ድለ

ልኡካነ መንግስታት ንር.ሊ.ጳ.፥ ንጥፈታትኵም ንብዙሓት ኣሕዛብ ተስፋ እዩ ልኡካነ መንግስታት ንር.ሊ.ጳ.፥ ንጥፈታትኵም ንብዙሓት ኣሕዛብ ተስፋ እዩ 

ልኡካነ መንግስታት ንር.ሊ.ጳ.፥ ንጥፈታትኵም ንብዙሓት ኣሕዛብ ተስፋ እዩ

ቅዱስነቶም ንቤተ ክርስቲያንን ንኣና ኵላትና እውን ነቲ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ናብቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ንኸነብል ናይ ሕልና ጻውዒት ንዝዀነ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ሰብኣውነት ብፍቕርን ተስፋን ንኽንጥምት ዝድርኹናን ዘተባብዑናን ብምዃኖም ብልቢ ምስጋናና ነቕርብ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓ.ም.  ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ንምልውዋጥ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዝጸንሔ ባህሊ መሰረት፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎምን  ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣፈ ጉባኤ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ቀጵሮስ ልኡከ መግንስቲ ጊዮርጊስ ፑሊደስ ብስም ኵሎም ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ኣብ ስነ መላዊ ርክብ መድብለ ጐናውነት ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ከይዝንጋዕ እንክብሉ ዘስመሩሉን፡ ብፍላይ ሎሚ ብሔርተይናነትን ውልቃውነትን ዝብል ናይ ውጥረትን ዓመጽን ኣብሳሪ ዝዀነ ዓይነት ኪደት ናይቲ ኣብ እዋንና ዝርአይ ዘሎ እናተዀላለፈ ዝኻየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም መግለጺ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ትንታነ ዘኪሮም፡ ኣብ መንጐ መንግስታት ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ምስ ዝጐድል ውዑይ ይኹን ዝሑል ብዘየገድስ ውግእ እዩ ዝባራዕ፡ ስለዚህ ነዚ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ጌጋ ንኸይድገም ምግባር ዝከኣል እዩ፡ ግዜ ኣይነባኽን ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ወስታን ቃላትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘካየድዎም ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻታት

ኣብ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየድዎ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻታት ካብ ሕቡራት ኤሚራት ዓረብ ተበጊሶም ኣብቲ ናይ ኤሚራት ዓረብ መገሻኦም ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕማድ ኣል ጣይብ ተራኺቦምን ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል  ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ናይ ሓባር ሰነድ ብፍሉይ ይዝከር ዝበሉ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣፈ ጉባኤ ኣስዒቦም፡ ርህውን መድብላውን ቅኑዕን ተሓባርን ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሓበሩሉ ናይ ሞርኮ ሓዋርያዊ መገሻኦምን ኣብ ሮማኒያን ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያን ተመሳሳሊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ኣብ ብዙሕነት ሕውነት ምንባር ዝከኣል ምዃኑ ዘረጋግጽን ሕውነት ክተባባዕን ክንበርን ዘለዎ ኣገዳስነት ዝምስክር እዩ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ከምዝዘከሩ ኣፍሊጠን።

ኣብ እስያን ኣፍሪቃን፥ ናይ ምትሕብባርን ሰላምን ጻውዒት ቅዱስነቶም

ኣብ እስያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝዘከሩ ኣፈ ጉባኤ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፥ ታይላንድ ንስደተይናታት እተእንግድ ሃገር ምዃና ከም ኣብነት ጠቒሶም ዓለም ሓቆፍ ናይ ምትሕብባርን ስምረትን ስነ ምግባር ዘለዎ ኣገዳስነትን እተመላኽት ሃገር እያ ዝበልዎን፡ ኣብ ናይ ጃፓን ሓዋርያዊ መገሻኦም፡ ምህርቲ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኰነ ምውናኑ ኢግብረ ገባዊ እዩ እንክብሉን ሰላም ሕድ ሕዳዊ ምጽናት ከይህሉ ዝብል ፍርሒ ዝውሕሶ ኩነት ማለት ኣይኰነን እንክብሉ  ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘይርሳዕ እዩ ከምዝበሉን ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪቃ፥ ኣብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ዘካየድዎ ምብጻሕ፡ ሰላም ውሑስ ክኸውንን ምኽባር ምህዳርን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ባህልታትን ዓሌታትን ተማላእነት ክህሉን ዝብል ዝሃብዎ ምዕዳን ናይ ሰላም መሰረት እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ይሕብራ።

ሕንጸትን ዘተ ኣብ መንጐ ውስጥ ወለዶታትን

ጊዮርጊስ ፑሊደስ፥ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ወለዶታት ሕድ ሕዳዊ ጽን ምብህሃል ዘለዎ ኣገዳስነት ቅዱስነቶም ኣተሓሳሲቦም ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጐ ዓበይቲ ኣካላትን መንእሰያትን ናይ ሓባር ዘተ ዘተኰረ ንሓደ ርሁውን ኣአንገድን ሕብረተሰብ ሕንጸት ሸቶ ዝገበረ ዓውደ ርክብ ክካየድ ዘቕረብዎ ጻውዒትን፡ ሰፊሕ ናይ ሕንጸት ቃል ኪዳን ዝብል መላእ ናይ ሕብረተሰብ ክፍለ ኣካል ዘጠቓልል ንመንእሰያትን ምስ መንእሰያትን ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘንበሩሉ መደብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ይዝክሩ።

ፍቕሪ ነቲ ናይ ሕልና ሕቶ ዝዀነ ሕብረተሰብ

ኣፈ ጉባኤ ዘስምዕዎ መደረ፥

ቅዱስነቶም ንቤተ ክርስቲያንን ንኣና ኵላትና እውን ነቲ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ናብቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ንኸነብል ናይ ሕልና ጻውዒት ንዝዀነ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ሰብኣውነት ብፍቕርን ተስፋን ንኽንጥምት ዝድርኹናን ዘተባብዑናን ብምዃኖም ብልቢ ምስጋናና ነቕርብ!

 እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ልኡካነ መንግስታት ንር.ሊ.ጳ.፥ ንጥፈታትኵም ንብዙሓት ኣሕዛብ ተፋ እዩ
10 January 2020, 17:29