ኣባ ኣሚሊዩስ ሓድሽ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣሚሊዩስ ሓድሽ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ዋና ጸሓፊ 

ኣባ ኣሚሊዩስ ሓድሽ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ዋና ጸሓፊ

ምስ ፍልዩ ዋና ጸሓፊኦም ኣባ ዮኣኒስ ላሕዚ ጋይድ ኰይኖም ብፍሉይ ዋና ጸሓፊ ሓላፍነት ንኸገልግሉ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሾሙ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተወላዲ ኡራጉዋይ ኣባ ጐንዛሎ ኤሚሊዩስ ፍሉይ ናይ ግሊ ዋና ጸሓፊኦም ንኽዀኑ ከምዝሰመዩዎምን ነቲ ክሳብ ዕለት 2019 ዓ.ም. ወርሒ ታሕሳስ ብኣባ ፐዳኪዮ ዝምራሕ ዝነብረ ሓላፍነት ዝርክቡ ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ቅድሚ ምሕራዮም ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ኣብ 2006 ዓ.ም. ብዛዕባ ኣባ ጐንዛሎ ኤሚሊዩስ ዝንገር ዝነበረን ብፍላይ ንግዳም ሓደር መንእሰያት ኣብ ምእላይን ፈቕዶ ጐደናታት እናኸዱ ነቶም ኣብ ከቢድ ጸገም ንዝርከቡ መንእሰያት ዘገልግሉን ካብቲ ዝወደቕሉ ከርፋሕ ሕይወት ንኽላቐቑ ዘቕርብዎ ሰብኣውን መንፍሳውን ድጋፍ ይሰምዑ ከምዝነበሩን፡ ኣብቲ እዋን ስልኪ ደዊሎም የተባብዕዎም ከምዝነበሩን፡ ድኻታትን ግዳም ሓደርን መንእሰያት ንምእላይ ኣብ ዘካይድዎ ጻዕሪ ቅርበቶም እውን ይገልጹሎም ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ቃል ኣባ ኤሚሊዩስ ጠቒሱ ይሕብር።

ኣባ ኤሚሊዩስ ተወላዲ ኡራጉዋይ ወዲ 40 ዓመትን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ነቶም ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ካብ 2013 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ታሕሳስ ዘገልገሉ ናብቲ ቀደም ዘገልግልሉ ናብ ዝነበረ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ንዝተመስሉ ኣርጀንቲናዊ ካህን ኣባ ፋቢያን ፐዳኪዮ ንኽትክኡን ብሓባር ምስ ፍሉይ ዋና ጸሓፊኦም ኣባ ዮኣኒስ ላሕዚ ጋይድ  ኰይኖም ብፍሉይ ዋና ጸሓፊ ሓላፍነት ንኸገልግሉ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሾሙ ኣፍሊጡ።

ኣባ ኣሚሊዩስ ሓድሽ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍልዩ ዋና ጸሓፊ
27 January 2020, 17:00