ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ሰበኻ ግረቾ

ልብና ብሓሴት ተመሊኡ፡ ሓዘን ኣብ ዘለሉ ሓሴት፡ ኣብቲ ተስፋ ዝጠፍአሉ ተስፋ ንኸበብጽሕ

ድሕሪ 2016 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኻልኣይ ግዜ ኣብታ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ንፈለማ ግዜ ቅዱስ ፍርንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ ዘቖሞ ትርኢት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዒ ማል ፊት ጸሎት ኣዕሪጐምን ብዛዕባ ትርኢት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መምብልዕ ማል Admirabile signum - ዘደንቅ ምልክታ  ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከቲሞም ውግዓዊ ከምዝገበሩ ልእኽቲ ጋዚጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ታሕሳስ 2019 ዓም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብታ ንፈለማ ግዜ ዛዕባ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዒ ማል ዘዘንትው ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ ዘቖሞ ትርኢት ልደት ዘእግዚኣነ ዝርክበላ ካልአይቲ ቤተ ልሔም እንክብሉ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ዝሰመይዋ ሰበኻ ግረቾ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ናብ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ዘሰንየና ዘመነ መጽኣት ዘደንቕ ምልክታ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ፈሪሞም ወግዓዊ ከምዝገሩ ዝሓበራ ሰፒያ ኣስዒበን፡

ሓዋያዊ መልእኽቲ፥ ዛዕባ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዒ ማል

ቅዱስነቶም ኣብ ከተማ ግረቾ ምስ በጽሑ ንብፁዓን ጳጳሳን ግረቾብ ነታ ናይታ ከተማ ከንቲባን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ብቐጥታ ናብታ ቤተ መቕደስ መብልዒ ማል ከይዶም ብግሊ ናይ ጽሞና ጸሎት ኣዕሪጐም፡ Admirabile signum - ዘደንቅ ምልክት ሓዋያዊ መልእኽቶም ፈሪሞም ንመላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብዚ ኣብ ዘመነ ምጽኣት፡ ነቲ ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘኣሲዚ ዝበሎ፡ ወንጌል ኣበስር ኣድላይ ምስ ዝኸውን ብቓል ዝብል፡ እምነት ክርስትና ብግብረ ኣስዳዕነት ዘይኰነ ብቃልን ሕይወትን ይመስክር ዝብል ምዕዳኑ መሰረት ንትሑታትንን ሓጥኣንን ናይ እምነት ሓሴት ምክፋል ዝብል ሕይወት ክርስትና ሓደራ ዝብልን፡ ናይ ኢየሱስ ድኻን ትሑትን ፍቕሪ ኣበስሩ ዝብል ጻውዒቲ ዘቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጠን።

ኣገዳሲ ነገር ምእንጋድ

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ካብ ባዚሊካ መብልዕ ማል ምስ ወጹ ካብ ግረቾን ሪየቲን ዝተዋጽኡ  ዛዕባ ሕይወት ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘኣሲዚ እተዘንትው ኣህዛብ ሃየ ንዑ ዘርእስታ መዝሙር ብዘቕርቡ ሕጻናት ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡ ስነ ስርዓት ንባብ ቅዱስ ቃልን ካብታ ዝደረስዎ ዛዕባ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል እተብርህ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝተወስዱ ምንባባት ከምእተሰምዔ ሓቢረን፡ ድሕሪ እዚ መንፈሳዊ መደ’ዚ ቅዱነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ፥

ኣብ ታሪኽ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንፈለማ ግዜ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ፡ ኣብዚ ንእሽተይ ስፍራ ጸባብ መብልዕ ማል ነቲ ኢየሱ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ልሔም ኣብ ዝርከብ መበል ማል ምውላዱ ዘዘንትው ምርኢት ቐውም፡ ኣብ ፊት እቲ ትርኢት ልደት ዘእግዚእነ ቃላት ኣየድልን እዩ፡ ብጽሞና ነቲ ትርኢት ልደት ዘዘንተው ጽን ምባል እዩ ዘድልይ፡ እቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ምእንጋድ።

ናይ እምነት ምስጢር ብምርኢት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል

ኵሉ ውሳጤኻ ሱቕ ኣቢልካ ብዘይ ጫውጫውታ ብጽሞናን ብዘይ ቃላትን ኣብ ፊት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ትርኢት ፊት ነቲ  ድኻን ኣብ መብልዒ ማል ንኽውለድ ናይ ዝሓረየ ኢየሱስ ሕጻን ጽባቔ ምስትንታን፡

እግዚኣብሔር ሰብኣዊ ኩነትናን ሕይወናን ክሳብ ምክፋል ኣፍቀረና፡ ንበይንና ኣይሓድገናን እዩ፡ በቲ ዝተሓብኤ ግና ርኡይ ዝዀነ ህላዌኡ ኣቢሉ የሰንየና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ፡ ኣብ ሓሴትን ጓህን ንሱ ኣማኑኤል እዩ፡ እግዚኣብሔር ምሳናን ኣብ ማእከልናን እዩ።

ሸልልተይናነት ዝቕንጥ ፍሽኽታ ማርያም

ኣብ ማእከል ድኽነትን ኣብ ንኡስ ሰብኣዊ ፍትረን ሕጻን ኰይኑ ዝተወልደ ወልደ እግዚኣብሔር ፊት ልክዕ ከምቶም ጓሶት ልባትና ብሓሴት ክምላእ ክስምዓና ኣለዎ፥

ልብና ብሓሴት ተመሊኡ፡ ሓዘን ኣብ ዘለሉ ሓሴት፡ ኣብቲ ተስፋ ዝጠፍአሉ ተስፋ ንኸበብጽሕ፡ ቦታ ስለ ዘይረኸበት ኣብቲ መብልዕ ማል ንወዳ ንዘንበረቶ ማርያም ገዛእ ርእስና ነምስል፡ ምስኣን ምስ ቅዱስ ዮሴፍን … የዕንትና ኣብ ሕጻነ ኢየሱስ ክጥምታ ንግበር፡ እቲ ኣብታ ጸላም ለይቲ ዝተራእየ ፍሽኽታ ማርያም ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘይተገዳስነት ክቕንጥጥን እቲ ኣብ ሰማየ ሰማያት ዘሎ ኣቦ ከምዘፍቅሮ ዝስምዖ ልቢ ኩሉ የርህው

ከምዝበሉ ገሊጸን ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም ብሔሊኮፕተር ተጓዒዞም ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ሄሊኮፕተር  ልክዕ ሰዓት ሓሙሽ ድሕሪ ቐትሪ ክምዝበጽሑ ሰፒያ ገሊጸን።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ሰበኻ ግረቾ

 

02 December 2019, 16:59