ድለ

ንስደተኛታት ፍቅሪ እግዚአብሔር ደአ ንመስክረሎም እምበር ጽልእስ ኣይግድን! ር.ሊ.ጳ

ነቲ ኣብዚ ሶሙን እዚ ዝካየድ ዘሎ ሶሙን ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ብምዝካር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዘቅረብዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ መሪሕ ቃል ጸሎት ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ማልታ ንዝተገብረሉ ሠናይ ተቅባል እትገልጽ ንሓደነት ክርስትያን እውን መንፈሳዊ ፍረ ክህልዋ ተመንዮም። በዚ ከኣ ነፍሲወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ክቡር ምዃኑ ንምምስካር ብሓባር ንሥራሕ: ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ንዘሎና ስክፍታ ይቅንጥጠልና!ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ከምዝዝከር ዝሓለፈ ሶሙን ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባ መጽሓፈ ግብረሓዋርያት ነዊሕ እዋን ዘስተምሃርዎ ብናይ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ምብጻሕን ሓዲስ ግራት ስብከተ ወንጌል ምጅማሩን ቃል ኣምላኽ ከምዘይእሰርን ብምግላጽ ዛዚሞም ነበሩ። ሎሚ ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽናዮ ሶሙን ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያንን ንኩሉ እተጠቃልል ጽባሕ ሰንበት ንመጀመርያ ግዜ ዝበዓል ሰንበት ቃለ እግዚአብሔርን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ርእሲ እውን ዕለት 25 ጥሪ በዓል ምምላስ ቅዱስ ጳውሎስ እውን ስለዘሎ ነታ ከም መሪሕ ቃል ዝተመርጸት ‘ምስ ደሐንና ኸኣ፡ እታ ደሴት መሊጠ ኸም እትብሃል ፈለጥና። እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ኣዝዮም ደንገጹሎም፡ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን፡ ስለቲ ቚርን ድማ፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዂላትና ተቐበሉና።’ (ግሐ 28.1) ንእትብል ከም ሓያልን ዓብን ምልክት ፍቅሪ እግዚአብሔር ተንቲኖም። ነዚ ኣብ ደሴት መሊጠ ወይውን ማልታ ዝተፈጸመ ዘደንቅ ምቅባል ኣጋይሽን ኣብቲ ሽዑ ንበዓል ጳውሎስ ኣብ ባሕሪ ዘጋጠሞም ሽግርን ምስ እዚ ሎሚ ዝኸውን ዘሎ ጉዳይ ስደተኛታትን ባህርን እንክተነጻጽሮ ኣብቲ ሽዑ ብማዕበልን ህቦብላን ባሕሪ ተፈቲንካ ኣብ ደሓን ምስ በጻሕካ ሠናይ ተቅባልን ድንጋጼን እንክርከብ ሎሚ ግን ብኣንጻሩ ካብዚ ኩሉ መዓት ንዝወጹ ክንጸልኦምን ክነጓይኖምን ምርኣይ ዘሕዝንን ኢክርስትያናውን ኢሰብኣውን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብ ኩሉ ዓለም ዝርከቡ ስደተኛታት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ዓመጽን ውግእን ድኽነትን ንክሃድሙ ሓደገኛ ጉዕዞታታ ይፍጽሙ። ከምቲ ጳውሎስ ብጾቱን ኣብ ባሕሪ ዘጓነፎም እዞም ሰባት እዚኦም እውን ኣብ ምድረበዳ ኣብ ቀላያት ኣብ ባሕርታት ኣሎ ዝበሃል ግፍዕን ጸገምን የጓንፎም። እቲ ዘሕዝን ግን ክቅበሎም ዝደሊ ኣብ ደሴታቶም ንክድሕኑ ኣይፈቅዱሎምን። እኳ ደኣ ብዘሕዝን ፍጻሜ ኣብ ገሊኤን ጽልኢ ጽልኢ ብጽልኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ክቡር ወዲሰብ ግርማን ክብርን ዝረኤ ጽልኢ ንዕዘብ። ብገሊኦም ዓመጸኛታት እውን ብዙሕ ግፍዕን ምዝመዛን የጋጥሞም። ሎሚ ከም ሎሚ ሰባት ምዃኖም ተዘንጊዖም ከም ቊጽሪ ጥራይ ክረኣዩን ብገሊኦም ኣመሓደርቲ ዓዲ ከኣ ሓደጋን ስግኣትን ኰይኖም ክቀርቡ ይረኤ። እቲ ዘሕዝን ከኣ እዚ ናይ ጽልኢ ምንጻግ እዚ ካብቲ ዝሃደመሉ ሓደጋን ድኽነትን ጸገምን ዝገደደ ናይ ድኽነትን ሓደጋን ማዕበል ይድርብዮም።”

ምቅባል ኣጋይሽ መሪሕ ቃል ሶሙን ጸሎት ሓድነት ክርስትያን!

ቅዱስነቶም ትምህርቶም ብምቅጻል ነዚ ንኩልና ሸሚሙ ከጥፍኣና ቀሪቡ ዘሎ ጽልእን ፍርህን ፈውሲ እትኸውን እታ ኣብዚ ሶሙን ጸሎት ሓድነት ክርስትያን ከም መሪሕ ቃል ተመሪጻ ዘላ ምቅባል ኣጋይሽ ኣብ ማልታ ናይ በዓል ጳውሎስ ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ ግብረ ሐዋርያት ተመልኪቱ ከምዘሎ ቅዱስ ጳውሎስን ብጾቱን 14 መዓልቲ ኣብ ባሕሪ ብዙሕ ፈተናን ጸገምን ኣጓኒፍዎም ክሳብ ተስፋ ቊርጸት እውን በጺሖምሉ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ እዮም ደሴት ማልታ ዝርእዩ ተቀላጢፎም ኣብኣ ምስ ተጸግዑ እውን እቶም ደቂ ዓዲ ብርሕራሔን ድንጋጼን ተቀቢሎም ሠናይ ሰብኣዊ ተቅባል ከምዝገበሩሎም ዝገልጽ። መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ከምዝገልጾ እቲ ማዕበልን ፈተናን ብርቱዕ ብምንባሩ ገሊኦም ተስፋ ቈሪጾም ክሳብ ምጥፍእ ሕይወት ተፈቲኖም ቅዱስ ጳውሎስ ግን ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረትን ፍቅርን ሓልዮትን እግዚአብሔር ተኣማማኑ እናኣጸናንዖም ኣብ ናይ ድሕነት ደሴት ከምዘብጽሖም ኣብኡውን እቲ ሓልዮትን ፍቅርን ኣምላኽ ብሰብ እታ ደሴት ተገሊጹ ዕረፍትን ሙቀትን መግብን ክረኽቡ ዝኸኣሉሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር ብተግባር ብናይ ምሕረት ሥራሕ ከምዝግለጽ ከምዚ ክብሉ ኣበራሪሆም።

“ሰብ ማልታ ሃንጐፋይ ኢሎም ነዞም ዝተደንገቱ ሰባት ምስ ተቀበሉ እግዚአብሔር ከኣ ብቅዱስ ጳውሎስ ገሩ ብዙሕ ተኣምራታት ናይ ምሕዋይ ለጊስሎም። ስለዚኸስ ከምቲ ሕዝቢ ማልታ ንሓዋርያ ጳውሎስን ብጾቱን ሓልዮት እግዚአብሔር ዝገለጹሎም ሓላዪ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኦም ብሓውርያ ጳውሎስ ክምስክሩ ክኢሎም። ምቅባል ኣጋይሽከስ መንፈሳዊ ሓይሊ ሓድነት ክርስትያን እዩ።”

መንፈሳዊ ሓይሊ ሓድነት ክርስትያን!

ቅዱስነቶም ነቲ ቤተክርስያን ካብ ነዊሕ እዋናት ኣትሒዛ ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ክጽለ ብዝወሰነቶ መሠረት እዚ ሎም ቅነ ነካይዶ ዘሎና ሶሙን ጸሎት ሓድነት ክርስትያን እውን ኩልና ብክርስቶስ ኣሕዋት ምዃና ክንርዳእ ነዚ ኣብነት ሰብ ማልታ ተኸቲልና ነንሕድሕድና ክንቀባበል ብፍቅሪ ክንሰምር ኣሎና ከማይ ምቅባል ኣጋይሽ ኣድላዪ መንፈሳዊ ሓይሊ ሓድነት ክርስትያን ምዃኑ ድሮ ስለዝተረደኣና። ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና እዚ ምቅባል ኣጋይሽ እዚ ኣንፈቱ ናብ ሓደ ወገን ጥራይ እዩ ትኽ ኢሉ እዩ ዝጐዓዝ ንድሕሪት ዘጠምት ወይ ዘምልስ የብሉን። እዚ ከኣ ንዝመጸካ ጋሻ ካብ ዝመጸ ይምጻእ ከም ውህበት ኣምላኽ ከም ምኽንያት ቡራኬ ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባሉ የድሊ። እዚ ጸጋ እዚ ምናልባት ብመንፈዓትና ወይ ካብ ካልኦት ዝበለጽና ኰይኑ ከይስመዓና ጸጋ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ቅዱስነቶም ኣብ ኣርጀንቲና ዘጋጠመ ታሪኽ ይዝክሩ። ሓደ ጉጅለ ካቶሊካውያን ናይ ካቶሊካውያን ዘይኮኑ ወንጌላውያን ዳሳት ከንድዱ ይኸዱ ነሮም። እዚ ፈጺሙ ክኸውን ዘይብሉ እዩ ተግባር ክርስትያን ኣይኮነን ኣሕዋት ኢና ነንሕድሕድና ክንቀባበል ክንተሓቋቈፍ ኣሎና ኢሎም።

“ካብ ናትና ፍልይ ዝበለ ባህሊ ንዘለዎም ክርስትያን ክንቅበል እንከሎና ብቀዳምነት ብወገና ኣብ ልዕሊኦም ንዘሎና ፍቅሪ እግዚአብሔር ንገልጽ ከመይ ኣሕዋትና ዝኾኑ ደቂ እግዚአብሔር እዮም፡ ኣስዒብና ከኣ ነቲ እግዚኣአብሔር ኣብ ሕይወቶም ዝገበሮ ንቅበል ማለት እዩ። ምቅባል ሓድነት ክርስትያን ነቶም ካብታ ናትና ባህሊ ክርስትና ፍልይ ዝበለ ባህሊ ንዘለዎም ካልኦት ክርስትያን ጽን ኢልካ ምስማዕ ንግላዊ ታሪኽ ሕይወት እምነቶምን ማሕበራቶምን ምስትውዓልን እዩ። በዚ ከኣ ፍቅሪ እግዚአብሔር ነርእዮም።”

ፍቅሪ እግዚአብሔር ምምስካር!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ትምህርቶም ናብ ባሕሪ ምልስ ይብሉ እሞ ‘እቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመታት ሓደገኛን ብዙሕ ጸገምን ዝነበሮ ሎሚ እውን ነቶም ዓመጽን ውግእን ድኽነትን ኣገዲድዎም ዝኣትውዎ ሓደገኛን ጸገም ዝመልኦን እዩ። እዞም ስደተኛታት ዝቅበልዎ ጽልእን ኣደራዕን ማለት ንከይኣትው ማዓጹ ዶባትካ ምርጋጥ ዘይተገዳስነት ከኣ ዝገደደ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክርስትያን ዘቦኡ ብቀዳምነት ኩሉዘመደ ኣዳም ሰብኣውነት ለቢሱ ርሕራሔ ከርኢ ዝበለጸ ሓዋርያ ክርስቶስ ብምዃን ከኣ ሓያል ሓድነት ዘሎዎም ክርስትያን ንምፍጣር ክሰርሕ ኣለዎ’ ኢሎም።

“ንሕና ከም ክርስትያን መጠን ንስደተኛታት ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ፍቅሪ ንክነርእዮም ብሓባር ክንሰርሕ ኣሎና። ኣብ ዓለምና ጽልእን ዘይተጋዳስነትን ትርያ ዘይኮነ ነፍሲወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቡር ምዃኑን ብኣኡ ዝተፈቅረ ምዃኑን ክንምስክር ኣሎና ጥራይ ዘይኮነ ንግደድ። ኣብ ማእከል ክርስትያን ዘሎ ፍልልይ ንሕና ክርስትያን ነቲ ጸዋዕታናን ተልእኮናን ዝኾነ ምስክርነት ፍቅሪ እግዚአብሔር ንከይንህብ ዕንቅፋት ኰይኑና ኣሎ።”

ብድምጺ ንምክትታል!

 

22 January 2020, 13:13