ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን ኣብ ታይላንድን ጃፓንን 

ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን ኣብ ታይላንድን ጃፓንን

ቅዱስነቶም ካብቶም ዝተራኸብዎም ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣደጊፎም፡ ናይ ምእንጋድ ኣገልግሎት ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ እቲ እንዋፈረሉ ዕዮ ናይ ቲዮሎጊያ ስፍራ ገይርና ክነብሮ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድዎ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ከምቲ ልሙድ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ኣብተን ዝበጽሕወን ሃገራት ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዘካይድዎ ርክብ መሰረት፡ ኣብ ታይላንድ ደሓር እውን ኣብ ጃፓን ምስ ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳያን ከምእተራኸቡን ኣብቲ ኣብ ባንግኮክን ደሓር እውን ኣብ ቶክዮ ዘካየድዎ ርክብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እቲ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝመሓደርን ዝሕተምን ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ንንባብ ከምዘብቀዖ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 22 ሕዳር 2019 ዓም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ምስ ዘገልግሉ ዘለዉ 48 ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ባንግኮክ ንፍርቂ ሰዓት ኣብ ዘካይድዎ ርክብን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን፡ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ቶክዮ ኣብ ዝርከብ ብማሕበር ኢየሱሳውያን ዝተመስረተን ዝመሓደርን ጥንታውን ውሩይን መንበረ ጥበብ ሶፊያ ነቶም ኣብ ጃፓን ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ዝለገስዎ ስብከትን ኣብ ዘካድዎ ርክብ ዝበልዎን ምሉእ ትሕዝቶ ኣብቲ ካቶሊካዊ መጽሔት ምሉእ ትሕዝቶኡ ከምዝቐረበን፡

ንናይ ሓገርን ሕዝብን ረብሓ ምዕያይ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ባንግኮክ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ መንእሰይን ንሕዝቢ ቀረባ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን እሓልም፡ ምስ ምዝመዛን ኣብ ሩካቤ ስጋ ዘተኰረ መስህብ በጻሕትን  ኣብ ታይላንድ ዝረአዩ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገማት ዝሰምዕዎን ዝፍልጥዎን ከምዝዀነን ሓቢሮም፡ እቶም ልኡካነ ወንጌል ንሃገረ ታይላንድን ሕብን ክብሪ ንኸገልግሉ ሓድራ ከምዝበሉን፡ ኣብቲ ብኣገባብ ሕቶን መልስን ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ፍትሕን ማዕርነትን ግላውን ናይ ሓባር ጸሎትን ምእንጋድን ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቶምን ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያ ግብረ ኖልዎ ንዝተፋትሑ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ስድራን ዝምልከቱ ዝቐረበሎም ዓበይቲ ሕቶታት ኣማእኪሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ቸራዞ ሓቢረን።

ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ብግቡእ ንምግጣም ጸሎት

ቅዱስነቶም ካብቶም ዝተራኸብዎም ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣደጊፎም፡ ናይ ምእንጋድ ኣገልግሎት ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ እቲ እንዋፈረሉ ዕዮ ናይ ቲዮሎጊያ ስፍራ ገይርና ክነብሮ ይግባእ፡ እዚ እዩ ኣብ ታይላንድ ናይ ኣባ ኣሩፐ መንፈሳዊ ውርሻ። ኣብ ታይላንድ ኣባ ኣሩፐ ዘበገስዎ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ምእንጋድ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት፡ ንቢይነቶም ዝምስክር እዩ፡ ብማሕበራዊ ፍልልያትን ድኽነትን ጥምየትን ፖለቲካዊ ውጥረት ብፍላይ ብውግእ ብዙሓት ተመዛቢሎምን ይመዛበሉን ይስደዱን ኣለዉ፡ ናይ ሓደ ኢየሱሳዊ ናይ መወዳእታ ግብረ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ንተመዛበልትን ስደተይናታትን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እቲ ሎሚ ናይ መቓብር ስፍራ ኰይኑ ዘሎ ባሕሪ መዲትራኒያን እናሓሰቡን ናይ ሮሂንግያ ሕቶን፡ ፈላላይ መናድቕ ምቛምን … ሰብ ከም ጓሓፍ ዝርእይ ባህልን … ገዛእ ርእስኻ ናይ ምክልኻል ፖለቲካዊ ፍልስፍና፡ ምዝመዛን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ጸገማት ዘርዚሮም እዚ ዅሉ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ ማእከል እትርከብ ቤት ሕክምና ከምዝዀነት ጥንታዊ ክርስቲያናዊ ባህሊ የተሓስስበና፡ ምእንጋድን ምክንኻንን።

እቲ ኣባ ኣሩፐ ዘውረስዎ ናይ ቲዮሎጊያ ስፍራ ዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጠቒሶም እቶም ኣባላት ኢየሱሳውያን ቅድሚ ዅሉ ኣብ ጸሎት ክተግሁ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጾም፡ ጸሎት ናብቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ንኸነብል ዝድርኽ ሓይሊ እዩ ከምዝበሉ ቸራዞ ሓቢረን።

ኣሰንዮታን ልልያን ንዝተፋትሑን ዳግማይ ቃል ኪዳን ንዝኣሰሩን ሰብ ሓዳር

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ካብቶም ኣብቲ ርክብ ካብ እተሳተፉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን፡ ብዛዕባ ዝተፋትሑን ዳግማይ ቃል ኪዳን ዝኣስሩን ምእመናን ዝምልከት ንዘቕረቡሎም ሕቶ ኣማእኪሎም፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ማእለያ ዘይብሉ መዝገብ ኣሎ፡ ነዚ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ክርስቲያን ዝርአይ ሽግር’ዚ በቲ ኣብታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊት ምዕዳን መሰረት ክረአይ ከምዘለዎን፡ እዚ ኸኣ ነቶም ዝተፋትሑን ዳግማይ ቃል ኪዳን ዝኣሰሩን ምስናይን ልልያን ዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምቕራብ ዝብል እዩ ከምዝበሉ ቸራዞ የመልክታ።

ርክብ ምስ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባላት ኣብ ጃፓን

ኣብቲ ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ናብ ሮማ ቅድሚ ምምላሶም ምስቶም ኣብ ጃፓን ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ተራኺቦም፡ ኣብቲ ብኢየሱሳውያን ዝተመስረተን ዝመሓደርን ውሩይ መንበረ ጥበብ ሶፊያ ተረኺቦም ኣብቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጐን ኣብ ዘካይድዎ ርክብ፡ ካብ ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 57 ክሳብ 62 ዝተነበ ወንጌል ሉቃስ፡ … ምሕረት እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ምንባርን ተዘክሮን ምግባርን ከምዘድልን ኣብ ሕይወት ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ዓወትን ስዕረትን ዘጋጥም እዩ፡ ብሰንኪ ሓጢኣትና፡ እቲ ካብ ኢየሱስ ዝተዓደለና ሓሴትን ሰላምን ምንባርን ነዚ ምንባር’ዚ ተዘክሮ ምግባር ከምዘድሊ ብሰሕ ከምዘብርሁ ክዝከር እንከሎ፡ … እቲ ናይ ምዉታት ዓለም ድሮ ተቐቢሩ እዩ እቲ ምዉት ኣካልና ድሮ ተቐቢሩ እዩ፡ ብምሕረት እግዚኣብሔር፡ መሳኹትና ኣይንዕጸው፡ እዚ ምሕረት’ዚ ኣብ እንዋፈረሉ ጸዋዕታ ንንበሮ፡ ኢየሱስ ወትሩ ምሳና እዩ፡ ኢየሱስ ዝሓርየካ ምስኻ ሓቢሩ ኣብ ምጉዓዝን ንኽጓዓስን እዩ፡ ንበይንኻ ዘይሓድግ ከምዝበሉ ቸራዞ ካቶሊካዊ ስልጣኔ መጽሔት ጠቒሰም የመላኽታ።

ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን ኣብ ታይላንድን ጃፓንን፡
05 December 2019, 16:31