ር.ሊ.ጳ. ብሓባር ምስ ኢየሱሳውያን ናይ ኣባ ፊዮሪቶ ዕዮ ዘዘንትው መጽሓፍ ንምቕራብ ር.ሊ.ጳ. ብሓባር ምስ ኢየሱሳውያን ናይ ኣባ ፊዮሪቶ ዕዮ ዘዘንትው መጽሓፍ ንምቕራብ  

ር.ሊ.ጳ. ብሓባር ምስ ኢየሱሳውያን ናይ ኣባ ፊዮሪቶ ዕዮ ዘዘንትው መጽሓፍ ንምቕራብ

ኣብቲ ዝተካየደ ዓውደ ርክብ ቅዱስ ኣቦና፡ ንኣባ ፊዮሪቶ፥ ናይ ዘተን ልልያን ትዕግስትን ምክብባርን ዓቢይ መምህር እንክብሉ ገሊጾም፡ ንሶም ከም ተመሃራይ ማሕበር ኢየሱሳውን ብኣባ ፊዮሪቶ ዝተሓንጹ ምዃኖም እውን ዘኪሮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 50 ዓመት ክህነቶም ኣብ ዘብዓልሉ ዕለት ናይቶም ኣብ 2005 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ንብዙሓት ሓደ ካብኦም እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝርከብዎም ተመሃሮ ዝነበሩ ሎሚ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝዀኑ ካህናት ዝሃነጹን ዝመርሑን ኣርጀንቲናዊ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኣንገል ፊዮሪቶ፡ ከም መምህርን ሃናጽን ኣገልግሎቶም ብዝርዝር ዘረድእን ናይ ሕንጸት ኣገልግሎትም እንታይን ከመይን ዝግለጽ በቲ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝመሓደር ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ ዘሕተሞ ኣብ ሓሙሽተ መድበለ ዝጠቓለል መጽሓፍ ኣብቲ ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝዀነ ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ጠቕላሊ ሕንጻ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ከምእተሳተፉን ቃለ ምዕዳን እውን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብርኤላ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተካየደ ዓውደ ርክብ ቅዱስ ኣቦና፡ ንኣባ ፊዮሪቶ፥ ናይ ዘተን ልልያን ትዕግስትን ምክብባርን ዓቢይ መምህር እንክብሉ ገሊጾም፡ ንሶም ከም ተመሃራይ ማሕበር ኢየሱሳውን ብኣባ ፊዮሪቶ ዝተሓንጹ ምዃኖም እውን ዘኪሮም፡ ዓቢይ መምህር እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፡ እቲ 5 ተኻታታሊ መጽሓፍ ዛዕባ ኣባ ፊዮሪቶ ንኣና ሓዋርያት ምኽንያት ምጽንናዕን ንቤተ ክርስቲያን እውን ዓቢይ ሃብቲ ምዃኑ እምነተይ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፡ እቲ ልዕሊ ክልተ ሺሕ ገጻት ዘጠቓልል መጽሓፍ ናይቶም ዓቢይ ንዓይ እውን ዝሃነጹንን ኣበ ነፍስ ዝዀኑኒ ኣባ ፊዮሪቶ ዓቢይ መምህር ክርስቲያንን ኢየሱሳውን ካህንን ተክለ ሰብነት ኣብ ኣገልግሎት ሕንጸት ዘመላኽት ምዃኑ  ኣብቲ ናይቲ መጽሓፍ ዝደረስዎ መቕድም የብርሁ።

ኢየሱሳዊ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ማሕበሮም ኣባላት ኢየሱሳውያን ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሕንጻ ተረኺቦም ድሕሪ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶዝ ናይ መኽፈቲ ቃልን ስዒቡ እውን ናይ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣኔ ዋና ኣሰናዳኢ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮን ናይቲ 5 መድብለ መጽሓፍ ዋና ኣወሃሃዲ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኾሰ ልዊስ ናርቫኻን ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሎሚ ሓምሳ ዓመት ብኣባ ፊዮሪቶ ተሓኒጾምን ዕለት 13 ታሕሳስ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ክዀኑ እንከለዉ፡ ናይ ኣባ ፊዮሪቶ ናይ ሕንጸት ዕዮ ዝገልጽ መጽሓፍ ንንባብ ዝበቕዓሉ ዕለት እውን ብሓቂ ንቅዱስነቶም ዓቢይ ህያብ እዩ ዝበላ ቸራዞ ኣስዒበን፡ እውነተይና መምህርን ሓናጽን ብመሰረት ወንጌል ዝሓነጽዎምን ዝመሃርዎምን ብተራኦም ሃነጽትን መምሃራንን ኣብ ምዃኖም እዩ ከምዝበሉን፡ ኣባ ኣንገል ፊዮሪቶን በርጎሊዮን ኣብ ቦኖስ ኣይረስ መንበረ ጥበብ እዮም ዝተፋለጡ፡ እዚ ኸኣ ኣብ 1969 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ንኽቕበሉ ኣብ ሕንጸት እንከለዉ እዩ፡ ደሓር እውን ኣብ 1973 ዓ.ም. ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣብ ኣርጀንቲና ሓለቓ ኣብ ዝዀንሉ እዋን፡ ኣባ ፊዮሪቶ ኣብ ኣርጀንቲና ዓቢይ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ሚገል ናይ ፍልስፍና መምህር ደሓር እውን ናይ ቅዱስ ሳልቫዶር መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳርን ከምዝነበሩን የዘኻኽራ።

ዝተቐበልካዮ ጸጋ

ኣብ 1961 ዓ.ም. በርጎሊያን ኣባ ፊዮሪቶን ከምእተላለዩን ስዒቡ እውን ኣባ ፊዮሪቶ ናይ በርጐሊዮ ኣበ ነፍስ ከምዝዀኑን፡ ሳላኦም እውን ምስ ናይ ጉዋርዲኒን ሁጎ ራህነርን ፈሳርድን ናይ መጽናዕትን ጽሑፋትን ምርምራትን ተላልዮምን ብፍላይ ራህነር ንናይ ኣባ ኣንገል ፊዮሪቶ ምልዋጥ መሰረት ከምዝዀነ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ሓቢሮም፡ ራህነር ኣብ መንፈስ ኣባ ፊዮሪቶ፥ ሰለስተ ጸጋታት፥ ዘግሃደ እዩ ቢሎም ኣስዒቦም እታ መጠረሽታ መዓልቲ ምስ ኣባ ፊዮሪቶ ዝተራኸቡላ ዕለት፡ ኣባ ፊዮሪቶ ኣብ ከቢድ ሕማም ኣብ ዝነበሩሉ ዕለት 9 ነሓሰ 2005 ዓ.ም. ምዃኑን ዘኪሮም፡ ኣብቲ እዋን ከምቲ ቅዱስ በነዲክቶስ ዝብሎ፡ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ሓልዮት ንብዓት፡ ኣብ ወጅሂ ኣባ ፊዮሪቶ ብቐረባ ተመልኪተ ከምዝበሉን ኣባ ፊዮሪቶ ናይ ዘተ መምህር፡ ምምህር ብመንፈስ ኢየኡሳዊ፡ ናይ ኢየሱስ ትምህርትን ናይ ኢግናዚዮ መንፈሳዊ መምርሕታት ብብቕዓትን ብቓልን ሕይወትን ንኢየሱሳዊ ተመሃራይ ዘስርጹ፡ ናይ ሕያዋይ ጓሳ ኣብነት ዘንጸባርቑን ናይ እዋንና ምልክት ዘናድዩን ዘለልዩን፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን ዝብላ ናይ ምልላይ ህያብ ዝነበሮም፡ ኣኽባርን ብዙሕ ዘይንእዱን ክነኣዱ ዘይደልዩ፡ ዘይፈርዱን ቅንኢ ዝበሃል ዘይፈልጦም ዘይጽንቀቕ ትዕግስቲ ዝተዓደሉን ካብ ጽልዋ ህልዮነት ዘውጽኡኻን ምስ መንፈስ ክፍኣት ምዝታይ ከምዘየድልን ዝመርሑ ኣብ ገማግም ወሓይዝ ከም ዝተተኸለ ኦም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ቸራዞ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ብሓባር ምስ ኢየሱሳውያን ናይ ኣባ ፊዮሪቶ ዕዮ ዘዘንትው መጽሓፍ ንምቕራብ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ብሓባር ምስ ኢየሱሳውያን ናይ ኣባ ፊዮሪቶ ዕዮ ዘዘንትው መጽሓፍ ንምቕራብ
14 December 2019, 17:31