ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ከባቢ ኣየር መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ከባቢ ኣየር 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ከባቢ ኣየር

ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምብዳህ መንግስታት ሃገራት ዘካይድዎ ጻዕሪታት ፎኪስን ነቲ ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኰነ ነዚ ንምብዳህ ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሔ ስምምዕ ስሉጥ ተፈጻምነት ክህልዎ ካብ ዘብቅዕ ከይዲ ኣዘዩ ዝረሓቐ እዩ ዝመስል

ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ካባቢ ኣየር ንምብዳህ መሰረታዊ ጻዕሪ ንምክያድን ዝድግፉ መደባት ንምልላይ ብሓባር ኣብ ዘተ ንርክብ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ብሓልዮት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጸውዔ ኣብ ማድሪድ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ከምዝዀነን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣዚዩ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝበጽሔ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ንመጻኢ ውለዶ ናይ ተስፋ ምልክታ ንኸነወፍይ ጻዕርናን ዓቕምናን ኵሉ ኣዋዲድና ክንዓዪ ይግባእ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዕለት 13 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ዝዛዘም ኣብ ማድሪድ ካብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣትሒዙ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ንኽመክር ብውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጸውዔ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክብ ብይብጻሕ ናብ ናይ ቺለ ናይ ከባቢ ኣየር ንብረት ጉዳይ ሚኒስትር ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ብዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ኣብ መክፍቲ እቲ ዓውደ ኣኼባ ከምእተነበ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዓብይ ብድሆ እዩ ቢሎም፡ ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ዝተወሃበና ዕድል ሓደራ ኣይነባኽኖ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ቺለ ክካይድ ተመዲቡ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ ኣብ ቺለ ተኸሲቱ ዘሎ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ህዝባዊ ናዕቢ ምኽንያት ኣብ ርእሰ ከተማ ሳንቲያጐ ምእንጋድ ዝከኣል ከምዘይኰነ ምስ ሓበረ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እቲ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ንኽካይድ ድሕሪ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምብዳህ መንግስታት ሃገራት ዘካይድዎ ጻዕሪታት ፎኪስን ነቲ ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኰነ ነዚ ንምብዳህ ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሔ ስምምዕ ስሉጥ ተፈጻምነት ክህልዎ ካብ ዘብቅዕ ከይዲ ኣዘዩ ዝረሓቐ እዩ ዝመስል።

ቢሎም ብዘይ ሕብእብእ ብቐጥታ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣዚዩ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝበጽሔን ሃገራት ዓለም እዚ ከቢድ ኵነት’ዚ ዝጠልቦ ተመዓራራዪ ውሳኔ ካብ ምሃብ ኣዚየን ዝረሓቓ ኰይነን ከምዝርከባን፡ ድሕሪ እቲ ናይ ፓሪስ ናይ ስምምዕ ሰነድ ብዙሕ ለውጢ ዘሎ ከምዘይመስልን፡ ናይ ስነ ኣየርን ከባብን ተመራመርቲ ተወኪሶምን ከምኡ እውን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ሕዝብታት ዓለም ብምስትውዓል ዘቕርቦ ጻውዒት ክንክን ምህዳር ግቡእ መልሲ ዘይረክብ ኰይኑ ናይ ፖለቲካ ዓለም ካብቲ ናይ ሕዝቢ ምስትውዓል ዝረሓቐ ከምዝመስልን ከመላኽቱ እንከለዉ፡

ሕዝቢ ዘለዎ ምስትውዓል ክብ ክብልን ፓለቲካዊ ፍቓድ ዘይብቑዕ ከይኑ ይርከብን

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተፈላየ ስነ ምርምራዊ መጽናዕቲ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር በጺሑሉ ዘሎ ደረጃን ንምብዳሁ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ ይሕብሩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ዓለም ዝኽተሎ መደብ ልምዓት ካብ ምቕያር ዝብልን ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክነቓቓሕ ከምዘለዎን፡ ቃልሲ ጸረ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር፡ ቃልሲ ጸረ ድኽህነት እዩ። ብውልቅን ብማሕበርን ክፍጸም ዘለዎ ተግባር እውን ኣገዳሲ እዩ፡

ፖለቲካዊ ድላይ፡ ብቕንዕናን ብሓላፍነትን ብትብዓትን ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ምዝባዕ ኣየር ንምብዳህ ዝብልን ነዚ ጉዳይዚ መዓላ ሰብኣውን ቁጠባውን ዕደ ጥበባውን ምዕባለን ዘተባብዕን ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብን ብፍላይ ነቶም ብምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝሓልይን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡

ተርእዮታት ምቕያር

ፖለቲካዊ ፍቓድ ኣብ ዓለም ንናይ ሕይወት ክቡር ክብሪ ሓለፋ ናብ ዝብል ኪደት ከመዝርቕ ኣለዎ፥

ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምብዳህ እነካይዶ ጻዕሪ ንናይ ሓባር ቤትና ሓልዮትን ናይ ፍጥረትን ተፈጥሮን ክብሪ ዘማዕድው ብምዃኑ ስልጡን ጻዕሪ እዩ፡ ስለዚ እዚ ጻዕሪ እዚ ክይኹለፍ ሓደራ … ኣብ ኤኮኖምን ዕደ ጥበብን ማሕብራውን ሕንጸት ብዘሎና ሓላፍነትን ተግባራትና ንሓድ ሕዱ ተሟራዃሲ ምዃኑ ተኣሚንና እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ከም ሰነይ ኣጋጣሚ ንጠቀመሉ፡

ንመንእሰይ ወለዶ ናይ ተስፋ ምኽንያት ምቕራብ

ከምዝበሉ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፡ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንመንእሰያት እናሓሰቡ ህልው ወለዶ ዝፈጠሮ ጸገማት ኩሉ ናብ መጻኢ ወለዶ ክይመሓላለፍ መታን ናይ ተስፋ ምኽንያት ዘቕርብ ኰይኑ ክርከብ ሓደራ ቢሎም፡ እቲ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ኣኼባ ሰናይን ክቡርን መጻኢ ንመጻኢ ወለዶ ንምውፋይ ብዝብል መንፈስ ክምራሕ እላበው እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ሓቢረን።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ከባቢ ኣየር

 

04 December 2019, 17:08