ቤተክርስትያን ሽሕ’ኳ ኣብ ስደት ኰይና ዘይምርዳእ እንተኣጋጠማ ወትሩ ሃንጐፋይ ኢላ ምስ ተቀበለት እያ

ቃል አምላኽ - ‘ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሃቦም፡ ጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዚሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ። … ውሎስ ከኣ ኣብታ እተኻረያ ቤት ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፡ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዂሎምውን ይቕበሎም ነበረ። ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ’ (ግ.ሓ 28,16.3031)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!

ሎሚ ነቲ ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጀመርናዮ ንመጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ዝምልከት ኣስተምህሮ ክንዛዝም ኢና። ነዚ ከኣ በታ ናይ መጨረሻ ሓዋርያዊት ጉዕዞ መዕረፊት ቅዱስ ጵውሎስ ዝኾነት ከተማ ሮማ ኢና ክንገብሮ (ግሐ 28.14)፣ ጉዕዞ ሓዋርያ ጳውሎስ ምስ ጉዕዞ ወንጌል ዳርጋ ሓደ ኰይኑ ማለት በቲ ንኩነታት ክቅይርን ሓደስቲ ጐዳናታትን ክኸፍት ዝኽእል መባዅዕቲ ታሪኽ ዝኽዕነ ቃል እምነት ተደጊፍካ እንተደኣ ብእምነት ነቢርካ ኩሉ ፈተናታት ደቂ ሰባት ናብ መሰጋገሪ መንገዲ ድሕነት ከምዝቅየር ኣርእዩና። ግብረ ሓዋርያት ምዕራፋቱ ብናይ ጳውሎስ ኣብ ሕምብርቲ ሮማዊ ግዝኣት ዝኾነት ከተማ ሮማ ምብጻሕ ይዛዝሞ። እዚ ከኣ ብሰማዕትነት ቅዱስ ጳውሎስ ዘይኮነ እኹል ምዝራእ ቃል ኣምላኽ ይዛዝሞ። ቅዱስ ሉቃስ ወንጌሉ ክዛዝም እንከሎ እውን ቃል ወንጌል ካብ ኢየሩሳሌም ተላዒሉ ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም ክስበኽ ተበጊስሉ ኣብ ዘሎ ሃዋህው ይዛዝሞ። ንግብረ ሓዋርያት እውን ከምኡ ቃል ኣምላኽ ከምቲ ምስ ኢየሱስ ጀሚሩ ክዝራእን ኪዓብን እንከሎ ዝነበሮ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ እውን ቃል ኣምላኽ ኪእሰር ኪዕገት ከምዘይከኣል እኳ ደኣ ንኩሎም ድሕነት ምእንቲ ከበስር ካብ ጻት ናብ ጻት ተጻይ ኩሉ ፈተና ከምዝጐዓዝ የመልክት።

ኣብ ሮማ ቅዱስ ጳውሎስ ብክርስቶስ ኣሕዋቱ ይረክብ እዚኦም ይቅበልዎ ትብዓት ከኣ የሕድሩሉ (ግሐ 28.15)። እቲ ኣቀባብላን ኩነታትን ናይ ኣሕዋት ከኣ ካባኡ ክሳብ ክንደይ ከምዝጽበዩ የተንብሃሉ። ብዓቢ ሃንቀውታ ይጽበይዎ ከምዝነበሩ ይርዳእ። እዝጊ ክገብር ከኣ ዝሕልዎ ወተሃደር ተዋሂብዎ ርእሱ ክኢሉ ክነብር ይውሰነሉ። ከምዚ ሎሚ ማሕዩር ገዛ ንብሎ ኣብ ገዛኡ እናተቀመጠ ዝሕልዎ ወተሃደር ነርዎ። ተኣሲሩ ዘይእሰር ጳውሎስ ከኣ ኣብ ትሕቲ እዚ ሓለዋ እዚ እንከሎ ኣብ ሮማ ንዝነበሩ ዓበይቲ ኣይሁድ ይረኽቦም እሞ ከመይ ገቢሩ ንቄሳር ይግባይ ክብል ከምዝተገደደን እዚ ከኣ ንዓኦም ቃል ኣምላኽን መንግሥቲ ኣምላኽን ንክሰብከሎም ምዃኑ ይገልጸሎም።  ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶ ከረድኦም ይጽዕር። ነዚ ካብ ብሉይ ኪዳን ቅዱስ መጽሓፍ ጀሚሩ እቲ ተስፋ እስራኤል ዝተባህለ ክርስቶስ ከመይ ኢሉ ክውን ከምዝኾነን ምትሕሓዙን ቀጻልነቱን የብርሃሎም (ግሐ 28.20)። ንሱ ንባዕሉ ዕብራዊ ካብ ዕብራውያን ምዃኑ ብምግላጽ ናይ መይቱ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ብሥራት ፍጻሜ ናይቲ ንሕሩይ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ዝተዋህበ ተስፋ ምዃኑ ይገልጽ።

ድሕሪ እዚ ቀዳማይ ዘይወግዓዊ ርክብ እቲኦም ኣይሁድ ንክርስቶስ ክቅበሉ ስንድዋት ምዃኖም የረጋግጽ እሞ ወግዓዊ ጉባኤታት የካይድ ሓደ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚአብሔር ሰቢኹ ልቦም ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸፍቱ ብኣኡ ኪኣምኑ ካብ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ጠቂሱ ንኩሉ የብርሃሎም (ግሐ 28.23)። ጳውሎስ ነዚ እንክብል ብዙሓት ኪቅበልዎ ምስ ጸገሞም ነቲ ኢሳያስ ነቢይ ብዛዕባ ሕዝበ እግዚአብሔር ድንዙዛት ልቢ (ኢሳ 6.9) ንዝብሎ ይጠቅስ እሞ ይወቅሶም። ነቲ ንድሕነት ዝተወፈየ ሕማማት ኢየሱስ ብምግላጽ ከኣ እዚ ነቶም ንእግዚአብሔር ጽን ዝብሉን ቃል ሕይወት ዝኾነ ቃለ ወንጌል ክሰምዑ ንዝኽእሉን ከምዝኾነ ይገጽል (ግሐ 28.28)። ትርኻ ግብረ ሐዋርያት ኣብዚ ምስ በጽሔ ሉቃስ ፍጻሜ ጳውሎስ ወይ ሞቱ ዘይኮነ ስብከት ቃለ እግዚአብሔር ምስ ኩሉ ማእሰርትን ፈተናን ንቅድሚት ከምዝተወንጨፈን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ቃል ኣምላኽ ‘ኣይትእሰርን’ (2ጢሞ 2,9) ማለት ጳውሎስ ኣብ ሰንሰለት ማእሰርቲ እኳ ኣንተተሳቀየ ክንቀሳቀስ እኳ ኣንተዘይከኣለ ክዛረብ ክሰብኽ ይኽእል ነሩ ከመይ ቃል ኣምላኽ ኣይእሰርን እንክብል ቃል ኣምላኽ ወትሩ ብሓደ ሓዋርያ ክስበኽ ስንድው ምዃኑ ብምግላጽ ይዛዝሞ።  ጳውሎስ ነቲ ስብከተ ወንጌል ብብዙሕ ትብዓትን ብዘይ ምንም ተከልክሎን ኣብቲ ዝነበረሉ ዝነበሩ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽን መንግሥቱን ክሰምዑን ክፈልጡን ንዝደልዩ ይገብሮ ከምዝነበረ ይገልጽ (ግሐ 28.31)። እዛ ገዛ እዚኣ ነቶም ልቦም ከፊቶም ንክርስቶስ ሃሰስ ይብሉ ንዝነበሩ ወትሩ ክፍቲ ነበረት ኣማሳል ቤተክርስትያን ከኣ ነበረት። ከመይ ቤተክርስትያን ኣብ ስደትን መከራን ዘይምርድዳእን ማእሰርትን እውን ትኹን በቲ እናታዊ ልባ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ክቅበል ንዝደሊ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ወትሩ ክፍቲ ኰይና ሃንጐፋይ ኢላ ትቅበል።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ምዝዛም እዚ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ጉዕዞ ቃል ኣምላኽ ንሕና እውን ብግደና ሕጉሳትን ተበዓትን ሰብኽቲ ወንጌል ክንከውን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ነዚ ጸዋዕታ እዚ የስርጸልና። ነቲ ብማንም ሰብን ብዝኾነ ግዜን ክረኽበና ንዝመጽእ ሕያው ክርስቶስ ክንቅበል እሞ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ገዛውትና ገዛ ወንጌል ክርስቶስን ማሕበር ሕውነትን ክከውን ጸጋኡ ይዓድለን። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 January 2020, 17:16