ር.ሊ.ጳ.፥ ከሓዲያን ጣዖታት የገልዉትና እግዚኣብሔር ግና ሓርነትና እዩ

ምስ ኢየሱስ ናይ ምርኻብ ተመክሮ፡ ኣብ ሓድሽ መገዲ ንኽትጓዓዝ የብቅዓካ ፡ ምስኡ ምርኻብ ሓድሽ ልቢ ዝፍውስ ካብ መንፈስ ክፍኣት ዘርሕቕ ሓይሊ የጸግው!

ልክዕ ከምቶም ሰብ ጥበብ፡ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ካብቲ ንጊልያነት ዝድርኸና ኣምልዀ ንገንዘብን ስልጣንን ዝብል መገዲ ዝተፈልየ ኣብ ሓድሽ መገዲ ንኽንጓዓዝ ይመርሓና፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ሎሚ በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ ኣብ ዘተበዓለሉ ዕለት 6 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽቡሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መርሖም ብሓባር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዝዀነ ክፍለጥ እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሎሚ ወንጌል (ማተዎስ ምዕ. 2. 1-12) እቶም ሰብ ጥበብ ስግደትን ኣምልዀን ፈጺሞም ኣብ ምምላሶም ኣእጋሮም ኣብታ ዝመጹላ መገዲ ከይውዓሉ ናብ ሄሮዶስ ኣብ ዘብጽሖም መገዲ ከይርከቡ መታን ኣብ ድቃሶም ዝተወሃቦም ሓበሬታ መሰረት፡ መገዶም ቀይሮም ናብ ዝመጽሉ ንኽምለሱ ኣብ ጉዕዞ ይርከቡ፥

ኣብ ቅድሚ ሕጻነ ኢየሱስ ስግደትን ኣምልዀን ይፍጽሙን ብሉጽ ዝዀነ ገጸ በረኸት እውን የቕርብሉ፡ ከየማትኡ ድማ በቲ ዝተሓበሮም መገዲ ናብ ዝመጹላ ሃገሮም ይምለሱ፡

ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ኣብ ጉዕዞ ንኸነብል ይድርኸና

ኣገባብ ኣገላልጻ ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ እንታይን ከመይን እዩ፡

ተመክሮ ምስ እግዚኣብሔር ኣየዕንደናን፡ ናጻ የውጽኣና፡ ኣብ ጉዕዞ ንኽንርከብ ይድርኸና፡ ናብቲ ልሙድ ዝዀነ ናይ ህልውናና ባይታ ንኸነብል ይድርኸና፡ እቲ ልሙድ ናይ ዕለታዊ ባይታ ህላዌና ከምቲ ዝነበሮ ክነሱ፡ ዝልወጡ ንሕና ንኸውን፡ ስለዚህ እቲ ተመክሮ ምስ እግዝኣብሔር ይልውጠና፡

ኢየሱስ መገድታትና ይሕድስ

ሰብ ጥበብ ምስ ሄሮዶስ ንኸይራኸቡ መታን መገዶም ዋላ ዝነወሔን ዘድክምን ዝኸውን እውን እተነብረ ቀይሮም ናብ ዓዳቶም ንኽምለሱ ኣብ ድቃሶም ዝተወሃቦም ሓበሬታ የኽብሩ፡ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዘንበረሎም ሓድሽ መገዲ መሰረት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ይጓዓዙ፡

ምስ ኢየሱስ ናይ ምርኻብ ተመክሮ፡ ኣብ ሓድሽ መገዲ ንኽትጓዓዝ የብቅዓካ ፡ ምስኡ ምርኻብ ሓድሽ ልቢ ዝፍውስ ካብ መንፈስ ክፍኣት ዘርሕቕ ሓይሊ የጸግው!

ጣዖታት ኣእጋርና ዝጠናንጉ ከሓድያን እያቶም፡ እግዚኣብሔር ግና ሓርነትና እዩ

ናብ ገዛእ ሃገርካ ምምላስ፡ ግና ብካልእ ሓድሽ መገዲ ኣቢልካ፡ እቲ ዝልወጥ እቲ መገዲ ዘይኰነስ ንሕና ኢና! ከባቢና ንሱ እቲ ዝነበረ እዩ እቶም ዝልወጡ ንሕና ኣብቲ ዝነበረ ከባቢና እንነብር ኢና፡ እቶም ዝተፍፈላለዩ ጣዖታት ኣእጋርና ይጠናንጉን ጊላዎት ይገብሩና፡ እግዚኣብሔር ግና ሓርነትና እዩ፡ ንሱ ኣባና ናጻን ንሕና ኣብኡ ናጻን …

ሃብቲ ገንዘብን ዓወትን ስልጣንን ዝኽሕዱ ጣዖታት እያቶም፡ … ግዙኣቶም ይገብሩና፡ እቲ እውነተይና እግዚኣብሔር ግና ናጽነትና እዩ፡ … ብኣና ዘይዕገትን ዘይዓግትን፡

ቢሎም ኣብቲ ዘለናሉ ከባቢ ብጐይታ ፍቕሪ ናይ ዝተለወጠ ሓድሽ ሕይወት መሰኻኽር ክርስቶስ ንኽንከውን ንማርያም ደግፍና ንበላ ቢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከምዘዕረጉ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ከሓዲያን ጣዖታት የገልዉትና እግዚኣብሔር ግና ሓርነትና እዩ
07 January 2020, 09:34