መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዝኽሪ መበል 170 ዓመት ምስረታ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ መጽሔት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዝኽሪ መበል 170 ዓመት ምስረታ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ መጽሔት 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዝኽሪ መበል 170 ዓመት ምስረታ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ መጽሔት

ብዘለኵም ናይ መሃዝነት ብቕዓት ኣብ እግዚኣብሔር ሓደስቲ መገድታት ንኸተናድዩን ንኸተላልዩን እተካይድዎ ጻዕርን እቲ መጽሔት ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ዘበራብሮ ሓሳባትን እቲ ብዙሕ ዘይስማዕ ደጋዊ ክፍሊ ህልውናን ከተማታትን ክስማዕ ዝገብር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝተመስረተን ዝመሓደርን ካቶሊካዊ ስልጣነ (Civiltà Cattolica) እተሰምየ ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ምስረታ ዝኽሪ መበል 170 ዓመት ምኽንያት ንናይታ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ንኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ 1850 ዓ.ም. ዝተመስረተን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓ.ም. መበል 170 ዓመት ምስረታኡ ዘብዕል መጽሔት ንኣይ ከም ተኻትሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዘበርክቶ ዘሎ ኣገልግሎት አመስግን፡ ስለ ብቕዓት መሃዝነትኩም እውን አመስግን፡ ልልይ ግበሩን ጽልእን ቅድመ ፍርድታትን ሓሳርን ንኽውገድ ኣብ እተካይድዎ ጻዕሪ በርትዑ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብምኽንያት መበል 170 ዓመት ምስረታ ካቶሊካዊ ስልጣነ መጽሔት፡ ናብታ ናይታ መጽሔት ዋና ኣደናዳኢ ኣባ ስፓዳሮ ብኢዶም ዝጸሓፍዎ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ብፁዕ ፒዮስ ታሽዓይ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ካቶሊካዊ ስልጣነ ዘርእስቱ ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ንኸቑሙ ሓቲቶምን ብውሳኔኦምን ፍቓዶምን መሰረት ቆይሙ ክሕተም ካብ ዝጅምር እነሆ መበል 170 ዓመቱ ኣብ 2020 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ከብዕል ምዃኑን ሎሚ ከም ቀደም ኣብ መንጐ ሕይወትን ሓሳብን ጽን ዝብላ የዕንቲ ኰይኑ ካቶሊካዊ ስልጣነ ሕያዋይ ሳምራውነት ምዃኑ ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡

ብዘለኵም ናይ መሃዝነት ብቕዓት ኣብ እግዚኣብሔር ሓደስቲ መገድታት ንኸተናድዩን ንኸተላልዩን እተካይድዎ ጻዕርን እቲ መጽሔት ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ዘበራብሮ ሓሳባትን እቲ ብዙሕ ዘይስማዕ ደጋዊ ክፍሊ ህልውናን ከተማታትን ክስማዕ ዝገብር ብምኻኑ አመስግን፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ልልያ ግበሩ፡ ጽልእን ቅድመ ፍርድታትን ሓሳርን ኩሉ ተዋግኡ፡ ዘቕርቦ ኣምር ዘይጭበጥ ረቒቕ ጽማሬ ኰይኑ ከይተርፍ እግዚኣብሔር ወትሩ ዝዓዪ ብምዃኑ እቲ ዋሕዚ ሰብኣዊ ጭንቀት ዘቕርቦ ብድሆታት ንምግጣም ስንድው ኰይኑ ክርከብ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንዝኽሪ መበል 170 ዓመት ምስረታ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ መጽሔት
30 December 2019, 16:17