ድለ

መበል 32 ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መበል 32 ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ  

መበል 32 ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

እቲ ሓድሽ ቅዋም ኣብዚ 2019 ዓ.ም. ተጠናቒቑ ንውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክመሓላለፍ እዩ

ክሳብ ዕለት 4 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር - ኩሪያ ሮማ መደብ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ናይ ቅዱስነቶም መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካዲናላት ዓውደ ኣኼባ ብቕዱስነቶም ተመሪሑ ሎሚ ዕለት 2 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. መበል 32 ዓውደ ኣኼባ ከምዝጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ብመሰረት ናይ ቅዱስ ኣቦና መደብ ሕንዳሴ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕደራ - ኵሪያ ሮማና ዝምረሓሉ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘሎ ስርዓተ ሕጊ Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ ብዝብል ኣርእስቲ ንምሕዳስ ዘርቀቖን ዘጽደቖን ሓርፋፍ ሰነድ ኣማእኪሉ ካብ ዕለት 17 መስከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረ 2019 ዓ.ም. ዘካየዶ ኣኼባ መሰረት ገይሩ ዝዝትይ ምዃኑ ናይቲ መማክርት ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ እዚ ሓድሽ ቅዋም’ዚ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ዕለት 28 ሰነ 1988 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Pastor Bonus - ሕያዋይ ጓሳ ብዝብል ኣርእስቲ ዘጽደቕዎ 193 ዓንቀጽ ዘለዎን ስዒቡ እውን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2011 ዓ.ም. ብዝነበሮም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ሰለስተ ዓንቀጻት ኣጽዲቖምን ኣዊጆምን ክሕደስ ንዝገበርዎን፡ ዝትክእ ከምዝዀነ ሓቢሮም፡ እቲ ሓድሽ ቅዋም ኣብዚ 2019 ዓ.ም. ተጠናቒቑ ንውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክመሓላለፍ እዩ ኢሎም፡ ኣብቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ቅዱስነቶም ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተማእከለ ከምዝኸውን ይገልጹ።

እቲ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቖምዎ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ተጉቹጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋ በኣወሃሃዲ ስልጣንን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን፡ ናይ ሙዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ናይ ቦስተን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦማለይን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ናይቲ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮን ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ናይ ክረዚማ ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ዝሓቑፍ ከምዝዀነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

መበል 32 ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ
02 December 2019, 17:14