኸሉ ካብ ዝገብር ተግባር ወጻኢ ናብ ዝገደደ ውግእን ዓመጽን ዝድርኹ ዝርአዩ ዘለዉ ተግባራት ብዙሕ ሻቕሎት ይፈጥር ከምዘሎ ገሊጾም፡ ህልው ኩነታት ሃገሮም ዘተሓሳስብ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ኣስዒበን፡ ር.ሊጳ. ዕለት 4 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ረፋድ ኣብ ትዊተር ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም እቲ ካልእ ልክዕ ከማና ሰላም ዘድልዩ ምዃኑ ክንኣምን ይግባእ፡ ሰላም ብዘይ ምትስፋያ ኣይክትረኽባን ኢኻ፡ ጸጋ ሰላም ካብ ጐይታ ንለምን፡ ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነው ኣዘኻኺረን፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፖለቲካን ጸጥታን ደሕንነት ጉዳይ ላዕለዋይ ሓላፊ ጆሰፕ ቦረል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸስተ ኩነት ኣብ ዒራቕ ዘሎ ውጥረት ክብ ክብል ዝድርኽ ከይኑ ኣሎ ቢሎም፡ ንናይ ኢራን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሞሓማድ ዣፋድ ዛሪፍ ንክሌኣዊ ርክብ ናብ ብርሰልንስ ከምዝዓደምዎምን ኣብት ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ኢድ ዘለወን ሃገራት ግትኣት ምጥቃም ሓይሊ ክገብራ ጻውዒት ክምዘቕረቡ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ውግእ ሞትን ዕንወትን እዩ
06 January 2020, 17:40