ምርጫኻ ክርስቶስ እንተኾይኑ ናብ ጠንቋሊ ዘኽይድ የብልካን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ኣብቲ ቀዳማይ ብምኽንያት ሓዋርያዊ መገሻ ኣብቲ ካልኣይ ከኣ ብዛዕባ መገሻኦም ንምግላጽ ኣቋሪጾሞ ዝቀነዩ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንምቅጻል ሎሚ ሮቡዕ ረፍዲ ከምቲ ልሙድ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝበይዎም ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላም ኢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም።

ቃል አምላኽ፡ - ‘እምበአርከስ ሠለስተ ዓመት ዚኣክል ለይትን መዓልትን ንነፍስ ወከፍኩም ብንብዓት ካብ ምምዓድ ከምዘየቋረጽኩ እናዘከርኩም ንቕሑ። ሕጂ ኸኣ ናብ እግዚአብሔርን ናብቲ ኺሃንጸኩምን ምስ ኩሎም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን፡ ኣማዕቊበኩም ኣሎኹ። ናይ ሓደ እኳ ብሩር ኮነ ወርቂ ወይ ድማ ኽዳን ኣይተመነኹን። ንግድነተይ ንናይቶም መናብርተይ እዘን ኣእዳው እዚኣተን ከም ዝሓለያ ባዕልኻትኩም ትምስክሩ ኢኹም። ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉ `ካብ ምቕባልሲ ምሃብ እዩ ኣዚዩ ዝተባረኸ’ ዝበሎ ቓላት ብምዝካር፡ ከምኡ ጌርና እናጻመውና ንድኹማት ምንባይ ከም ዚግባእ ብዅሉ መንገዲ ኣርኣኹኹም’ በሎም (ግሐ 20.32-35)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ከምቲ ኣብ መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ተመልኪቱ ዘሎ ጉዕዞ ወንጌል ኣብ ዓለም ብዘይምቚራጽ ይቅጽል። ንከተማ ኤፈውሶን ከኣ ነቲ ሒዝዎ ዝመጸ ድሕነት የብጽሑላ። ቅዱስ ጳውሎስ ምስጋና ይኹኖ ከባቢ ዓሠርተ ክልተ ብስም ኢየሱስ ይጥመቁ ነቲ ዳግም ዝፈጥር መንፈስ ቅዱስ ተቀቢሎም ከኣ የስተማቅሩ። (ግሐ 19.1-7) ነዚ ስዒቡ ብሓዋርያት ብዙሕ ተኣምራት ተፈጺሙ። ሕሙማት ተፈዊሶም ብርኹሳት ኣጋንንቲ ዝተታሕዙ ተናጊፎም (ግሐ 19.11-12) እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ተማህራይ ከም መምህሩ ክኸውንን ክገብርን ስለዘለዎ እዩ (ሉቃ 6.40)። እዚ ከኣ ነታ ንሱ ዝተቀበላ ሓዳስ ሕይወት ንኣሕዋቱ ብምክፋል ይገብራ።

ኣብ ኤፌውሶን ሓዋርያት ብስም ኢየሱስ ኣጋንንቲ ከውጽኡ ምስ ረኣዩ ገሊኦም ብዘይ ምንም ሥልጣን ንመኽሰቦም ክብሉ ከም ጥንቈላ ስም ኢየሱስ ክጥቀሙ ይፍትኑ (ግሐ 19.13-17) እዚ ድኻምነት ጥበብ ጥንቈላ የጋልጽ። ብዙሓት ከኣ ነዚ ገዲፎም ብኢየሱስ ክርስቶስ ይኣምኑ (ግሐ 19.18-19)። እዚ ፍጻሜ እዚ ንከተማ ኤፌውሶን ዚኣመሰላ ማእከል ናይ ጥበብ ጥንቈላ ዝነበራ ዓቢ ውድቀት እዩ። ቅዱስ ሉቃስ ኣብ መንጎ እምነትን ጥንቈላን ምንም ማእከላይ መንገዲ ወይ ዘራኽብ ከምዘየሎ ይገልጽ። ንክርስቶስ እንተደኣ መሪጽካ ናብ ጠንቋሊ ዝወስድ የብልካን። እምነት ክንብል ከሎና ምሉእ ምትእምማንካ ናብ እግዚአብሔር ምግባር እዩ፡ እዚ ከኣ ብጥንቈላን ካልእ ጥበብን ዘይኮነ ብግልጽትን ብነጻ ዝዕደል ፍቅርን እዩ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘ዋእ ጥንቈላ ጥበብ ጥንቲ እዩ ሎሚ ኣብ ምዕባለ ክርስትና እዝስ ክህሉ ኣይክእልን’ ክብለኒ ይኽእል። ግን ኣስተውዕሉ! ካባኹም ክንደይ እዮም ናብቶም ፈለጥቲ ትብልዎም ትኸዱ ክንደይከ ጽፍሒ ኢድኩም ኣንቢቦም ክንበዩልኩም ናብ ጠንቆልቲ ዘይትኸዱ ኢለ እንተዝሓተኩም እንታይ ትምልሹ። ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ዓበይቲ ምዕቡላት ከተማታት ክርስትያን እዚ ጥንቆላ እዚ ብግህዶ ንርእዮ ዘሎና እዩ። እታ ዓባይ ሕቶ ግን ንገሊኦም ኣብ ክርስቶስ ትኣምን ክንስኻስ ናብ ጠንቈልትን ፈለጥትን ትኸይድ ኢልካ ምስ እትሓትት! እወ ኣባቴ ኣነ ብኢየሱስ ክርስቶስ እኣምን እየ ንሶም እውን ስለዝስሕቡኒ ናብኦም እኸይድ እየ ይብል። በጃኻትኩም ጥንቈላ ናይ ክርስትና ኣይኰነን። ንመጻኢ ንክግምቱ ዝገብርዎ ወይውን ገለ ነገራት ንክልውጡ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኩነታት ሕይወት ንምልዋጥ ንገብር ኢና ዝብሉ ክርስትናዊ ኣይኮኑን። ጸጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ክገብረልካ ይኽእል እዩ ጸሊ ብኣኡ ከኣ ተኣማመን።

ወንጌል ኣብ ከተማ ኤፌውሶን ምስ ተሰብከ ነቶም ብጥንቆላ ዝነበሩ ዝነበሩ ብቊጠባ ብዙሕ ይሃስዮም። ከመይ ናይታ ኣርጤምስ ትበሃል ጣዖቶም ሓውልታት እናሰርሑ ይሸጡ ስለዝነበሩ ናይ እምነት ሥራሕ እናኣምሰሉ ዲቅ ዝበለ ንግድ የካይዱ ነሮም። ብዛዕባዚ ጉዳይ እዚ ንስኹም እውን ኣስተንትኑ። እዞም ሰባት እዚኦም ዘይተኣደነ መኽሰቦም ከንቈልቊል ምስ ተዓዘቡ ተጻይ ጳውሎስ ዕግርግር ከልዕሉን ክርስትያን ዘበሉ ኩሎም ከኣ ኣብ እቶቶምን ሥራሖምን ከምኡ እውን ንቤተመቅደስ ኣርመጥስን ሥርዓተ ኣምልኾኦምን ጸገም ከምዝኾኑ ብምግላጽ ዳርጋ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ (ግሐ 19.23-28)። ብድሕሪዚ ጳውሎስ ካብ ኤፌውሶን ንኢየሩሳሌም ገጹ ይነቅል እሞ ኣብ ሚሊጦስ ይበጽሕ (ግሐ 20.1-16)። ኣብዚ ንሽማግለታት ቤተክርስትያን ኤፌውሶን ማለት ንካህናት ኤፌውሶን ጽውዑለይ ይብል እሞ ናይቲ ዘካይዶ ዝነበረ ግብረ ተልእኮ ሥራሕ ጉስነት ናብኦም የመሓላልፍ (ግሐ 20.17-35)። ኣብዚ ፍጻሜ ተልእኮ ቅዱስ ጳውሎስ በጺሕና ኣሎና ቅዱስ ሉቃስ ከኣ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ደሓን ኩኑ ቃላት ዳርጋ መንፈሳዊ ለበዋ ክትብሎ ዚከኣል ንሱ ምስ ነቀለ ክገብርዎ ዘለዎም ንቤተክርስትያን ኤፌውሶን ከመይ ገሮም ክመርሕዋ ከምዘለዎም ዝሕብር ለበዋ ይገድፈሎም። እዚ ክፍሊ እዚኣ ካብተን ዝበለጻ ገጻት መጽሓፍ ግብረ ሐዋርያት እያ። ሎሚ ገገዛኹም ምስ ከድኩም ቅዱስ መጽሓፍ ወሲድኩም ምዕራፍ 20 ናይ ግብረ ሐዋርያት ቀስ ኢልኩም ክተንብብዎ እላቦ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሚሊጦስ ንሽማግለታት ማለት ካህናት ኤፌውሶን ጸዊዑ ይሰናበት ይላቦ። እዚ ከኣ ሓደ ሓዋርያ ከመይ ቢሉ ክሰናበት ከምዘለዎ ብምምልካት ሎሚ እውን እንተኾነ ካህናት ነዚ ኣብነት እዚ ተኸቲሎም ምስንባት ክመሃሩ ኩልናውን ነበርቲ ስለዘይኰና ምስንባት ክንመሃር ይግባእ። ብጣዕሚ ደስ ትብል ክፍሊ ወንጌል እያ።

ቅዱስ ጳውሎስ ክሰናበት ከሎ ካብ ዝላበዎ ቅድሚ ዝኣገረ ንሓላፍቲ እታ ማሕበር የተባብዖም። ንመወዳእታ ግዜ ይረኽቦም ከምዘሎ ፈሊጡ እንታይከ በሎ እንተበልና። ‘መንፈስ ቅዱስ ነታ እግዚአብሔር ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስትያን ንኽትናብዩ ኣብኣ ኸም ኤጲስቆጶሳት ዝሠርዓኩም ከስ ንርእስኻትኩምን ነቲ ምሉእ መጓሰን ሓልው’ (ግሐ 20.28) ቢሉ ይላበዎም። ሥራሕ ሓደ ጓሳኸስ እዚ እዩ። ሓለዋ! ሓለዋ ገዛእ ርእሱን ሓለዋ መጓሲኡን! ጓሳ ቆምስ ካህናት ጳጳሳት ር.ሊ.ጳ ኩሎም ክሕልው ኣልዎም። ሓለዋ መጓሲኦም ጥራይ ዘይኮነ ሓለዋ ገዛእ ርእሶም እውን የድልዮም ወግሐ ጸብሔ ሕልናኦም እናመርመሩ እዚ ሓለዋ እዚ ከማይ ከምዘካይድዎ ከስተንትኑ ይግባእ። ንገዛእ ርእስኹምን ንመጓሰኹምን ሓልው ዝብልከስ እዚ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ኤጲስቆጶሳት ‘ድሕሪ ስንብታይ ነታ መኳሰ ዘይንሕፉ ጨካናት ተዃሉ ከም ዚወሩኹም ካባኻትኩም ከይተረፈ እውን ደድኅሪኦም ኣርድእቲ ምእንቲ ኺስሕቡስ ጸይቂ ነገራት ዚሰብኩ ኸም ዚለዓሉ እፈልጥ እየ’ (ግሐ 20.29) እናበለ ጳጳሳት ወትሩ ኣብ ጥቃ መጓሰ ኰይኖም ክሕልው ክከላኸሉ ካብ ሕዝቦም ከይፍለዩ ይላቦ። ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ሰብ መዚ ንኩሉ ምስ ኣመሓላለፈ ንኩሎም ኣብ ኢድ እግዚአብሔር የንብሮም ናብቲ ምስ ኩሎም ቅዱሳን ኬረስትዮም ዚእል ቃል ጸጋኡ እውን የማዕቁቦም (ግሐ 20.32)። እዛ ናይ ቃል ጸጋኡ መባዅዕቲ ናይ ኩሉ ዕቤት ኰይና መባዅዕቲ ጉዕዞ ቅድስና ቤተክርስትያን እውን እያ። ምስ እዚኣ ከኣ ነቲ ንሱ ዝሃቦም ኣብነት ብምኽታል ኣእዳዎም ንሥራህ ክለማመዳ ንካልኦት ጾር ከይኰኑ ንገዛእ ርእሶምስ ይኹን ንድኹማት ኣሕዋቶም ንክሕግዙ ይዕድሞም በዚ ከኣ ነታ `ካብ ምቕባልሲ ምሃብ እዩ ኣዚዩ ዝተባረኸ’ (ግሐ 20.35) እትብል ቃል ከስተማቅሩ ይላበዎም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብቲ ንሳ ዓቂባ ተመሓላልፈና መዝገብ እምነትን ንዘሎና ፍቅሪ ከነሕድስ እሞ ኩልና ኣብ ሓለዋ መጓሰ ሓላፍነት ከምዘሎና ክስቈረና ንጐይታ ንለምኖ። ነዚ ከኣ ጓሶትና ጽንዓትን ለውሃትን መለኮታዊ ጓሳ ኣብኦም ክግለጽ ብጸሎት ንደግፎም እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 December 2019, 16:17