ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንምርኢት ዝቐረበ 100 መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማንም ከይተጸበዮን ከይሓሰቦን ዕለት 9 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት ምስንዳው ንበዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንምርኢት ዝቐረበ ዝተፈላለዩ 130 መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ምብጻሕ ከምዘካየዱን እዚ ምብጻሕ ቅዱነቶም ነቶም ናይቲ መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ዘቖሙን ዘሰናደዉን ምኽንያት ሓሴት ከምዝዀኖም ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ግረቾ ናብ ልቢ ክርስትና፡ ንኽብሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍላይ ነታ እቲ ቅዱስ ፍርንቸስኮ ዘኣሲዚ ትርኢት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዒ ማል ዘዘንትው ዘቖሞ ቀዳማይ ትርኢት ጥልቂ ትርጉሙን ዘመሓላልፎ መልእኽትን ብዕምቆት ዘብርህ Admirabile signum - ዘደንቅ ምልክታ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዕለት 1 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ግረቾ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ኣብ ፊት እቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘቖሞ ትርኢት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ዘርኢ ፊት ከቲሞም ወግዓዊ ከምዝገበርዎ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ንሕዝበ ክርስቲያን ክቡር ዝዀነ ዘድነቕ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ዘዘንትው ትርኢት፡ ወትሩ ኣግራሞትን ምድናቕን የነቓቕሕ፥ ብዝብላ ቃላት ነቲ ዛዕባ ትርኢት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዒ ማል ዝገልጽ ኣብ ባህሊ ክርስቲያን ኣብ እዋን ልደት ዝቐውም ትርኢት ዘደንቕ ምልክት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዓቢይ ግምት ዝሃበ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝቖመ 130 ካብ 30 ሃገራት ዝቐረበ ምርኢት መግለጺ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዕለት 9 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ኣባዕተን ዓሰርተን ደቓይቕ ማንም ከይሓሰቦን ከይተጸበዮን ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፊሲከላ ተሰንዮም ምብጻሕ ከምዘካየዱ ካፐሊ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ነቲ መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ምርትኢት የድንቑ

ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ዝትርኽን ነቲ ኵነት ንምዝንታውን ብዘይ ተሓላለኸ ኣገባብን ብሓሴት ምስጢረ ትስብእቲ ወልደ እግዚኣብሔር ምብሳር ዝብል እዩ፡ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ከነስተንትን፡ ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኽራኸብ ሰብ ኰይኑ ብዝመጸ እግዚኣብሔር ትሕትና ዝተማረኸ መንፈሳዊ ጉዕዞ ንኽንፍጽም ይዕድመና፡ ንሕና ኣብኡ መታን ንኽንሓብር ንሱ ምሳና ክሳብ ምሕባር ኣፍቀረና፡ …  ምውላድ ኣብ መብልዕ ማል ዘእግዚእነ ዘርእይ ምርኢት ምቛም ዝብል ክርስቲያናዊ ባህሊ፡ ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ ናይ ዕዮ ቦታን ኣብ ኣደባባያትናን ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ማሕቡስን ኣባይቲ ስድራን ዝቐውም ምርኢት ልደት ዘእዚግዚእነ ኣብ መብልዒ ማል፡ … ገና ብሕጻንነትና እንቕበሎ ባህሊ እዩ፡ ሕዝባዊ መንፈሳውነትና እዩ … እዚ ልምዲ ከይጐድል ሓደራ ከምዝበሉ እውን ይዝከር።

ፊዚከላ፡ መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ይውንግል

ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ፡ እቲ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣግራሞትን ምድናቕን ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዝፈጥር ወንጋሊ እዩ፡ ቅዱስነቶም ሓደ ብሓደ ነቲ 130 መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል በጺሖምን ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ዘቃልሖ መንፈሳውነት ኣስተማቒሮም ንኸነስተማቕሮ የተባዑና እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንምርኢት ዝቐረበ 100 መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል

Photogallery

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንምርኢት ዝቐረበ 100 መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል
10 December 2019, 16:55