ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ወንጌል ልበ ወለድ ዘይኰነስ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ መደብ ግልጸት እዩ

ዮሓንስ ኣብ መቕድማዊ ጽሑፉ፡ እቲ ዘኣለማዊ ቃል፡ ወልደ እግዚኣብሔር ተሰግወ እንክብል ነቲ መስተንክራዊ ሕዳሴ የበስረና፡ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ንኽነብር ዘይኰነስ ሓደ ካብቶም ሕዝቢ ኰነ

ልደት ዘእግዚእነ መስተንክር፥ ትስብእቲ ዘለኣለማዊ ቃል እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 1 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 18 ዝተወስደ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ እግዚኣብሔር ብሓልዮቱ ዝጸገወና ህያብ ንኽንዕቅብ ኣብ ፍቕሪ ቅዱሳት ንኽንከውን መታን ኢየሱስ ናብ ማእከልና መጸ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዓለምን ንሰብኣዊ ፍጥረትን ዝተኸወነ መለኰታዊ ፍቕሪ፡ ብሓሴትን ሞሳን ምእንጋድ የድሊ እንክብሉ ቅዱስነቶም ምዒዶም፡ እቲ ዘደንቅ ናይ ኢየሱስ ኣብ መብልዕ ማል  ምውላድ ዝገልጽ ትርኢት ኣብ እነስተንትነሉ እዋን፡ ብናይ ዕለቱ ቅዱሳት ምንባባት ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ምንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ምዕ. 1 ካብ ፍቕዲ 3-6 ካብ ፍቕዲ 15-18ን ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 1 ካብ ፍቕዲ 1-18ን ዘሎ ተወኪሶም፡

ዮሓንስ ኣብ መቕድማዊ ጽሑፉ፡ እቲ ዘኣለማዊ ቃል፡ ወልደ እግዚኣብሔር ተሰግወ እንክብል ነቲ መስተንክራዊ ሕዳሴ የበስረና፡ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ንኽነብር ዘይኰነስ ሓደ ካብቶም ሕዝቢ ኰነ፡ … ካብታ ሰዓት እቲኣ ድማ ሕይወትና ዘመስርቕ ሕጊ ወይ ተቕዋም ምዃኑ ተሪፉ ሓደ ኣካል፡ ንሱ ኸኣ መለኵታዊ ኣካል ኢየሱስ ናባና ዝመጸ ኰነ …

ደቂ እግዚኣብሔር ንኽንከውን ዝተሓረና

ቅዱስ ጳውሎስ፥ ንእግዚኣብሔር ስለ እቲ ብኢየሱስ ኣቢሉ ዝዓደለና በረኸት የመስግን፡ ኣብዚ መደብ እግዚኣብሔር’ዚ ናይ ነፍሲ ወከፍና መሰረታዊ ጸዋዕታ - እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ደቁ ንኽንከውን ሓረየና፡ ዘለኣለማዊ ወልድ፡ ወልደ እግዚኣብሔር ደቂ እግዚኣብሔር መታን ክንከውን ተሰግወ፡ ናብቲ ምስ ኣቡኡ ዘለዎ ውልዳዊ ተራኽቦነት ኣእተወና፡

ናይ ሎሚ ሊጡርጊያ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ልበ ወለድ ዘይኰነስ … እግዝኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረትን ዓለምን ዘለዎ መደብ ምልኣተ ክዋነ እዩ። … እዚ መልእኽቲ እዚ ነፍሲ ወከፍና እቲ ጐይታ ኣብ ልዕለና ዘለዎ መደብ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ንኸነቕርብ ይድርኸና፡ እቲ ናቱ ምዋላድ ኣብ ማእከልና ንነፍሲ ወከፍና ዘለዎ እነለልዮ መደብ እንታይ እዩ? ናይዚ ሕቶ መልሲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፡ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዘይብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብኣኡ ዝሐረየና ዝብል መልሲ የዘኻኽረና፡ …

ብፍቕሪ ቅዱሳን ምዃን

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ትርጉም ልደት ዘእግዚእነ፥ ጐይታ ብቐጻልነት ኣብ ማእከልና ዝምጽእን፡ ቃሉ ብቐጻልነት ዝጽገወናን ንሕና ብፍቕሪ ቅዱሳን መታን ንኽንከውን ዝብል እዩ፥

ቅድስና እግዚኣብሔር ዝዓደለና ጸጋ ምዕቃብ ማለት እዩ፡ ናይ እግዚኣብሔር ሞሳ ምዕቃብ ማለት እዩ፡ እዚ እዩ ቅዱስ ምዃን ማለት፡ ቅድስና ናይ ጸጋ ውህበት ምዃኑ ምእንጋድ፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብተግባር ዘይትገልጾ ኰይንካ ምንባር ዝከኣል ኣይኰነን፡ ምስ ካልኦት ኣብ ምርኻብ፡ እዚ ፍቕርን ምሕረትን ንብጻይን ኣብ ቅድሚ ብጻይን ብምንባር ዕለት ብዕለት መንቅብ ዘይብሎም ንኽንከውን ይድርኸና፡ … ልብና ንኸነንጽሕን ዕለት ብዕለት ንምሕረትን ንምምሕሓርን ስንድዋት ዝገብረና፡ … መንቅብ ዘይብሎም ምዃን ኣባና እግዝኣብሔር ናብ ውሽጥና ይኣትው ማለት እዩ፡ እቲ ናጻ ዝዀነ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ናባና ይኣትው፡ ብተራና ኸኣ ንዕቅቦን ንኻልኦት ነካፍሎን፡

ከምዝበሉ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ወንጌል ልበ ወለድ ዘይኰነስ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ መደብ ግልጸት እዩ
06 January 2020, 17:52