ድለ

ቃል ር.ሊ.ጳ. ንዘይመንግስታውያን ካቶሊካውያን ውድባት ቃል ር.ሊ.ጳ. ንዘይመንግስታውያን ካቶሊካውያን ውድባት 

ቃል ር.ሊ.ጳ. ንዘይመንግስታውያን ካቶሊካውያን ውድባት

ስኑይ ምስክርነት ሕይወት ንምቕራብ፡ ኣብቲ ኣብ ዓለም ኣብ ዝዓዪ እግዚኣብሔር ብርቱዕ እምነትን ናቱ መጋበርያ ኣብ ዓለም ምዃንን ዝብሉ ክልተ ነገራት ኣገዳስቲ እያቶም

ኣብቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ዝዛዘም ናይ ኵለን ካቶሊካዊ እምነት ኣስተንፍሶ ዝገብራ ዘይመንግስታውያን ዓለም ሓቆፍ ውድባት ኣብ ዝጠለቦ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ዕለት 7 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ክኢላውነት ምምዕባለን መክብባዊ መንነት ምሕያልን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመድዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶ ነቶም ዘይመንግስታውያን ካቶሊካዊ እምነት ኣስተምፍሶ ዘለወን ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ዋና ኣመሓደርቲ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን፥ ሓሴትን ተስፋን ዘርእስቱ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቅዋም ኣብ እዋናዊ ዓለም ዘመላኽት ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጠቒሶም፡ … እተን ዓለም ሓቆፍ ዘይመንግስታውያን ካቶሊካውያን ውድባት ማሕበረሰብ ሕዝብታት ኣብ ሰላምን ሕውነትን ብዝተፈላለየ መዳይ ዝሓንጻ ክዀና ከምዘለወን ኣተሓሳሲቦም፡ ኣስዒቦም እውን ነቲ ውሳኔ ጠቒሶም፡ ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት ንምቕራብ ቀጻሊ ሕንጸት ዘድሊ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ሕንጸት

ስኑይ ምስክርነት ሕይወት ንምቕራብ፡ ኣብቲ ኣብ ዓለም ኣብ ዝዓዪ እግዚኣብሔር ብርቱዕ እምነትን ናቱ መጋበርያ ኣብ ዓለም ምዃንን ዝብሉ ክልተ ነገራት ኣገዳስቲ እያቶም፡ ብተወሳኺ እውን ንእነብረሉ ዓለም ብክርስቲያናዊ ኣመለኻኽታ ንምስትውዓልን ክኢላውነት ንምሕያል ኣብ ስነ ምርምራውን ስነ ማሕበራውን ፍልጠትን ኣብ ዝብል መዳይ ብቑዕ ሕንጸት የድሊ፡ ነዚ ኸኣ እቲ ሰብኣውነት ብብቕዓትን ብዝበለጸን ብቤተ ክርስቲያናዊ መክብባዊ ናይ ብቕዓት መምዘንታት መሰረት ንምቕራብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣገዳሲ ምዃኑን ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ እውን ጠቒሶም ከምዘብርሁ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ብቑዕን ኣገዳስን መጋብርያ

ጸጋታት ኣገዳስቲ እያቶም፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብ ገለ ገለ እዋን ብዝሒ ምስ ዝህልዎ ሸቶታት ንምዕታር ዘይድግፍ ይኸውን፡ ክውሕድ እንከሎ ጥራሕ ዘይኰነ ዝቕባበ ጸጋታት እውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ክህልዎ ዝኽእል እዩ፡

ቤተ ክርስቲያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ በቲ ድኻ ተባሂሉ ዝግለጽ መጋብርያታት ኣቢላ ዓበይቲ ነገራት ፈጺማን ትጽም እውን ኣላ፡ ስለዚህ ሃብቲ ዘይኰነ ሃብቲ ወይ ጸጋታት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከምዝግባእ ምስትውዓል የድሊ፡ ስለምንታይ ካብ እግዚኣብሔር እዩ፡ ናትና ኣይኰነን፡ ከምዚ ብምዃኑ ምምሕዳርን ብግቡእ ምጥቃምን ይሓትት፡

ተበግስታቶ ምክፋል

ብውህደት መታን ምግልጋልን ምዕያይን ክህሉ ናይ እምነት ተመክሮን ናይ ጐይታ ጸጋ ኣብጻሕቲ ምዃንና ተኣሚንና

ኣብ ናይ ሓባር ውጥን ምትሕብባርን ምድግጋፍን የድሊ፡ እዚ ምትሕብባር’ዚ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህርይ ስኹዕ እዩ፡ ኣብ ተልእዀኣ ሱታፌኣን ብሓባር ኣብ ምጉዓዝን እያ እትነብሮ፡ እዚ ከኣ ሲኖዶሳውነትን ብሓላፍነትን ብናይ ነፍሲ ወከፍ ኣበክርቶን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ንምግልጋል ኣገዳሲ እዩ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጦም። 

ቃል ር.ሊ.ጳ. ንዘይመንግስታውያን ካቶሊካውያን ውድባት

Photogallery

ቃል ር.ሊ.ጳ. ንዘይመንግስታውያን ካቶሊካውያን ውድባት
07 December 2019, 17:39