ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፥ ነፍሲ ወከፍ ውግእ ቅትለት ሓው እዩ ናይ ር.ሊ.ጳ. መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፥ ነፍሲ ወከፍ ውግእ ቅትለት ሓው እዩ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፥ ነፍሲ ወከፍ ውግእ ቅትለት ሓው እዩ

ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ባህግን ናይ ተስፋና ሸቶ እቲ ዕጹብን ኣመና ክቡርን ጸጋ ሰላም ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፡ ተስፋ ይብሉ፡ ኣብ ጉዕዞ ንኽንርከብ ዝድርኽ ዋላ ዘድክም እውን ይዅን ከይተሓለልና እነማዕድዎ መዓርፎና እዩ

ሰላም ናይ ተስፋ ጉዕዞ እዩ፡ ዘተን ዕርቅን ምህዳራዊ ምልዋጥን እዚ ናይቲ ዕለት 1 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ናይ ዝመሓላለፍ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መልእኽቶም፡ ሰላም ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጸዋዕታ ሕውነታውነት ብምህያው  እንተድኣ ዘይተተስፈኻያ ኣይክትረኽባን ኢኻ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተስፋ ኣብ ናይ ሰላም ጐዳና ንኽንምርሽ ዘብቅዓና ክኸውን እንከሎ፡ በንጻሩ ዘይምትእምማንን ፍርሕን ግና ተኣፋፍነት ርክባትን ናይ ዓመጽ ስግኣትን ክብ የብል ቢሎም፡ ኣብ ምህዳራዊ ምልዋጥ ጐደና ብምጉዓዝ ማንም ንዘይንጽልን ንዘይዕብልልን ዘተ ክፉታት ብምዃን ናይ ሰላም ኣንጠረይና ምዃን የድሊ እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ፡ ቅዱስ ኣቦና እዚ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቶም፡ሰላም ናይ ተስፋ ጉዕዞ እዩ፡ ዘተን ዕርቅን ምህዳራዊ ምልዋጥን ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎን ሓሙሽተ ምዕራፍ ዘጠቓልል ኰይኑ ዝተፈላለዩ ንሰላም ዝምልከትን ብኸመይ ክሕሰብን ክድለን ከምዘለዎ ዘመላኽት ዝተፈላለዩ መዳያት ዝትንክፍ እዩ።

ተስፋ ናብ ሰላም ዝመርሕ ኣኽናፍ ይጽግወና

ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ባህግን ናይ ተስፋና ሸቶ እቲ ዕጹብን ኣመና ክቡርን ጸጋ ሰላም ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፡ ተስፋ ይብሉ፡ ኣብ ጉዕዞ ንኽንርከብ ዝድርኽ ዋላ ዘድክም እውን ይዅን ከይተሓለልና እነማዕድዎ መዓርፎና እዩ። ንቕድሚት ንኸነብልን ዘይስገር መሰናኽል ዝመስል ከጋጥመና እንከሎ ንኽንሰግሮ ዘብቅዕ ኣኽናፍ ዝህበናን፡ ናይቲ ብዙሕ እዋን ንድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎን ዘድምይ ውግእን ዓመጽን ኣብ ኣምሮን ኣብ ኣካላን ዝሓድጐ በሰላን ስንባደን መቑሰልትን ናይ ውርደትን ተነጽሎን ሓዘን ጓህን ኢፍትሓውነትን ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእስኻ ህዝብታን ኣባይቲ ስድራን ሓዲግዎ ዝሓልፍ ናይ ሞትን ዕንወትን ምልክታን ብሰፊሕ ይዝርዝሩን የብርሁን።

ሕውነት ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጸዋዕታ እዩ

ብዙሓት ሃገራት ካብቲ ጽልእን ዓመጽን ዘተባብዕ ናይ ምዝመዛን ምግባረ ብልሽውናን መቑሕ ገዛእ ርእሰን ናጻ ከውጻ ዝቃለሳ እውን እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ብዙሓት ዜጋታት፡ ሕጻናትን ኣረጋውያንን ከይተረፉ እቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዘጠቓልል ኣካላዊ ኵለንተናውነትን ናጽነትን ክብሮምን ተነፊግዎም ከምዘሎ ኣብሪሆም፡ ዝዀነ ይኹን ውግእ እቲ ኣብ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝተጻሕፈ መደብ ጸዋዕታ ሕውነታውነት የብርስ፡ ናይ ውግእ ምኽንያት ኵሉ ካብቲ ኣብ ካልእ ዘሎ ፍሉይነትን ናይ ምውናንን ጸብለል ናይ ምባልን ምውናንን ድላይ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ብጥልቂ የብርሁ።

ዝንባዐን ናይ ስልጣን ዓመጽን

ውግእ ካብቲ ብኢጐነትን ብትዕቢትን ብጽልእ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ካልእነት ንምሕኻኽን ንምንጻልን ብዝብል ተግባር ካብ ዝብከል ልቢ ሰብ እዩ ዝነቕል፡ እዚ ኸኣ ምዝንባዕ ርክባትን ህንጥይና ዕባላለን ካብ ናይ ስልጣን ዓመጽን ንኻልእ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ምፍራሕን ምጥርጣርን ዘይተገዳስነትን የስዕብ፡ ኣብ ጃፓን ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፥ ዓለም ሓቆፍ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምፍርራሕን ዕንወትን ምጽናትን ምስ ዝብል ምርጫ ዘይቃደው እዩ፡ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምዕናውን ምጥፋእን ካልእ ውሑስ ኣይከውንን፡ እንታይ ደኣ ካብ ዓለም ሓቆፋዊ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ካብ ዝብል ስነ ምግባር እዩ ዝውለድ ዝበልው ሓሳብ በስፊሕ ምልስ ቢሎም ኣብቲ ናይ ሰላም መልእኽቶም ይጠቕሱ።

ሕውነት ዘተን ምትእምማንን ይወልድ

ዘይምትእምማንን ፍርሕን ናይ ምርኻብ ተኣፋፍነት ክብ የብል፡ ናይ ዓመጽ ስግኣት የተኣታትውን ናብቲ ሰላማዊ ርክብ ናብ ዘይመርሕ ዓንኬል ክፋእ የእትው፡ ስለዚህ ዓለም ሓቆፍ ሰላምን ምርግጋእ ምስቲ ኣብ ናይ ሕድ ሕዳዊ ምጥፍፋእን ዕንወትን ወይ ብናይ ኵለንተናዊ ምጽናት ብዝብል ምፍርራሕ ውሑስ ምግባር ዝከኣል ኣይኰነን፡ ሕድ ሕዳዊ ምጥፍፋእን ዕንወትን ምስ ሰላምን ምርግጋእን ዝቃደው ኣይኰነን፡ በንጻሩ ሰላምን ምርግጋእን ካብ ዓለም ሓቆፋዊ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ካብ ዝብል ስነ ምግባር እዩ ክብገስ ዘለዎ፡ እቲ ናብ ዘይምትእምማን ዝመርሕ መገዲ ከመይ ገርና ክንኰልፎ ንኽእል? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ኣናስርና ካብ እግዚኣብሔር ምዃንና ብዝብል እምንቶ ዝምራሕ ጭቡጥ ሕውነታውነት ምንቕቓሕን ኣብ ሕድ ሕዳዊ ዘተን ምትእምማንን ነቲ ጭቡጥ ሕውነት ብምልምማድ ምዃኑ የብርሁ።

ዝኽሪ ሕሉፍ ታሪኽ ንሰላማዊ መጻኢ

ተዘክሮ ናይ ተስፋ ደረት ትርኢት እዩ፡ ብዙሕ እዋን ኣብ ደልሃመት ውግእን ዓመጽን ንኡስ እውን ይኹን ዘጋጥመካ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ተግባር ዝለዓለ ብርታዔ ናብ ዝሓትት ጅግንነት ዘብጽሕ ሰናይ ተግባር ንኽትፍጽም ኣስተንፍሶ ክዀነካን ናይ ሓድሽ ሓይሊ ምኽንያትን ኣብ ውልቅን ኣብ ማሕበረሰብን ሓደስቲ ተስፋታት ንኽኹላዕ ዘኽእል እዩ ቢሎም ኣብ ሂባኩሻ ዘካይድዎ ርክብ፡ ምስቶም ካብቲ ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዝተፈነወ ኣቶሚክ ቦምቢ ካብ ዘስዓቦ ህልቂት ምስ ዝተረፉን ሎሚ እውን ናይቲ ዝሓለፈ ዘስካሕክሕ ኩነታት ህያዋን መሰኻኽር ምስ ዝዀኑ ዘካየድዎ ርክብ፡ እቲ ናይ ዝሓለፈ ዘስካሕክሕ ታሪኽ ተዘክሮታቶም ቅኑዕን ሕውነትን ዝዓሰሎ ውሑስ መጻኢ ንምሕናጽ ዝድግፍ እዩ፡ ስለዚህ ተዘክሮ ንህልውን መጻእን ምርጫ ሰላም መሰረትን ኣሰርን እዩ ይብሉ።

ሰላም ካብ ልቢ ዝነቕል ብድሆ እዩ

ስለዚህ ናይ ሰላም መገዲ ምርሃውን ምሕንጻጽን ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ካብቲ ካብ ውልቃዊ ረብሓ ካብ ዝብልን ኣብ መንጐ ሰባትን ሕብረተሰብን ሃገራትን ኣብ ውልቃዊ ረብሓ ካብ ዘማእከለ ርክብ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ቅዱስነቶም ንግብረ ገባዊ ሕልናን ግላውን ፖለቲካውን ድላይ ይግባይ ይብሉ፡ ስለምንታይ ሰላም ካብ ሰብኣዊ ልቢ እዩ ዝውለድ፡ ከምዚ ስለ ዝዀነ ድማ ፖለቲካዊ ድላይ ናብ ዕርቂ ዝመርሑ ሓደስቲ ኪደት ንኸበራትዕን ሰብን ሕብረተሰብን ከዋህድ ናብ ዘኽእል መገዲ ከመስርቕ ክበራትዕ ኣለዎ ኢሎም።

ናይ ሰላም ኣንጠረይናታት

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶ፡ ሰላም ልክዕ ከም ሓደ ዝሕነጽ ቤት ገይሮም ብምቕራብ፡ ናይ ሓባር ድላይ ኣማዕዲኻ ብሓባር ዝግበር ጉዕዞ ዝሓትትን እትብሎን እትኣትዎን ቃል ከየዕበርካ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምኽባር ዝፍጸም ጉዕዞ እዩ፡ ዓለም ባዶ ቓላት ዘይኰነ ዘእምን ምስክርነት እዩ ዘድልዮ። ብዘይ ምንጻልን ዕብለላን ንዘተ ክፉት ዝዀኑ ናይ ሰላም ኣንጠረይታታት እዩ ዘድልዮ፡ ክንየው ፍልልላይትን ፍልልያት ፖለቲካው ህልዮን ብምክብባር ክሳብ ኣብ ጸላኢኻ እውን ወጅሂ ሓው ምልላይ ዝብል ሓቒ ምንዳይ ዝበርኽ እዩ፡ እዚ ትዕግስቲ ዝሓትት ካብ ሕነ ምፍዳይ ኣዚዩ ዝበርትዔ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምርድዳእን ምትሕብባርን ዘህልው ተስፋ ዘርህው ጻዕሪ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ ተዘክሮ ብምንባር ናይ ሓባር ጥቕሚ ብቅኑዕ ስርዓት ኣብ ምድላይ ትዋሳእ።

ኣብ ምሕረት ኣሕዋት ምዃንና ምፍላጥ

ካልኦት ምዕብላል ዝብል ድላይ ምጥንጣን ከምዘድሊ ዘተሓሳሰቡ ቅዱስነቶም፡ ንሓድ ሕድና ከም ደቂ እግዚኣብሔር ኣሕዋት ምዃንና ብዘስተውዕል ኣገባብ ክንረኣኣይ ሓደራ ቢሎም፡ ኣብዚ ጐደና እዚ ብሓባር ምጉዓዝ ካብ ናይ ሕነ ምፍዳይ ሕምቢላሎ ናጻ ንወጽእን ናይ ተስፋ ጐደና ሓንጐፋይ ቢልና ንቕበልን፡ እውነተይና ሰላም ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16፥ ቅኑዕ ናይ ኤኮኖሚ ሜላ ብምሕንጻጽን ብምትግባርን እውን ዝረጋገጽ ምዃኑ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብታ ፍቕሪ ብሓቂ ብዝብል ኣርእቲ ኣብ ዝድረስዋ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ናይ ኢኮኖሚ ሜላ፡ ሞሳውን ሱታፌኣውን ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።

ምህዳራዊ ምልዋጥን ሓድሽ ጥማቶ ንሕይወትን

ቅዱስነቶም ኣብዚ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቶም፡ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ተወኪሶም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ መንፈስ ተጻብኦነትን ንኻልእ ብተጻብኦ ምምልካትን ዝብልን ናይ ሓባር ቤትና ዘየኽብር ተግባርን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዓመጸይና መዝማዚ ትግባረ ኣብ ዝረኣየሉን ንናይ ከባቢ ማሕበረሰብን ናይ ሓባር ቤትናን ተፈጥሮን ኣኽብሮት ዘይብሉ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ ዓለም፡ ምህዳራዊ ምልዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣተሓኣሲቦም፡ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዘኪሮም፡ ንናይ መላእ ዘርእሲ ሰብ ጥቕሚ ምዕባለ እናሓሰብና ኣብ መንጐ ማሕበረሰብን መሬትን ኣብ መንጐ ህላወን ተዘክሮን ኣብ መንጐ ተመክሮን ተስፋን ሰላማዊ ርክብ ክነህሉን ጽን ንምብህሃልን ምስ ካልእ ንምርኻብ ርህው ዝገብርን ህያብ እግዚኣብሔር ንምስትንታንን ምህዳራዊ ምልዋጥ ዘድሊ ምዃኑ እነቕርቦ ጻውዒት ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፡  እቲ ምስ ዓለም ምርኻብ ናይቲ ምስ ኢየሱስ ናይ ምርኻብ ሳዕቤን ክኸውን መታን ተኻፊልካ ኣብ ምንባር ዘሎ ናይ ቁጥብነት ሓሴት ንኸነስተማቕርን ፈጣሪ ብልግስናኡ ዝዓደሎ ጸጋታት ግምት ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ሓድሽ ኣመለኻኽታን ርእየትን ክህልወና ዝመርሕ መገዲ ምዃኑ ሓቢሮም።

መጠን እትትስፈዎ ትረክብ

ቅዱስነቶም እቲ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቶም ናይ መጠቓለሊ ምዕራፍ፡ ኣብቲ ትዕግስትን እምነትን ኣብ ዝብሉ ክልተ ቓላት ዝጠቓለል ናይ ዕርቂ ጉዕዞ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም፡ ሰላም ሃረር እትብላ እንተድኣ ዘይኰንካ ኣይክትረኽባን ኢኻ፡ ኣብቲ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ሓራ ዘውጽእን ዘብርህን ዘይሕለልን ብናጻ ዝዓደለና ፍቕሪ ኣስተንፍ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ክንእመን ይግባእ ቢሎም፡ ናይ ምርኻብ ባህሊ እናማዕበልና ክንየው ፍርሕን ዓመጽን ንኽንብል ዓዲሞም፡ ብኵላውነት ኣርካን ሕውነታውነት ንኽንነብር ኣብ ናይ እግዚብሔር ለጋስ ፍቕሪ እምነት ነንብር፡ ብናይ  ዕርቂ ምስጢር ዝተደገፈ ንብጻይን ፍጥረትን ምዕማጽ ካብ ዝብል ተግባር ናጻ ዘውጽእ ኪደት የድሊ፡ … ኣብቲ ዝተቐበልካዮ ምሕረት ምሕረት ንኻልኦት ንኸተካፍል ምጉዓዝ ኣሎ። … ወትሩ ዘየቋርጽ ጉዕዞ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ኣቢልካ ናይ ፍትሕን ሰላምን ኣንጠረይና ትኸውን።

ሰላም ናይ ተስፋ ጉዕዞ እዩ፡ ዘተን ዕርቅን ምህዳራዊ ምልዋጥን ዘርእስቱ ዕለት 12 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም

"Peace as a journey of hope: dialogue, reconciliation and ecological conversion".

ናይ ር.ሊ.ጳ. መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፥ ነፍሲ ወከፍ ውግእ ቅትለት ሓው እዩ
13 December 2019, 17:07