ር.ሊ.ጳ ስለ ግዳያት መጥቃዕቲ ሶማልያ ይጽልዩ!

ኩልና ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከምዝተዓዝብናዮ ኣብ ሶማልያ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ተፈጺሙ። ቅዱስነቶም ነዚ ሕይወት ብዓሠርተታት ዝቚጸሩ ዝቐዘፈን ብዙሓት ሕጻናትን መንእሰያት ተማሃሮን ዝቊሰለን መጥቃዕቲ እዚ ብምንም ተአምር ክንርእዮ ዘይብልና ዘካሕክሕ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ምዃኑ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነቲ ከባቢ ሚእቲ ሰባት ኣብ ባይታ ራሕሪሑ ልዕሊኦም ከኣ ኣቊሲሉ ዝገደደ ከኣ ሓለፍቲ መንገዲ በጻሕቲ ሃገር ክልተ ቱርካውያን ዝቀዘፈ ብአልሻባብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ሶማል ኣመልኪቶም ነዚ ዝስዕብ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

“ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ እቶም ግዳይ ናይቲ ትማሊ ኣብ ከተማ መቃዲሾ ሃገረ ሶማል ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ፈተነ ፈጠርቲ ራዕዲ ዝኾኑ ልዕሊ ሰብዓ ምውታት ብኣማእት ዝቊጸሩ ቁሱላት ዘኸተለ ተግባር ንጐይታ ንለምን። ንኩሎም ግዳያት ናይዚ መጣዕቲ ዝኾኑ ሕይወቶም ዝሰኣኑስ ይኹኑ ስለኦም ዝነብዑን ዝበኽዩን ዘለው ቤተሶቦም ቅርበተይ እገልጽ ስለኦም ንጸሊ ኢሎም ድሕሪ ሓጺር ናይ ሕልና ጸሎት ንሶማልያ ክንርስዓ ከምዘይብልና ብምዝኽኻር ተሰናበቱ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
30 December 2019, 19:41