መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ታይዘ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ታይዘ 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ታይዘ

ዝተቐበልክውምዎ እምነት ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ናብ ካልእ ናብ ብጻይካ ኣብ ምባል ዝድርኸኵምን ናብ ንምባልን ንእዋናዊ ብድሆታት ዓለምን ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ቤትና ዘዘምብይ ስግኣትን ንኽትገጥሙን ንኽትብድሆኑ ዘሰናድወኩም ከምዝዀነ መርምሩ

ኣብ ፖላንድ ከተማ ውሮክላው ዕለት 27 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ዝተኸፍተ ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት ኣሳቲፉ ወትሩ ኣብ ጉዕዞ ካብ ኣናስርካ ከይተቦንቆስካ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ መንእሰያት ታይዘ - ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓቁፍ ማሕበረሰብ ናብ ዘካይዶ ዘሎ መበል 42 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝተቐበልክውምዎ  እምነት ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ናብ ካልእ ናብ ብጻይካ ኣብ ምባል ዝድርኸኵምን ናብ ንምባልን ንእዋናዊ ብድሆታት ዓለምን ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ቤትና ዘዘምብይ ስግኣትን ንኽትገጥሙን ንኽትብድሆኑ ዘሰናድወኩም ከምዝዀነ መርምሩ፡ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ካብ ዕለት 27 ታህሳስ 2019 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 1 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ከተማ ውሮክላው ማሕበረሰብ ታይዘ ናብ ዘዳለዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ መንእሰያት ታይዘ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ኣብነት ፖላንድ

ፖላንድ ሃገር ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ኣናስራ ኣብ እምነት ዝገበረት፡ ቅድም 30 ዓመታት ዝተኣልየ  ምልካዊ ስርዓት ዴስነት ፈተናታቱን ተስፋ ዘየለ ዘምስል ዝነበረ ተግባራት ኩሉ በዲሃ ንኽርስቶስ እምነቲ ኣብ ምዃን ኣብነት እያ፡ ኣቋራጽን ቀሊልን መገዲ ንምምራጽ ዝከኣል እውን እንተበረ፡ ናይ ፖላንድ ክርስቲያን ካልእ ትስፍው መጻኢ ዘማዕደወ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡

ካብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ 15 ሺሕ መንእሰያት

ናብ ኣብ ምባልን ኣብ ምንቃልን ዘሎ ሓሴት ኣማዕድዉ … ከም ኣብርሃም ኣቐዲምካ መዓርፎኻ ከይፈለጥካ ምብጋስ … ንንቕሎን ንጉዕዞን ወትሩ ስንድዋት ኵኑ ቢሎም፡ ነቶም ኣብ ከባቢዅም ንዝርከቡን ብፍላይ ንድኻታትን ንዝምዝመዙን ዝተናዕቁን ወንጌል ኣበስሩ ህያዋን ወንጌል ኩኑ ከምዝበሉ ራቪያርት ሓቢሮም።

መልእኽቲ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ

ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ እውን ብወገኖም ናብቲ ኣብ 1940 ዓ.ም. ብሓልዮት ሓው ሮዠር ዝተመስረተን ሎሚ ብሓው ኣሎይሰ ናብ ዝምራሕ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ውህደት ዘነቓቕሕ ማሕበረሰብ ታይዘ ኣባላት መንእሰያት ኣብ ፖላንድ ናብ ዝካይድዎ ዘለዉ መበል 42 ዓለም ሓቆፍ ርክብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቶም መንእሰያት ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መረብት ዘሎ ናይ ገዛእ ርስኻ ተክለ ሰብነት ዘላልዩ ዘይኰኑስ እቲ ዝተቐበልዎን ዝሓረይዎን ክርስቶስ ዘላልዩን ዘቕርቡን ክርስቶሳዊ ተክለ ሰብነት ዘለዎም ከምዝዀኑ ኣዘኻኺሮም፡ ብቓልን ብሕይወትን መሰኻኽር ሓቂ ኩኑ ቢሎም፡ ኣብ ዓለም ናይ ክርስቶስ ልኡካን (ህይነተ) ኢኻትኩም ከምዝበሉ ዝሓበሩ ራቪያት ኣስዒቦም፡

ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ቀርሎስ

ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሂላሪዮን ብስም ናይ መላእ ሩሲያን ሞኮን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ቀርሎስ ናብቲ ናይ ታይዘ መፈሳዊ ክርብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ እዋን በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ምዃንና ኣዘኻኺሮም፡ ብዙሕ እዋን እቲ ናይ በዓለ ልደት መግለጺ ተባሂሉ ብዝቐውም ዝተሰለመ ጽሕድን ገጸ በረኸት ኣብ ምዕዳግን ምቅራብን ምቕባልን ብዝነብር ባህሊ ኢየሱስ ተኸዊሉ ይተርፍ፡ ስለዚህ ነቶም መንእሰያት ኣብ ከምዚ ሃይማኖትን ግብረገን ዘጓንይ ዓለም ናይ እምነት መሰኻኽር ኵኑ ከምዝበሉን፡

ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት

ብስም ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆን ሰታሙ፡ ነቶም መንእሰያት ኣብቲ ክርስቶስ ዘቕርበሎም ጸዋዕታ ብትብዓት ንኽርከቡ ፍርሒ ፍርሒ ኣይህልኹም፡ ከምዝበሉን፡

ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ትቫይቲ

ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስትያን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ትቫይት እውን ብወገኖም፡ ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝተሰረትና እምበር ምሕዋት ኣይኰናን ቢሎም ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ኣቢያተ ክርስቲያንን ቋንቋን ዝተዋጽኡ መንእሰያት፡ ክርስቶስ ኣብ ሓንቲ ሃገርን ኣብ ሓደ ባህልን ቋንቋን ዓሌትን ዝተወሰነ ስለ ዘይኵነ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ዘለዎም ሱታፌ ንኽቋደሱስ ምዒዶም፡ ኣብ ጉዕዞኹም ኤማሁሳዊ ምድናቕ ይሃልዅም ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእክቲ ከምዘመሓላለፉን፡

ናይ ሕቡራት መንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኣብዚ ብዙሕ ምግምማዕ ኣብ ዝርአየሉ ዘሎ ዓለም ንብዙሕነት ክፉት ምዃንን ነቲ ዝርአይ ዘሎ ምዝባዕን ብከላን ከባቢ ኣየርን ምህዳን ዝረአየሉ ዓለም ፍጥረን ተፈጥሮን ብምክንኻን ንዝነብር ሕይወት ኣብነት ኵኑ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡

ሕብረት ኤውሮጳ

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣደ መንበር ኡርሱላ ቮንደ ለየን፥ እቲ ናይ ታይዘ መንእሰያት ርክብ ኣብዚ መበል 30 ዓመት ምፍራስ ናይ በርሊን መንደቕ ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ዝካየድ ምዃኑ ዘኪረን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ፍትሕን ምቅብባልን ምክብባርን ዝጸንዔ ክፉትን ዝበለጸ ሰብኣውነት ዝዓሰላ ንኽትከውን ኣብ እተካይዶ ጻዕሪ እትድግፉ ኵኑ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፋ ራቪያርቲ ሓቢሮም። 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ታይዘ
27 December 2019, 17:16