ድለ

እግዚአብሔር ብፍቅሩ ዝልግሰልና ዘይተጸበናዮ ሠናይ ነገር ካብ ምጽባይ ኣይንብኰር! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ነቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ሰበት ዕለት 15 ጥሪ 2020 ዓም ‘ነፍሲ ወከፍና ዕለት ዕለት ጒዕዞ እምነትና ብሓዲስ ንምጅማር ስንድዋት ክንከውን ነዚ ከኣ ነቲ እግዚአብሔር ብፍቅሩ ዘይተጸበናዮ ሠናይ ነገር ብዓቢ ሃንቀውታ ከየባተኽና ብምጽባይ እዩ` እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሓ 1.29 ኰይኑ መቐጸልታ ናይቲ ንጥምቀት ኢየሱስ ስዒቡ ዮሓንስ መጥምቅ ‘እነሆ እቲ ሓጢኣት ዓለም ዘልግስ በግዕ እግዚአብሔር’ እንክብል ነቶም ምሳኡ ዝነበሩ ኢየሱስ እቲ መሲሕ መድሓኒ ምዃኑ ዕብየቱን ብመንፈስ ከጠምቅ ምዃኑን ዝገለጸሉ ሓደ ክፍሊ ናይ ኣስተእዮ ወይ ግልጸት ኢየሱስ ምዃኑ እዩ።

ቅዱስነቶም ነዚ ምስክርነት ቅዱስ ዮሓንስ እንክገልጹ `ዮሓንስ መጥምቅ ሓደ ዓቢ ነገር ረኣየ ብሓቂ ዘደንቅን ዘርዕድን ፍጻሜ ብቀዳምነት እቲ ንጹሕ ካብ ንጹሓን ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር ምስ ሓጢኣተኛታት ተሰሪዑ ደገፉ ክገልጽ ይርኢ። ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ምስ ኣጠመቆ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ርእሲኡ ከም ርግቢ ክ ወርድ ይዕዘብ እሞ እቲ ከጠምቅ ዝለኣኾ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስ ከጠምቅ ምዃኑ ምስ ገለጸሉ ሓደ ዓቢ ለውጢ ከምዘሎ ይዕዘብ። እዚ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣተሓሳስባ እምነትን ኣምልኾን መሥዋዕትን ፋሕ የብለሉ። ከመይ ቅድሚኡ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ወዲሰብ ደኣሉ ናብ ኣምላኽ መሥዋዕትን መባእን ሒዙ ዝኸይድ እምበር ብኣንጻሩ ኣይነበረን። ኣብዚ ግን እግዚአብሔር ባዕሉ ንእንኮ ወዱ ስለ ድሕነት ዘመደ ኣዳም መሥዋዕቲ ገሩ ከቅርቦ እንከሎ ይዕዘብ። ነቲ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ንደጋግመን ቃላት ማለት እነሆ እቲ ሓጢኣት ዓለም ዝድምስስ በጊዕ እግዚኣአብሔር` ክብል ከኣ ምስክርነቱ ይህብ። እዚ ከኣ ንሓዲስ ጒዕዞ እምነትና ከምብሓዲስ ክንጅምር ዝቀርብ ዕድመ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እቶም ምሳኡ ዝነበሩ ኣርድእቱ ድሕሪ እዚ ሓበሬታ እዚ ደድሕሪ ኢየሱስ ክኸዱ ጀመሩ። እኒ በዓል እንድርያስ ምሳኡ ውዒሎም ነሕዋቶም ከበስሩ ጀመሩ ሽዑ በዓል ናትናኤል በዓል ስምዖን ጴጥሮስ ብምስክርነት ኣሕዋቶም ምስ ኢየሱስ ክራኸቡ ጀመሩ። በዚ ከምዚኸስ ተልእኮ ኢየሱስ እውን በዛ ግልጸት እዚኣ ይገሃድ። እዚ ከምቲ ዋዜማ ሃገርና ዝብሎ `እንዘ ስውር እምኔነ ይእዜሰ ክሱተ ኮነ` ካብና ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ተጋህደ ከም ማለት እዩ ዘመነ ኣስተርእዮቱ ዝገልጾ ምሥጢር ከኣ እዚ እዩ።

ጒዕዞ እምነትና ከምብሓዲስ ምጅማር!

እዛ በጊዕ እግዚኣአብሔር ትብል ምስክርነት ዮሓንስ ከስ ነቲ ብኦሪትን ብነቢያትን ተዋሂቡ ዝነበረ ተስፋ ድሕነት እነሆ ኢላ ብዙሓት ኣብ ዘይተጸበይዎን ዘይሓሰብዎን ግዜ ደበኽ በለት። እዚ ዘየደንቆ እንተሎ ጽጉም እዩ። ስለዚ በዚ እግዚኣአብሔር ኣብ መንጎና ሓደ ካባና ኰይኑ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ዝገለጸልና ብሥራት ሃንጐፋይ ኢልና ንቀበሎ። ንሓጢኣተኛታት ክድግፍ ኣብ ጐድንና ክስለፍ መጺኡ። ካብቲ ጨቊኑ ሒዙና ዝነበረ ጸላኢ ከኣ ኣናገፈና። ነዚ ከኣ ገዛእ ርእሱ ምእንታና ብምውፋይ ፈጸሞ።

ኣብ ኩነታትና ምልስ ይብሉ እሞ ብዙሕ ግዜ ዘጥቅዓና ሕማም ንኢየሱስ ከም እንፈልጦ ልሙድ ነገር ገርካ ምውሳድ ብዛዕባኡ ኩሉ ከም እንፈልጥ ንኸውን። እዚ ዓቢ ሓደጋ ንከይንድሕን መንደቅ ኰይኑ ዝጋርደና እዩ። ስለዚ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ሓንሳእ ርእየዮ እየ ፈሊጠዮ እየ ኢልና ከይንበኩር ናብ መስቀሉ ናብቲ ቅዱስ ገጹ እናጠመትና ነስተንትን። ብደጋዊ ኣዕይንትና ዘይኮነ ብዓይኒ ሕልናና ብልብና ነስተንትኖ መንፈስ ቅዱስ ክምህረናን ነቲ ምእንታና ዝተሠውዔ በግዕ እግዚአብሔር ነቲ ሓጢኣት ዓለም ዝድምስስ በግዕ እግዚአብሔርን ፍቅሩን ነስተንትን። ከመይ ንሱ በይኑ እዩ ሓጢኣት ዓለም ብምሉኡ ጸሩ ብሕማማቱ ዝኸሓሰ ዘድሓነና። ምስጋና ንኣኡ ይኹን ደጊም ባሮት ሓጢኣት ባሮት ክፍኣት ኣይኮናን። ሓጢኣተኛታት ኢና ግን ባሮት ኣይኮናን እኳ ደኣ ደቂ እግዚኣአብሔር ኢና።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 January 2020, 13:14