ኣይትተዓበ! መንገዲ ክርስትያን ትሕትና ኢየሱስ እያ! ር.ሊ.ጳ

ብምኽንያት በዓለ ጥምቀት ኢየሱስን ዕለተ ሰንበትን ዕለት 12 ጥሪ 2019 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ኣብ ዘቅረብዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ ‘ብምሥጢረ ጥምቀት ንዝወሃበና ጸጋ ውሉድነት እግዚአብሔር ንኩሉ ክነበሥር ንዕለተ ጥምቀትና ከኣ ክነብዕል ኣሎና` ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ጥምቀት ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ቅዱስነቶም እውን ድሕሪ ቅዳሴን ጥምቀትን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነበሩ ምእመናን ነፍሲ ወከፍና ዕለተ ጥምቀትና ንዘክር ከመይ ብዙሕ ግዜ ንዕለተ ልደትና ጥራይ ብምዝካርን ብምብዓልን ንዕለተ ጥምቀትና ግን ንዝንግዕ ዝገደደ ከኣ ገለና ዕለተ ጥምቀትና እውን ኣይንፈልጥን እንክብሉ ነቲ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዘጠመቅዎም 32 ሕጻናት ብምዝካር `ዕለተ ጥምቀትና ኣብ ልብና ፍሉይ ቦታ ክህልዎን ዓመት ዓመት ክንዝክሮን ክነብዕሎን ይግባእ’ ኢሎም። ነዚ እንገብረሉ ምኽንያት ከኣ ነቲ ምእንታና ብዙሕ ዝኸፈለ ጐይታ ዕለተ ጥምቀቱ እንክንዝክር ነቲ ዝገበረልና ሠናይ ነገር ንምዝካርን ንምምስጋንን እውን እዩ። ከመይ ብሕያውነቱ ካብቲ ዝገበረልና ብዙሕ ሠናይ ዳግመ ልደት ብምሃቡን ወትሩ ብሕያውነቱ ስለዝሓልየልና ስለ ምስጋና ኢልና እውን ክንዝክሮ ኣሎና። ፍትሒ ከኣ ንፍጽም ከመይ ነቲ ዝግብኦ ንዝግብኦ ክንህብ እንከሎና። ነዚ ፍቅሪ እዚ ክንሰብኮ ኣሎና።

ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብ ንስበኽ!

ከምቲ ኢየሱስ ወልደ እግዚአብሔር ዝኾኖ ንሕና እውን ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ዳግም ስለዝተወለድና ደቂ እግዚአብሔር ምዃና ንፈልጥ። ስለዚ ኣሕዋት ናይ ብዙሓት ካልኦት ኣሕዋት ኰና ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብ ክንምስክርን ክንሰብኽን ዓቢ ተልእኮ ዝተቀበልና ኢና። እግዚአብሔር ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኢየሱስ ክጥመቅ እንከሎ ሓጐሱ ይገልጽ `እቲ ብኣኡ ደስ ዝብለኒ ወደይ እዚ እዩ’ እንክብል መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ዝወረደሉ ግዜ ብቃሉ ገሊጹ። እቲ ብዘይ ሓጢኣት ብኩሉ ከማና ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ እንክጥመቅ ቀዳማይ ሃንደበት እግዚኣአብሔር ብመንፈስ ቅዱስን ብቃል ኣቦን ክግለጽ ካልኣይ ሃንደበት ንዮሓንስ መጥምቅ የድንቆ።

ብሃንደበት ሠናይ ነገራት ዝገብረልና ኣምላኽ!

ብመሠረቱ እቲ መሲሕ ናይ ንስሓ ጥምቀት የድልዮ ኣይነበረን እኳ ደኣ ንሱ እዩ እቲ ዘንጽሕ ዘጽሪ። ኰይኑ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ካልእ ነገራት እናሓለመ ኢየሱስ ብሃንደበት መጺኡ ኣጠምቀኒ ይብሎ። ዋእ ኣነ ደኣ ብኣኻ እጥመቅ እምበር ንስኻ ብኣይ ክትጥመቅ እዝስ ኣይውዕሎን ግዲ ዚዓይነቱ መልሲ ምስ ሃቦ ደሓን ሕጊ ንፈጽም ኢልዎ።

“እንተኾነ እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ። መንገድታቱ መንግድታትና ኣይኮኑን። እቲ መንገዲ እግዚአብሔር ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዚ መንገዲ እዚ ከኣ ብዘይተጸበናዮን ብዘይሓሰብናዮን ኣገባብ ይረኽበና። ስለዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሃንደበታዊ ኣግራሞት ምዃኑ ዘክሩ ኢሎም።”

ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ!

ንዮሓንስ መጥምቅ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኢየሱስን ዝነበረ ፍልልይ ክተራኽቦ ዘይትኽእል ዓቢ ጋግ እዩ ዝነበረ ባዕሉ ኣቀዲሙ ከምዝበሎ እውን ሥራኽ ኣሳእኑ እኳ ክፈትሕ ዘይበቅዕ ምንባሩ እዩ። ወልደ እግዚአብሔር ከስ ነዚ ርሕቀት እዚ ነዚ መጠን ኣልቦ ፍልልይ እዚ ከሕጽር እሞ ሰማይን ምድርን ደቂ ሰባትን እግዚኣአብሔርን ከምዝራኸቡ ንኽገብር እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኰይኑ ማለት ክፍሊ ደቂሰባትን ክፍሊ እግዚአብሔርን ኰይኑ ነቲ ተኸፋፊሉ ዝነበረ ኣዋሂዱ። ከመይ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ብምንባሩ እዩ ነዚ ዝገበረ። ብዘይካኡ ክገብሮ ዝኽእል ኣይነበረን።

“እቲ መሲሕ ክጥመቅ ይሓትት! እሂ ኣንተተባህለ ፍትሒ ክፍጸም እዚ ከኣ ብፍጹም ውሉዳዊ ተኣዝዞ ወልደእግዚኣአብሔርን ነቲ ተኣፋፍን ሓጢኣተኛን ባህርይ ሰብ ለቢስካ ንደቂሰባት ብምድግፋን ይገብሮ። እዛ መንገዲ ትሕትናን ምሉእ ቅርበት እግዚኣአብሔር ናብ ደቁ ዝኾና ደቂሰባትን እያ እታ እንኮ መንገዲ። ብትሕትና ምሓሸዶ ምባል እምበር ኣገዲድካ ዝግበር ኣይኮነን።”

ምእማም እምበር ምግዳድ ኣይግባእን!

ናይ ትሑትና ቀንዲ መለለዪ ገርሀይና ብዝኾነ መንገዲ ነቲ ካልእ እናኽበርካ ብመጠንን ከይተፈለጥካን ዝግበር ኣገልግሎት ኰይኑ እዚ ከኣ ካብ ነፍሲወከፍ ተኸታሊ ክርስቶስ ዝሕተት እዩ። ኰይኑ ግን ብዙሓት ነዚኣ ኣጥፊኦም ብትዕቢት ተሳዒሮም ክጀሃሩ ይረኣዩ።

“ዝዕበ ተኸታሊ ክርስቶስ ኣይኮነን። ሕያዋያ ተኸታሊ ክርስቶስ ትሑት ኰይኑ ብለውሃት ከይተረኣየ ሠናይ ነገር ዝገብር እዩ። ኣብ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ማሕበረ ክርስትያን ንካልኦት ክርኽቡ ኣብ ዝኸዱሉ እማሜ ብምቅራብ እምበር ብምግዳድ ኣይኮነን! ነዚ ከኣ ኣብ ጭቡጥ ናብራ ናይቶም ሰባት እናተዋሳእካ ምስክርነት እናሃብካ እዩ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
12 January 2020, 11:24