ፍቅሪ እግዚአብሔር ብግበረለይ ክገብረልካ ዘይኮነስ ነጻ ህያብ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ልደት ተብዕል ኣላ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ መሳርሕቶም ኣባላት ኩርያ ሮማና ዝርከብዎም ብዙሓት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ምእመናንን ነቲ ልሙድ ኣብ ለይቲ ልደት ዝግበር ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣዕሪጎም። ኣብ ዘቅረብዎ ዕምቖት ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝገልጽ ስብከቶም ከኣ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ብዋጋ ዕዳጋ ግበረለይ ክገብረልካ ዘይኮነ ብነጻ ዝወሃበና ንነፍሲወከፍና ከከም ዘሎና ዘፍቅረና ካባና እንትርፎ ኣሜን ኢልካ ምቅባልን ምፍቃርን ካልእ ምንም ዘይጽበ ነጻ ህያብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ለይቲ ቅዳሴ ዝቀርብ ንባባት እቲ  «ኣብ ጸልማት ዝነበር ዝነበረ ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን በረቀሎም» (ኢሳ 9,1) ዝብል ዝርከቦ ትንቢት ኢሳያስን ብዝርዝር ልደት ኢየሱስ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ሉቃስን ኰይኑ እቲ መልኣኽ ንጓሶት ኣይትፍርሁ እነሆ ንመላእ ዓለም ዝኸውን ዓቢ ሓጐስ አበስረኩም ኣሎኹ ምስ በሎም እቶም ጓሶት ዘስተማቀርዎ ክብሪ እግዚአብሔርን ምብጻሕ ናብ ኢየሱስ ሕጻንን ዘዘንቱ ነበረ። ቅዱስነቶም ካብታ ቀዳመይቲ ንባብ ተበጊሶም ዘቅረብዎ ስብከት ነቅርበልኩም።

እቲ  «ኣብ ጸልማት ዝነበር ዝነበረ ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን በረቀሎም» (ኢሳ 9,1). እዛ ናይ ቀዳማይ ንባብ ትንቢት እዚኣ ኣብ ወንጌል ተፈጺማ፡ ስለዝኾነ ከኣ እቶም ጓሶት ብለይቲ ኣብ መሬታቶም ማሎም ክጓስዩ ከለው “ክብሪ እግዚአብሔር ጐልበሎ” (ሉቃ 2,9)። ኣብ ለይቲ ዓለምና ብርሃን ካብ ሰማይ መጸ። እዛ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ዝበርሀ ብርሃን እንታይ ኮን ይኸውን! ትርጉሙኸ! ቅዱስ ጳውሎስ “ጸጋ እግዚአብሔር መጸ” ብማለት እዛ ጸጋ እዚኣ ከኣ “ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ዝኸውን ድሕነት ኣምጸኤ” (ቲቶ 2,11) ክብል ትርጉሙ ይእምተልና። እዚ ብርሃን እዚ እዩ እምበኣር ሎሚ ለይቲ ንዓለምና በሪቁላ ዘሎ። ካብዚ ሕልፍ ኢልና እዛ ጸጋ እዚኣኸ እንታይ ኮን ትኸውን! ኢልና ምስ እንሓትት እቲ መለኮታዊ ፍቅሪ እቲ ንሕይወት ዝልውጥን ታሪኽ ዘሐድን ካብ ክፍኣት ሃራ ዝገብርን ሰላምን ሓጐስን ዘመንጩ ፍቅሪ እዩ። ሎሚ ለይቲ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣባና ትራእዩ ንሱ ከኣ ኢየሱስ እዩ። ኣብ ኢየሱስ እት ልዑለ ልዑላን ዝኾነ እግዚአብሔር ንእሽቶ ሕጻን ኰይኑ እዚ ከኣ ብኩልና ምእንቲ ክፍቀር እዩ። ኰይኑ ግን ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ምጽኣት ጐይታ ኣብ ዓለምና ጸጋ ቢሉ ዝጽወዓሉ ምኽንያት እንታይ ኮን ይኸውን ኢልና ክንሓትት እውን ንኽእል። ምሉእ ብምሉኡ ብነጻ ዝተዓደለ እዩ ንክብለና ኢሉ እዩ። ኣብ ዓለምና ገለ ክትረክብ እንተኾንካ ገለ ክትህብ ኣሎካ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘሎ እግዚአብሔር ብነጻ ምንም ከይሓተተ ይህበና። ፍቅሪ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዚኣቱ ኣይኮነን። ስለዚኸስ እዚ ጸጋ እዚ ክወሃበና ምንም ዝገበርናዮ የብልናን እንተንፍትን እውን ፈጺምና ክንክሕሶ ኣይንኽእልን።

ጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ዓለምና መጸ ዝብልከስ ንሕና ክንቅበሎ ዘይግብኣና ክንሰና ሎሚ ለይቲ ንሱ ንዓና ክብል ሕጻን ኰይኑ ንሕና ኣብ ጐጉዳይና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንከሎና ንሱ ኣብ ማእከልና ሓደረ። በዓለ ልደትከስ እግዚአብሔር ንነፍስወከፍና ወላ ነቱ ሕሱም ሰብ ከይተረፈ ከምዘፍቅረና የዘኻኽረና። ንዓይ ንዓኻ ንነፍሲወከፍና “አፍቅረካ እየ ንዘለዓለም ከኣ ከፍቅረካ እየ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንተይ ብጣዕሚ ክቡር ኢኻ/ኺ” ይብለና ኣሎ። እግዚአብሔር ዘፍቅረካ/ኪ ቅኑዕ ወይውን ሕያዋይ ስለዝኾንካ/ኪ ኣይኮነን ፍቅሪ ስለዝኾነ የፍቅር! በቃ! ፍቅሩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ኣይኮነን ካባኻ/ኺ ኣይኮነን። ግጉይ ሓሳባት ክህልወካ ይኽእል ዘይፈጸምካዮ በደል ኣይክልወካን ይኸውን ኰይኑ ግን ጐይታ ካብ ምፍቃርካ ዓዲ ኣይውዕልን እዩ። ክንደይ ግዜ ኮይን ይኸውን ኣብ ሕይወትና ንሕና ሕያዎት እንትኾና እግዚአብሔር ምሳና ሕያዋይ ይኸውን ዝቀጽዓና ክፉእ ምስ እንገብር እዩ ኢልና ዘይሓሰብና። ኰይኑ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ምስ ሓጢኣትና እንከሎና ገና ፍቅሩ ቀጻሊ እዩ። ፍቅሩ ኣይልወጥን ብውዑል ዝኸውን ኣውን ኣይኮነን ወትሩ እሙንን ዕጉሥን እዩ። ኣብ ልደት እንረኽቦ ውህበትከስ እዚ እዩ። ጐይታ ንኩሉ ብነጻ ከምዝዕድለናን ንኩሉ ሕያውነቱን ንረክብ። ክብሩ ኣይድርጉሓናን ኣብ መንጎና ምህላው ኸኣ ኣየርዕደናን። ብሃብቲ ፍቅሩ ናቱ ምእንቲ ክገብረና ከኣ ብኩሉ ድኻ ኰይኑ ይውለድ።

ጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ዓለምና መጸ ዝብል ካልእ ትርጉሙ ጽባቀ እዩ። ሎሚ ለይቲ ኣብ ጽባቀ ፍቅሪ እግዚአብሔር ናትና ጽባቀ እውን ንርኢ ከመይ ብኣኡ ዝተፈቀርና ኢና። ኣብ ጽቡቅስ ይኹን ኣብ ሕማቅ ኣብ ጥዕናስ ይኹን ኣብ ሕማም ኣብ ሓጐስስ ይኹን ኣብ ሓዘን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ጽቡቃት ኢና እዚ ከኣ በቲ እንገብሮ ዘይኮነ በቲ ዘሎና እዩ። ኣባና ዘይድምሰስ ጽባቄ ዘይድህሰስ ጽባቄ ሕመረት ህላዌና ዝኾነ ክትክሕዶ ዘይከኣል ጽባቀ ኣሎ። በዚ ዕለት እዚ እዚ ንሰብኣውነትና ብፍቅሪ ለቢሱ ንዘለዓለም ናቱ ገሩ ነዚ ጽባቀ እዚ የዘኻኽረን።

እቲ ንጓሶት ዝተበሰረ ዓቢ ሓጐስከስ ሓቂ ብሓቂ ናይ ኩሉ ዘመደ ኣዳም እዩ። ኣብቶም ከምዚ ንሕና ዘሎና ብርግጽ ፍጹማን ወይ ቅዱሳን ዘይነበሩ ጓሶት ንሕና ኣውን ምስ ተኣፋፍነትናን ድኻምናን ኣብኦም ኣሎና። እግዚአብሔር ከምቲ ንዓታቶም ዝጸወዔ ንዓና እውን ይጽውዓና ኣሎ። ከመይ ስለዘፍቅረና። ኣብ ጸልማታት ለይታትና ከምቲ ንዓታቶም ዝበሎ ንዓና እውን ‘ኣይትፍርሁ’ (ሉቃ 2.10) ይብለና ኣሎ። ሃየኸስ ትብዓት ይሃልወና! ምትእምማን ኣይነጥፍእ ተስፋ ኣይንቊረጽ ምፍቃር ዝተኸስረ ግዜ ኣይመሰለና! ሎሚ ለይቲ ፍቅሪ ንፍርሃት ስዒሩ ሓዲስ ተስፋ ተቀልቂሉ እታ ደስ ትብል ብርሃን እግዚአብሔር ንዘፍርህ ጸልማት ዘመደ ኣዳም ኣሸኒፉ። ዘመደ ኣዳም እግዚአብሔር የፍቅረካ እዩ ንዓኻ ክብል ሰብ ኰይኑ ስለዚ በይንኻ ኣይኮንካ ኣይትፍራህ። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ጸጋ እንታይ ኮን ክንገብር ኢና ትብሉ ትኾኑ! እታ ትገብርዋ እንኮ ነገር ነቲ ህያብ ነቲ ጸጋ ምቅባል ጥራይ እያ። ቅድሚ ንእግዚኣአብሔር ሃሰስ ክንብል ንደልዮ ንሱ ደልዩ ክረኽበና ነፍቅደሉ። ከመይ ካብ ተኽእሎና ኣይኮነን እንብገስ እንታይ ደኣ ካብ ጸጋኡ እዩ። ከመይ መድሓኒ ንሱ እዩ ኢየሱስ እዩ። ጠመተና ኣብቲ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ዘሎ ሕጻን እሞ ንግበር ብርሕራሔሁ ክሽፍነና ነፍቅደሉ። ንሱ ከፍቅረና ክመጽእ እንከሎ ንምእባይ እንቀርቦ ምንም ምኽንያት የብልናን። እቲ ኣብ ሕይወትኩም ዘሎ ተጠማዚዙ እዩ! እቲ ናይ ማሕበኩም ኣይሰርሕን ናይ ዓለምና ኸኣ ፈጺምካ ኣብ ቊጽሪ ኣይኣቱን። ኩሉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እዩ ዝወርድ ከመይ ኣብ ቅድሚ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ ኢየሱስ ትሕትናን ቅርበትን ዝመልኦ ስለዝኾነ ምንም እነቅርቦ ምኽኒት የሎን። ኣብዚ በዓለ ልደት ኣብ ሕልናና ክመላለስ ዘለዎ ሕቶኸስ ‘እግዚኣአብሔር ከፍቅረኒ አፍቅድዶ! ነቲ ከድሕነኒ ዝመጸ ፍቅሩዶ እውፈ! ኢልና ነስተትን።

ክንድዙይ ዚዓቢ ጸጋኸስ ብዙሕ ምስጋና እዩ ዝግብኦ። ንጸጋ ምቅባል ዋና ትርጉሙ አመስጊንካ ምኽኣል እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገም ግን መነባብሮና ወትሩ ካብ ምስጋን ርሒቁ ይርከብ። ሎሚ እምበአርከስ ናብ መንበረ ታቦት ቅርብ ኢልና ናብቲ ጥቃኡ ዘሎ በዓቲ ልደት ድንን ኢልና ተመስገን ክንብል እዋኑ እዩ። ነቲ ዓቢ ጸጋ ዓቢ ውህበት ዝኾነ ኢየሱስ ንቀበል ብድህሪኡ ንሕና ብግደና ንካልኦት ኢየሱስ ንኹን። በዚ ከኣ ውህበት ጸጋ ኰና ንሕይወት ትርጉም ሂብና ንዓለም ንለውጣ! ንካልኦት ዘይኮነ ብቀዳምነት ንካልኦት ተወፊና ንርእስና ክንልውጥ ምስ ከኣልና ዓለም ትልወጥ ቤትከርስያን ትልወጥ ታሪኽ ይቅየር።

ነዚ ጉዳይዚ ኢየሱስ ሎሚ ለይቲ የርእየና ኣሎ። ኢየሱስ ንታሪኽ ለዊጥዎ ነዚ ግን ንማንም ዓምጺጹ ወይ ብሃይለ ቃል ኣይኮነን ዝገበሮ እንታይ ደኣ ሕይወቱ ብምውፋይ እዩ ገርዎ። ንክነፍቅርዎ ሕያዎት ክንከው ኣይተጸበየን እንታይ ደኣ ብነጻ ንዓና ተወፍዩ። ንሕና እውን ንጐረቤትና ሠናይ ነገር ንምግባር ናቱ ጠባይ ከይተመልከትና ክንገብሮ ከምኡ እውን ቤተክርስትያን ክንክተላን ክነፍቅራን እንተዀና ፍጽምቲ ክትከውን ኣለዋ ክንብል ከምኡ እውን ካልኦት ነቲ እንህቦ ኣገልግሎት ክንእድዎን ከመስግኑናን ከይተጸበና ኣቀዲምና ክነፍቅሮም ኣሎና። ንሕና ንጀምር። ንጸጋ ልደት ምቅባልከስ እዚ እዩ። ቅድስና ኸኣ ነዚ ምዕቃብ እምበር ካልእ ኣይኮነን።

ሓንቲ ጥዕምቲ ታሪኽ ብዛዕባ ልደት ኢየሱስ ኣብ በዓቲ ልደት ብብዙሕ ውህበታት ከምዝተገብረ ተዘንቱ። ነፍሲወከፍ ንዘለዎ ሒዙ ይመጽእ ነሩ ገሊኦም ካብ ጀራዲኖም ፍሩታ ገሊኦም ክቡር ውህበታት የምጽኡ ነሮም ይብል። ኩሎም ብልግሲ ንዘለዎም ከወፍዩ ክኸዱ ከለው ሓደ ድኻ ጓሳ ምንም ዘይብሉ ነበረ። ብጣዕሚ ድኻ ብምንባሩ ከኣ ዘወፍዮ ምንም ኣይነበሮን። ኩሎም ውህበታቶም ክህቡ ጽቅጥቅጥ ክብሉ ከለው ንሱ ወሰኑ ሒዙ ብሕፍረት ተዋሒጡ ነበረ። ቅዱስ ዮሴፍን ድንግል ማርያምን ከኣ ንኩሉ ውህበታት ክቅበሉ ይጽገሙ ነበሩ ምንዳ እኖና ድንግል ማርያም ከመይ ነቲ ሕጻን ክትሕሉ ነርዋ። በዚኸስ ነቲ ድኻ ጓሳ ኣብ ኢዱ ምንም ዘይሓዘ ብምንባሩ ንክቀርብ ይሓትዎ። ነቲ ውህበታት ክቅበሉ ሓንሳእ ንኢየሱስ ሕጻን ክሓቊፍ ይህብዎ። እቲ ድኻ ጓሳ ንኢየሱስ ሕጻን እንክቅበል ዘይግብኦ ነገር ከምዝተቀበለ ይሓስብ ኣብ ሕቊፉ እቲ ዝዓበየ ህያብ ታሪኽ ከምዝሓዘ የስተውዕል። ነእዳው እንተተመልከተ ቅድሚ ቅሩብ ደቃይቅ ምንም ዘይሃዙ ዝመስልዎ ዝነበሩ ናይ ወልደ እግዚኣአብሔር መዕረፊ ኰይኖም። እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ ጐይታ ክስምዖ ጀመረ ነቲ ውሒጥዎ ዝነበረ ሕፍረት ኣልዩ ንኢየሱስ ሕጻን ንኩሎም ከርእዮም ጀመረ ከመይ ነዚ ዓቢ ውህበት ንርእሱ ጥራይ ክሕዞ ኣይከኣለን ይብል እት ታሪኽ።

ዝኸበርካ ሓወይ! ዝኸበርኪ ሓፍተይ ኣእዳውካ ምንም ዝውፈ ዘይብሎም ባዶ ኰይኖም እንተተሰሚዖኻ/ኺ ልብኻ/ኺ ድኻ ፍቅሪ ኰይኑ እንተተሰመዓካ/ኪ ሎሚ ለይቲ ንዓኻ/ኺ እያ። ጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትካ ከንጸባርቅ እዩ ተገሊጹ። ነዚ ጸጋ እዚ ሃንጐፋይ ኢልካ/ኪ ተቀበሎ/ልዮ ሽዑ ሕይወትካ/ኪ ብብርሃን ልደት ከንጸባርቅ እዩ።      

ብድምጺ ንምክትታል!
25 December 2019, 13:23