ድለ

ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ

እቲ ኣብ ቤተ ልሔም መብልዕ ማል ዝተወልደ ሕጻን እቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሕጻናት እዩ፡ እዞም ሕጻናት እዚኣቶም ናይ ኣተኵሮና ማእከል እያቶም ክዀኑ ዘለዎም

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ዓለም ናይ ሕጻናት መጻኢ ውሑስ ንምግባር ዘድሊ መምዘንታት ትግቡር ክኸውን ብፍላይ ናይቶም ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ፡ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ናይ ትሕቲ ዕድመ መጻኢ ቀዳምነት ክህልዎ ብዝብል መንፈስ ተመሪሑ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብዓለም ሓቆፋዊ መረብት ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ወግዓዊ ከምዝዀነ፡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነፍሲ ወከፍ ሕጻን ዝተነጸለን ንስቓይን መከራን ዝዳረግን ንበይኑ ዝተጠንጠነን፡ ትምህርትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰሉን ክብሩን ዝተገሃሶን ናብ እግዚኣብሔር ዝቐርብ ገዓር እዩ፡ ብዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ኣበጊሶም፡ ምእመናንን መላእ ዓለም ናይ ሕጻናት መጻኢ እቲ ቀንዲ ዘገድሶን ቀዳምነት ክህበሉ ዝግባእን ክኸውንን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብፍላይ ልደት ዘእግዚእነ ንብምብዓል ኣብ እንሰናደወሉ ዘሎና እዋን ብፍሉይ ክስትንተንን ክጽለን ዘለዎ ሓሳብ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ሕጻናት ዓለም፡ ሕጻነ ኢየሱስ እያቶም

እቲ ኣብ ቤተ ልሔም መብልዕ ማል ዝተወልደ ሕጻን እቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሕጻናት እዩ፡ እዞም ሕጻናት እዚኣቶም ናይ ኣተኵሮና ማእከል እያቶም ክዀኑ ዘለዎም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጻን ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ እቲ ናብ ዓለም ዝመጸ ተኣፋፊ ክርስቶስ እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጻን ሕጻነ ኢየሱስ ነለልይ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብዚ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ሕጻናት መጻእነት ቀዳምነት ንኽወሃቦ ብፍላይ ናይቶም ዝሳቐዩ፡ ንጸልይ።

ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ሎሚ ኣውን ኣብ ሓደጋ

ኣብ ዓለም ካብ ሰለስተ ሕጻናት ሓደ ብምኽንያት ድኽነትን ኢማዕርነትን ኣድልዎን ዕሸልነቱ ከምዝገሃስን፡ ልዕሊ 15 ሚሊዮን ዝግመቱ ብዝተፈላለዩ ክሓውዩ ብዝኽእሉ ሕማማት ሰኣን ምኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመኦም ከምዝሞቱን፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መሰልን ክብርን ክኽበር ዝብል መደብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክሳብ 2030 ዓ.ም. ክትግበር ቢሉ ኣብ ዝሓንጸጸ መደብ ልምዓት ካብ ዘንበሮም 17 ተብጽሖታት ሓደ ኣንክብል ዘመላኸቶም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ክኽበር ዝብል ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ሕጻናት ድምጺ ኰይኖም ጻውዒት ከቕርቡ እዚ ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ፈለማ ከምዘይኰነን፡ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ብፍላይ ዕለት 21 ሕዳር ኣብ ባንግኮክ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ ዝዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ማሕበረ ክርስቲያን ታይላንድ ልኡካነ ወንጌል ናብ ጐደናታት ወጺኡ ንዅሎም ነቶም ሕጻናት ዝርከብዎም ኵሎም ናብ መኣዲ ጐይታ ክዕድሙ ኣንክብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ለበዋ፥

ብፍላይ እቶም ንኣመንዝራነትን ሓድሽ ጊልያነትን ሓደጋ ዝተቓልዑን ዝተዳረጉን … ናይ ዕጸ ፋርስ ጽግዕተይና ዝዀኑን ኣብ ትርጉም ኣልባ ሕይወት ዝተሓድጉን ሕልሞምን ምዕዳውነቶምን ዝተዀልፎም ነቶም ቤቶምን ስድራ ቤቶምን ዝተመንዝዑ ስደተይናታትን ካልኦት ዝተረስዑን ዝተጠንጠኑን ኰይኖም ዝስምዖምን እዝክር

ከምዝበሉ ቸራዞ የዘኻኽራ።

ታሪኽ ብጋሴ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው

እቲ ሎሚ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ብዝብል መጸውዕ ዝተሓደስ ቅድሚ 175 ዓመት ብዙሓት ንናይ ቤተ ክርስቲያን ረብሓ ፍቓድ እግዚኣብሔር ንምንባር ክሳብ ሕይወቶም ኣሕሊፎም ንምሃብ ወትሩ ስንድዋት ኰይኖም ንኽርከቡ ምጽላይ ብዝብል ድላይ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ተወላዲ ፈረንሳ ኣባ ሳቨሪዮ ጓትረለት ዘካየድዎ ኣብ ዝነበረ ዓውደ ጉባኤ ሓሳብ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብቲ እዋን ብዙሓት መንእሰያት ቃል ኣምላኽ ንኸበስሩ ናብ ህንዲ ንኽኸዱ ተነቓቒሖምን እዚ ንምፍጻም ዝከታተልዎ ዝነበረ ትምህርቲ እውን ከቋርጹን ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ንኽለኣዅ ዝነበሮም ህረርታን፡ እቲ ዝነበሮም ውዕዉዕ ድላይ ወንጌላውነት ብጸሎት እውን ክፍጽምዎ ከምዝኽእሉ ካብ ሓለቓኦም ኢየሱሳዊ ካህን ከምእተነገሮምን፡ ኣብ ዘለኻሉ ኰይንካን እትኽተሎ መደብ ሕንጸት እውን ከየቋረጽካ ኣብ ጸሎትን ብጸሎትን ልኡኽ ምዃን እውን ከምዘከኣልን ኣብዚ ኸኣ ዓለማውያን ምእመናን ልኡካነ ወንጌል ንምዃን ሰፊሕ ዕድል ዘይነበሮም ኵሎም ክጽንበርዎ ዘኽእል መደብ ምዃኑ ይስተውዓል፡ ኣብ መባእታ 1900 ዓመታት ናይዚ ናይ ጸሎት ሓዋርያት ማሕበር ልዕሊ 13 ሚሊዮን ከምዝበጽሑን ኣብዚ እዋን’ዚ 35 ሚሊዮን ከምዝበጽሑ ዓለም ሓቆፋዊ መረብት ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ የዘኻኽሩ።

ናይ ወርሒ ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ

 

06 December 2019, 17:19