Pope Francis ordains new priests and conducts a holy mass in Saint Peter's Basilica Pope Francis ordains new priests and conducts a holy mass in Saint Peter's Basilica  ርእሰ ዓንቀጽ

ንክህነታዊ ግትኣተ-ሩካቤ ስጋ (ምናነ) ኣበርክቶ ኣብ ውሉዳዊ ተኣዝዞ ንር.ሊ.ጳ.

ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታ ዝንበር ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ሃምነናዊ ውሳኔ ኣይኰነን ኰይኑ እውን ኣይፈልጥን፡ እንታይ ደኣ ዓቢይ ጸጋ ብዝብል ኣገላጻ ኣብ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተ ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን ደንብን ዝዀነን

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ስርዓተ እምልዀን ስግደትንዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብሓባር እቲ ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ዝንበር ግትኣተ - ሩካቤ ስጋ (ምናነ) ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ዝደረስውዎን ንንባብ ዝበቕዕ መጽሓፍ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ እዋን ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘቃልሕ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ ብወገነይ መብጽዓ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታ ንቤተ ክርስቲያን ጸጋ እዩ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘረጋግጽ መጽሓፍ እዩ እንክብሉ ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክምዝሓበሩ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜናን ቫቲካን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘውጽእ ርእሰ ዓንቀጽ ጠቒሶም ፡ እቲ ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ጆሰፍ ራትዚንገርን ናይ ስርዓተ ኣምልዀ ጉዳይ ዝኸታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ብሓባር ብዛዕባ ክህነትን መብጽዓ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ (ንጽሕና-ምናነ) ስድህስስ ዝደረስዎ ዕለት 15 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዕ መጽሓፍ ኣመልኪቱ ለ ፊጋሮ እተሰምየ ናይ ፈረንሳ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝሃበሉ ቅድመ ሓተታ፡ እቶም ናይታ መጽሓፍ ደረስቲ ብቐጥታ ኣብቲ ንዝተመርዓዉ ሰብ ሓዳር ማዕርገ ክህነት ምሃብ ዝብል ከም ሓሳብ ዝቐርብን ምይይጥ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ዓውዲ ይሳተፉ፡ ራትዚንገርን ሳራሕን ክልቲኣቶም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘለዎም ውሉዳዊ ተኣዝዞ ኣረጋጊጾም፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ብዘለዎም ፍቕርን ቀናእነትን መንፈስ ተመሪሖም ደለይቲ ሓቂ ምዃኖም ሓቢሮምን፡ ስርዓተ ንጽሕና ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ምክልኻል ኣገዳሲ ምዃኑ መርትዖታቶም የቕርቡ፡ ብሓጺሩ ንጽሕና ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ዝብል ውሳኔ ከይቕየር ይላበዉ። እታ መጽሓፍ 175 ገጽ ዘለዋን ብክልቲኣቶም ደረስታ ናይታ መጽሓፍ መእተውን መደምደምታን ጽሑፍ ብሓባር ዝኸተሙሉን ማዕርገ ክህነትን ንጽሕናን (ግትኣተ ሩካቤ ስጋ-ምናነ) ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ብክልተ ነቢብ ወይ ሰረተ ሓሳብ (እቲ ሓደ ናይ ራትዚንገር እቲ ካልኣይ ከኣ ናይ ሳራሕ)፥ እተብርህ እያ።

ናይ ካርዲናል ሳራሕ ሰረተ ሓሳብ፡ ኣብ መንጐ ክህነትን ንጽሕናን (ግትኣተ ሩካቤ ስጋን) ስነ ህላዌኣዊ -ምስጢረ ቅዱስ ቁርባናዊ ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ምትእስሳር’ዚ ዘዳኽም ዝዀነ ይዅን ሓሳብ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ናይ ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ዮሓንስ ጳውሎስን ናይ በነዲክቶስ መበል 16ን ስልጣናዊ ትምህርቲ ምጽራር እዩ ዝኸውን ቢሎም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝዀነ ይኹን ነዚ ስነ ህላዌኣዊ ቅዱስ ቁርባናዊ ምስጥር ዘለዎ ተራኽቦ ክከላኸሉን ብውሳኔ ዘይቕየር መብጽዓ እዩ ቢሎም ዝዀነ ይኹን ነዚ ምትእስሳር’ዚ ዘዳኽሙ መርትዖታት ዘይቕብሉ እዩ ዝብል ውሳኔ ክህቡሉ ንምሕጸን ይብሉ፡ ኣስዒቦም እውን፡ ንሰብ ሓዳር ማዕርገ ክህነት ምሃብ፡ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጥፋኣትን (ዕንወትን) ስነ ቤተ ክርቲያናዊ ምድንጋራትን ንርድኢት ክህነታውነት ክውለት ምፍጣር እዩ ዝኸውን ይብሉ።

በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ መጽሓፍ ኣብ ዝደረስዎ ሓጺር ጽሑፍ፡ ናብ ጥንታዊ ዕብራዊ - ኣይሁዳውን ክርስትናን እምነት ኣንሳር ምልስ ቢሎም፥ ክህነትን ግትኣተ ሩካቤ ስጋ - ንጽሕና ካብቲ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ኣቢሉ ምስ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝኣተዎ ሓድሽ ቃል ኪዳን ብጋሴ ኣትሒዙ ዝተወሃደ እዩ፡ ኣብ ቀዳማይ ሽሓዊ ዓመታት ማለት ኣብ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ምስጢረ ክህነት ዝቕበሉ ምርውዑዋት ነይሮም እዮም፡ እዚ ግና ድሕሪ ዝቕበልዎ ማዕርገ ክህነት ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ማለት ንጽሕናን ምሉእ ብምሉእ ምንባር ዝሓትት እዩ፡ ስለዚህ ሕርመት ሩካቤ ስጋ ዘኽብሩ እንተድኣ ኰይኖም እዮም ማዕርገ ክህነት ዝቕበሉ ዝነበሩ።

ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታ ዝንበር ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ሃምነናዊ ውሳኔ ኣይኰነን ኰይኑ እውን ኣይፈልጥን፡ እንታይ ደኣ ዓቢይ ጸጋ ብዝብል ኣገላጻ ኣብ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተ ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን ደንብን ዝዀነን ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርትን እውን እዩ፡ ናይ ምስራቕ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምርዑዋት ማዕርገ ክህነት ክቕበሉ ይኽእሉ ትብል፡ ኣለዉ እውን፡ ኣብ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይነት በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 4 ሕዳር 2009 ዓ.ም. Anglicanorum coetibus-ጉጅለ ኣንግሊካውያን”  ብዝብል ኣርእስቲ ነቶም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክምልሱ ዝሓቱ ኣንግሊካውያን ጳጳሳትን ካህናትን ምእመናንን ዘመሓድር ዝኣወጅዎ ሓዋርያዊ ስርዓት ክፍሊ ሓዋርያዊ ቅዋም መሠረት ዝዀነ፡ ቅቡላት ዝብሎም፡ እቶም ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምለሱ ነበር እንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ሓዳር እንተድኣ ነይሮም ምስጢረ ክህነትን ምስጢረ ተክሊልን ኣጣሚሮም ንኽነብሩ ፍቓድ ዝህብ እዩ፡ ኣብቲ እዋን ካርዲናል ቦርጐሊዮ እውን ብወገኖም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብታ ምስ ራባይ ኣብራሓም ስኮርካ ዘካይድዎ ዘተ መሰረት ዝተሓትመ መጽሓፍ፥ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ምስቲ ኵሉ ዘለዎ እወታውን ኣሉታውን ሳዕቤናቱ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዘመናት ካብ ጌጋታቱ እወታዊ ተምክሮታቱ ዘመዝን ኰይኑ ንረኽቦ ዝበልዎ ሓሳን ነንብብ፡ ባህሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ርዝነትን ብቕዓትን ኣለዎ፡ ዝሓለፈ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ካብ ፓናማ ናብ ሮማ ንኽምለሱ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክልተ ዓይነት ኣማራጺ ሓሳብ ነይሩ እዩ፡ ምስጢረ ተክሊልን ክህነትን ዝብል ቅድሚ ማዕርገ ዱቁና ምቕባሉ ምስጢረ ተክሊል ይኣስር፡ ስለዚህ በዓል ሓዳር ካህን ይኸውን፡ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ዝመርጹ እውን ኣለዉ፡ ብዛዕባ ናይ ላቲን ስርዓት ቅድሚ ምዝራበይ ግና ይብሉ፡ ኣብ ሓደ እዋን ጳውሎስ ሻድሻይ፥ “እቲ ብዛዕባ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ (ንጽሕና-ምናነ) ዝምልከት ሕጊ ቅድሚ ምቕያረይ ሕይወት ክትሓፍ እመርጽ” ዝበልዎ ቃል ክዝክር እፈቱ ቢሎም፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ነቲ ሓሳብ ዝገለጽዎ ኣብቲ ጽንኩር እዋን 1968 - 1970 ዓ.ም. እዩ ነይሩ፡ … ብወገነይ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ - ንጽሕና ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጸጋ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡ ስለዚህ ንጽሕና ከም ኣማራጺ ክኽውን ወይ ኣማራጺ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ እቃወም፡ … ኣብ ገለ ገለ ከባቢ ዓለም ኣብቲ ምጥፋእ ምድሪ ዝበሃል ኣዚዩ ርሑቕ ዝዀነ ዘይብጻሕ ተባሂሉ ዝንገረሉ ከባቢ ንዘሎ ዋሕዲ ካህናት ግምት ብምሃብ ንኣብነት ኣብ ከባቢ ደሴታት ፓሲፊክ ሰብ ሓዳር ደቂ እቲ ከባቢ ማዕርገ ክህነት ክቕበሉ ዝፈቅድ ፍልዩ ውሳኔ ክመሓላለፍ ዝብል ሕቶ ዘቕርቡ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ነይሮም እዮም፡ ንጽሕና ቅድሚ ማዕርገ ድቁና ኣማራጺ ክኸውን ዝብል ኣመለኻኽታ ኣይቅበሎን፡ እዚ ናይ ግለይ ኣመለኻኽታ እዩ፡ እዚ ክብል እንከለዅ ዕጽው ስለ ዝዀንኩ ኣይኰነን ዝበልዎ ሓሳብ ቶርኒየሊ ኣብ ዘወጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ኣዘኻኺሮም፡ ኣተሓሒዞም … ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ብዛዕባ ንጽሕናን ማዕርገ ክህነት ዝብል ምስ ናይ ክውንነት ምጥፋእ ምድሪ ከባቢ ብምትሕሓዝ ኣብቲ ዛዕባ ኣማዞም ኣብ ዝመኸረ ሲኖዶስ ምይይጥ ተገይሩሉ እዩ፡ ኣብቲ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፡ ብሓደ ወገን ዝተመርዓዉ ቀወምቲ ዲያቆናት ዝዀኑ ማዕርገ ክህነት ክቕበሉ ዝብል ሕቶ ናይ ዘቐረቡ ጳጳሳት ሓሳብ ነንብብ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. እቲ ካብ ጅማረኡ ክሳብ ፍጻሜኡ ዝተኸታተልዎ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ኣብ መዛዘሚ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብዛዕባ ማዕርገ ክህነት ንምርዑዋት እውን ዝብል ሓሳብ ጠሪሾም ብተንከፍ እውን ኣየልዓልዎን፡ በንጻሩ ብዛዕባ ብህልትውናን ስነ ምህዳርን ማሕበራውን ኣብ ምወዳእታ ማዕዶት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ኣተኵይሮም ብዛዕባ ምህዞ ሓደስቲ ተልእዀ ወንጌላውነትን ግደ ደቀንስትዮን ኣብተን ወንጌል ዝሰፍሓለን ከባቢታት ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ ክህነትን ዝምልከትን ናብቲ ቀዳማይ ዓለም ተባሂሉ ዝጽውዕ ከባቢ ዓለም ልኡካነ ወንጌል ዘድልዩሉ እዋን ከምዝተኸስተን፡ ሎሚ ኤውሮጳን ሕቡራት መግስታት ኣመሪካን ብሓፈሻኡ እቲ ቀዳማይ ዓለም ዝበሃል ናብ ኣማዞን ዝልኣኹ ካህናት የብሉን ዋሕዲ ካህናት ስለ ዘጋጥም ዘሎ፡ ንገዛእ ርእሱ ልኡካነ ወንጌል ይቕበል ኣሎ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ይሕብሩ።

ቅዱስነቶን ዘስምዕዎ መደረ እንከጠቓልሉ፡ መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ሲኖዶስ ብምክትታል ንዘቕረበኦ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፡ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ክቃልሓን፡ እቲ ናይቲ ሲኖዶስ ብሉጽ ትንታኔ ከፍልጣን፡ እቲ ሲኖዶስ ብሓቂ ብዝበለጸ ገዛእ ርእሱ ገሊጹሉ ዝበሃል፡ ዝሃብዎ ባህላውን ማሕበራውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ስነ ምህዳራዊ ትንታነታቱ፡ ባዕሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒ እውን ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ብዛዕባ መርዓግ ክህነት ንምርውዓት ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ልክዕ ከም ናይ ፖለቲካ ውድብነት ዝመስል መን ስዒሩ መን ተሳዒሩ ብዝብል ኣመለኻኽታ ኣብ ዝተፈላለያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት እንታይ ተወሰነ እንታይ ተባህለ ንምሕባር ኣብ ዝብል ሕጹር ኣገባብ ከይተኰራ ሓደራ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ከምዝመለሱ ቶርኒየሊ ኣዘኻኺሮም ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

ንክህነታዊ ግትኣተ-ሩካቤ ስጋ (ምናነ) ኣበርክቶ ኣብ ውሉዳዊ ተኣዝዞ ንር.ሊ.ጳ.
14 January 2020, 17:26