ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2019 ዓ.ም.፥ ናይ እምነት ርግጽነትን ቃልሲ ጸረ ኣምልዀ ጣዖትን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2019 ዓ.ም.፥ ናይ እምነት ርግጽነትን ቃልሲ ጸረ ኣምልዀ ጣዖትን 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2019 ዓ.ም.፥ ናይ እምነት ርግጽነትን ቃልሲ ጸረ ኣምልዀ ጣዖትን

ብዙሕ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቐጥታ ከምቲ ኢየሱስ ዝዛረቦን ዝብሎን ዝነበረ፡ ብርቱዕ ቃል የመሓላልፉ፡ ካልእ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ እውን እዮም። ስለዚህ ከምቲ ንሱ ንፈርሳውያንን ጸሓፍትን ናይ ሕጊ መምሃራንን ጻድቃናትን ኣኽበርቲ ቃልን ካብ ካልኦት ዝበለጹን ገይሮም ንገዛእ ርእሶም ዝሓስቡ ንዝነበሩ ተቖጢዑ ዝገንሖም ዝነበረ

2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ዝብል ኣስፍሆተ ወንጌል ሸቶ ዝገበረ ጽዑቕን ብዙሕ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻታትን ሓጾተ ኖልዎን ዝፈጸምሉን ዝተፈላለዩ ርክባት ምስ ዓባይቲ ናይ ሃይማኖትን ናይ መንግስታትን ላዕለዎት ኣካላት ዘካየድሉ ዓመት እዩ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2019 ዓ.ም.

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ጋዜጠይና ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2019 ዓ.ም. ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስነቶም ጥልቅን ገርሄይናን ግልጽን ዝዀነ፡ ኣብቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎትን ኣብ ግብረ ሓዋርያት ዘተኰረን ብጠቅላላ 41 ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮታትን፡ 56 ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይን 60 ኣብ ዘዕረገዎ ወግዓዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከትን፡ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ 44 ስብከታትን፡ ብጀካ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘመሓላልፍዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ሰነዳትን ደሓር መጽሓፍ ኰይኑ ዝተሓትመ ዝሃብዎ ቃለ መሕትታትን 260 ወግዓዊ መደረታትን ዘጠቓለለ ዓመት ምንባሩ የመልክት፡

ርግጽነት፥ ኣልቦ ምድንጋራት

ናይ ዕለታዊ ሕይወትና መሰረት፡ እግዚኣብሔር የፍቅረናን ኣብ ኢየሱስ ሕይወቱ ምእንታና በጀወ ዝብል ርግጽነት ዘቕርበልና ምጽንናዕ ከምዘሎ የመላኽቱ፡ እዚ ናይቲ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእታን ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦም መርሓ ግብሪ ተባሂሉ ናይ ዝንገረሉ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ሕመረት እዩ። ንቕድሚት ናይ ምባል ሓይልን ጽንዓትን ኣእዳውና ከይደክም መታን ዝድግፋና እምነት ኣዴታትን ኣደ ሓጐታትን ገርሄይናን ጽኑዕን ምዃኑን የዘኻኽሩ፡ ኣብ ቤት ዝንበር ብዙሕ ዘይርአይ ዝመስል፡ ሰለይ እናበለ በቢ ነኣሽቱ ናይ ትሕትና ተግባራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሓንጽ እምነት እዩ፡ ኣብ ናይ ወንጌል ሕመረት ዝተሰርተ ዘየደናግር እምነት ዝነብራ እንክሉ ይገልጽወን።

እምነትን ጣዖታውነትን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ወትሩ ናብ ኣረመናውነት ዝቕየር ዘሎ ዓለም ነቲ ሓደን ስላሴን ዝዀነ እንኰ እግዚኣብሔር ንኸነምልኽን ክንስገድን ይምዕዱ፡ ጣዖታውነት ወይ ኣምልኾ ጣዖታትን ኣብ ናይ ኣረመን መቕደስ ምዃድን ንሓደ ጣዖታዊ ምስሊ ምስጋድ ማለት ኣይኰነን፡ ኣምልዀ ጣዖትን ጣዖታውነትን ናይ ልቢ ጉዳይ እዩ። … ከምዝደለኻዮ እትፍጽሞ ..  ጐይታ ዘረስዕ፡ ከከም እዋኑ ኣስማቶም ዝቐያይሩ ጣዖታት፡ ሃብቲ ገንዘብን ዓወትን ስልጣንን ባዕለ ክውንታውነትን፡ ምሾትን እቶም ኵሉ ሓጐስ ዝህቡ ተባሂሉ ዝንገረሎም ጣዖታት፡ ይዅን ደኣ ኣምበር ሓጐስ ዘይህቡ በንጻሩ ጊላ ዝገብሩን ካብና ፍቕሪ ዝቐጥፉን እያቶም፡ ጣዖታት ሕይወት ቃል ይኣትዉልና እሞ ካባና ሕይወት ይምንዝዕ፡ እቲ እውንተይና ኣምላኽ ይብሉ ኣብ ሓደ ናይ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ሕይወት ዝሓትተና ዘይኰነስ ሕይወት ዝህበና ጐይታ እዩ ዝበልዎ ቾንቶፋንቲ የዘኻኽሩ።

ነቲ ኣብ ልባትና ዘሎ ፈሪሳውነት ምእራም ከቢድ እዩ

ብዙሕ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቐጥታ ከምቲ ኢየሱስ ዝዛረቦን ዝብሎን ዝነበረ፡ ብርቱዕ ቃል የመሓላልፉ፡ ካልእ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ እውን እዮም። ስለዚህ ከምቲ ንሱ ንፈርሳውያንን ጸሓፍትን ናይ ሕጊ መምሃራንን ጻድቃናትን ኣኽበርቲ ቃልን ካብ ካልኦት ዝበለጹን ገይሮም ንገዛእ ርእሶም ዝሓስቡ ንዝነበሩ ተቖጢዑ ዝገንሖም ዝነበረ፡ ቅዱስ ኣቦና እውን ብዙሓት ካቶሊካዊ እምነት ዝናዘዙ ግና ክርስትያንን ሰብኣውያን ምዃኖም ዝዘንግዑ፡ ናይ ገዛእ ርእሳውነት - ኢጐ ሃይማኖቱ ዝገብር ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓት ኣምልዀን ጸሎትን ዘንብሩን እውነተይና ኣምልዀን ስግደትን ንእግዚኣብሔር ንብጻይካ ብምፍቃር ዝሓልፍን ዝነበርን ምዃኑ ዝዘንግዑ እንክብሉ ይግንሕዎም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ይብሉ፡ ፈሪሳዊ ባህርይ ኣሎ፡ ትዕቢትን ንቕጽናን ገዛእ ርእሱ ምጽዳቕን፡ ናይ እምነት ሕይወት፡ ትሕትና ምንባርን ንኽትእረም እውን ትሕትና ምንባር ዝብል እዩ ይብሉ።

ልዙብነት ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ንምብዳሕ

ትማሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ኸኣ ካልአ ክርቶስ ኣብ ምድሪ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃላቶም፡ ወይ ንኽትልወጥ ወይ ከኣ ብዝገደደ ልብኻ ንኸተትርር እዩ፡ ኣይ ውዑይ ኣይ ዝሑል ኣብ ምዃን ዘይተርፍ፡ ንውሽጣውን ደጋውን እቢተይናነት፡ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምፍንጫልን ምጉጅጃልን ፈጺሙ ከምዘየፍርሖም ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ኣብ ምምላሶም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንለውጥን ሕዳሴን ኣይፋል ዝብል ብዙሓት ደረቓውያን መትከል ዘለዎ ኣመላኻኽታ ዝኽተሉ ኣለዉ፡ እዚኣቶም ግና ተምሳል ምጉጅጃል ዘለዎ መገድታት መግለጺ እያቶም፡ ፍጻሜኦም ሕማቕ እዩ ዝኸውን፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ድርቅናን ንቕጽናን’ዚ ናይ ወንጌል ቅድስና የልቦም፡ … ስለዚህ ነቲ ክፍኣት ብሰናይ ምግባር እዩ መልሲ ምሃብ ዘድሊ፡ ልዙብ ብምዃን … እዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይካቶሊካዊት እያ ቢሎም ዝሓስቡ ኣለዉ፡ ኣብ ኣፍ ር.ሊ.ጳ. ዘይቃሎምን ዘይበልዎን ዘንብሩ። ዝቕየር ናይ እምነት ሃምነን ሓደ’ኳ የልቦን፡ ምሕረት እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ብቕሩብ ርሕቐት ቅድሚ እቲ ሃምነናዊ ትምህርቲ እምነት ዝርከብ፡ ብልቢ ንኽንበር ጥራሕ እዮም ዝዕድሙ፡ ኪደት ምዕባለ ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህልን ትዊፍትን ዝጸንዔ እዩ።

ብዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ፡ ናብ ኢየሱስ ምልዋጥ እቲ ማእከል ንሱ እዩ

ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ከባቢ ኣማዞም ዝመክር ዝጠለብዎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣብ ምልዋጥ ዝብል ለበዋ ዘማእከለ ከምዝነበረን፡ እዚ እውን ኣብቲ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዝተነብረ ኰይኑ፡ ኣርባዕተ ዓይነት ምልዋጥ ከምዘሎ ይምዕድ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘይበይናውነት ከይዲ ንኽትርከብ። ባህላዊ ከይድን፡ ምስ ዝተፈላለየ ባህሊ እትዝትን ፍጥረትን ተፈጥሮን ካብቲ ዘዕንው መዝማዚ ዓመጽ ናጻ ክኸውንን፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ነዞም ኣርባዕተ መገድታት ክስዕብ ከምዘለዎ ቅዱስነቶም ኰኑ እቲ ሲኖዶስ የተሓሳስብ፡ ናብቲ ህያው ናይ ክርስቶስ ወንጌል ምልዋጥ፡ እውነተይና ምልዋጥ ኣብ ሕይወትካ ክርስቶስ ማእከል ምግባርን እቲ ናይ ሓድሽ ሕይወት ቀንደይና ተዋሳኢ ንዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ገዛእ ርእስኻ ምሃብን ማለት ምዃኑ የብርሁ።

ናይ ወሲብ ዓመጽ፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻእን ንኽውገድ ምቅላስ

2019 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕምደ ሕጻናት ዝመኸረ፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ቤተ ክርስቲያን ንኽውገድ ዝግበር ቃልሲ ክበራታዕን፡ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምክልኻል ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዘይትዩን። ቤተ ክርስቲያን ብትብዓት ነዚ ጉዳይ’ዚ ጠቒሳን ብዛዕባኡ ዘትያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ጥራሕ ዘይኰነ እዚ ዓቢይ ገበን እዚ ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ ምዃኑ እውን ኣተሓሳሲባን ማለት ኣብ ስድራ ቤት ውሽጥን ኣባይቲ ትምህርቲ ኣብ ተቕዋማት ስፖርትን ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ዝረአይ ኣብ ሩካቤ ስጋ ዘማእከለ መስህባዊ ኪደትን ካልእቶ ዝተፈላለዩ ዓመጻትን። እዚ ከቢድ ገበን’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይፈጸም ኣይፈጸም፡ ጸረ ሰብኣዊ ገበን እዩ። ቅዱስነቶም ብዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ናይ ዓለም ብርሃን ኢኻትኩም ብዝብል ኣርእስቲ ዝደንገግዎ ሕጊ፡ ኣብ ግብሪ ይውዕል ኣሎ።

ሕዳሴ፡ መዋቕራት ቤተ ክርስቲያን ንዝበለጸ ወንጌላዊ ተልእዀ

ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር - ኩሪያ ሮማና መደብ ሕዳሴ ዝሕንጽጽን እቲ ዝሓንጸጾ መደብ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ዘቐምዎ መማክርት ር.ሊ.ጳ. ጉባኤ ስድስቱ ካዲናላት ዘካየዶም ዓውደ ኣኼባታትን ወንጌል ኣበስሩ ብዝብል ኣርእስቲ ዘርቐቖ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ቅዋም ሓርፋፍ ሰነድ ከምዘቕረበን፡ መሰረታውን ቀዳማይን ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ብስራተ ወንጌል ዝብል ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እውን ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ፡ ብብፁዓን ካርዲናላት ዝሕረይ ሓላፍነት ኰይኑ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ተልእዀ ክህልው ዝእዝዝ ዝደንገግዎ ሕግን።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ማል፡ ንኣስፍሆተ ወንጌል ንድኻታትን

ናይቲ ብዮር ዝፈልጥ ናይ ሃይማኖት ተቕዋማት ተግባር ዘመሓድር ዝኽተሎ ውሽጣዊ ቅዋም ከምዝሓደሱን፡ እዚ ሕዳሴ እዚ እውን ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣገልግሎት ንድኻታትን ዝብል እዩ። ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንኽዀኑ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኽዋን ኣንቶኒዮ ጉአረሮ ኣልቨስን፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘገልግሉ ኣካላት ዘካይድዎ ምንቅስቓስ ሃብቲ ገንዘብን ቁጠባን ክጻረይ ንናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከምዝሃቡን። ሃብቲ ገንዘብ ምውፋር ግብረ ገባዊ እዩ ይኹን ደኣ እምበር ሸቶኡ ኣስፍሆተ ወንጌልን ድኻታት ምእላይን ዝብል ምዃኑን እዚ ሸቶ’ዚ ብፍጹም ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ የተሓሳስቡ፡ እቲ ናይ ቁጠባ ጉዳይ ዝምልከት ዘረጋገጽዎ ሕዳሴ ዘንብሮ ትእዛዝ እውን እዩ።

ኣብ ዳግማይ ርኽበት ቃል እግዚኣብሔር ኢየሱስ ንምፍላጥ

ቅዱስነቶም ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ብዝገብርዎ፥ Aperuit illis -  ኣእምሮኦም ከፈተሎም ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ መሰረት ሰንበት ቃል ኣምላኽ ዝበዓለሉ ዕለት፡ ማለት ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕይወት ክርስትና ማእከል ምዃኑ ብጽንዓት ዘዘዘኻኽርን ቃል ኣምላኽ ምስትንታንን ምጽናዕን ከምቲ ቅዱስ ሀሮኒሞስ፥ ቅዱስ መጽሓፍ ዘይምፍላጥ ክርስቶስ ዘይምፍላጥ ማለት እዩ ከምዝብሎ፡ ኢየሱስ ንምፍላጥ ዳግማይ ርኽበት ቃል ኣምላኽ ንኽንበር ኣብ ተራ/ልሙድ ግዜ ሳልሳይ ሰንበት፥ ሰንበት ቃል ኣምላኽ ተባሂሉ ክበዓል ከምዝወሰኑን እቲ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር ኣብ 2020 ዓ.ም. ዕለት 26 ጥሪ ንፈለማ ጊዜ ክበዓል እዩ፡ እዚ ክብረ በዓል ቃል ኣምላኽ ኣብ ግጻዌ ቤተ ክርስቲያን ምልኩት ክኸውን ይእዝዙ።

መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ናይ ምቛም ባህሊ ከይርሳዕን ክብሩን ጽባቔኡን ዘነቓቕሕ

ዘደንቕ ምልክታ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብታ ንመፈለማ ግዜ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ክርስትናን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ናይ ኢየሱስ ክርቶስ ምውላድ ኣብ መብልዕ ማል ዘዘንትው ኣብ ዘቖመላ ሰበኻ ግረቾ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ናይቲ ባህሊ ጽባቔን ክብርን ዳግም ህያው ዝገብርን ዘብርህን እዚ ባህልን ልምድን ከይርሳዕ ዝድግፍ ዘውጽእዎ ሓዋርያዊ ሰነድ ከቲሞም ወግዓዊ ከምዝገበርዎ እውን ዝዝከር እዩ።

ኣደዳ ኣሳዶን ዓመጽን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክይተሓለሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም ኣሳዶን ዓመጽን ይኹንኑን ክውገድ እውን ጻውዒት የቕርቡ፡ ምስ ፓኪስታናዊት ኣስያ ቢቢ ዘካየድዎ ርክብን፡ ቢቢ ሃይማኖት ምስልምና ዘርክስ ቃል ተዛሪብክን ብዝብል ምስምስ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንወን ደሓር ናይ ፓኪስታን ላዕልዋይ ቤት ፍርዲ ናጻ ዝበለን ካቶሊካዊት ክርስቲያን ካብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝነበራ፡ ቅድም ክብል እውን በነዲክቶስ መበል 16 ደጋጊሞ ናጻ ክበሃላ ጻውዒት የቕርቡ ከምዝነበሩን፡ ደሓር እውን ቅዱስ ኣቦና ምስ ጓል ቢቢ፡ ኤይሻም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ከምዘዘራረቡ፡ ዕለት 21 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. በዓለ ፋሲካ፡ ኣብ ስሪ ላንካ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፈጸምዎን 250 ኣብ ጸሎት ዝነበሩ ክርስቲያን ንሞት ዝዳረገ ግብረ ሽበራ ኰኒኖም፡ ዘቕረብዎ ናይ ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ጻውዒትን፡ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኒው ዚላንድ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኰኒኖም ኣብ ክርስትና እምነት ኰነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃይማኖታት እውን ዝፍጸም ሽበራዊ መጥቃዕቲ ይኹንኑ፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ዘተ ኣበርቲዖም የነቓቕሑ።

ምክልኻል ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን፡ ሕይወት ኣብ ኵሉ ደረጃታቱ ምክልኻል

ዕለት 25 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሎረቶ፡ ስድራ ቤትን ሕይወትን ምክልኻልን ሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ክኽበርን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዝቖመን መርዓ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝብል ምዃኑን ደጊሞም ኣተሓሳሲቦም፡ በቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝውክልዎም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ኣቢሎም፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሓድሽ ኣብ ፖለቲክዊ ህልዮ ዝቖመ ናይ ስነ ጾታ ትምህርቲ፥ ካብ ተባዕትን ኣንስትን ወጻኢ ካልእ ዓይነት ጾታ እውን ኣሎ ዝብል ትምህርቲ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ንድሕሪ ዝመልስን ዘጋግን እዩ ከምዝበሉን ይዝከር። ቪንሰንት ላምበርት ፈረንሳዊ ወዲ 42 ዓመት ካብቲ ዘጋነፎ ገና መድሃኒት ዘይተረኸበሉ ሕማን ዝፈጥረሉ ስቓይ ንኽላቐቕ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ክወሃቦ ዝብል - ቅድምን ደሓር ምስ ተቐትለን - ነዚ ናይ ሞት ባህሊ ኣመለኻኽታ ተቓዊሞም፡ ሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ክኽበር እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡን፡ … ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ዝብል ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ኣጽኒዕም የተሓሳስቡ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ጥራሕ ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ ሕይወት ዝኽበር ሕይወት ኣብ ምኽባር እምበር ኣብ ምቕንጻል ስለ ዘይኰነ እዩ፡ ነዚ ዝእዘዝ ሓባራዊ ግብረ ገብ የነቓቕሑ።

መንእሰያት፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከለልዩን ተጻረርቲ-ዋሕዚ ክዀኑን

እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንእሰይ ወለዶ ኣማእኪሉ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳቲ ዲኖዶስ፡ ክርስቶስ ሕያው እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎን ኣብ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ፡ … ክርስቶስ ሕያው እዩ ህያውነትካ ይደልይ … ቤተ ክርስቲያን ካብቶ ንኸእርግዋ ዝፍትኑን ዝደልዩን እግዚኣብሔር ከድሕና ንጸልይ … ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕሉፍ ታሪኽ ሕንጻ ወይ ማሕተምን ሓሊፉ እውን ቤተ መዘክር ኣይኰነትን፡ ዝነበረትን ዘላን ወትሩ ሓዳስን እያ፡ … መንእሰይ ወለዶ ኣብ ናይ ርክብ ባህሊ ክተግህን፡ ሓናጺ ዘራኽብ ድልድል ክኸውንን ቅኑዕን ሕውነት ዝዓሰሎ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ቀዳሚ ክኸውንን፡ ተጻራሪ ዋሕዚ ክዀኑን ይላበዉ፡ ወንጌል ኣብ ሕይወቶምን ብሕይወቶም ዝምስክሩ መታን ክዀኑ ይምዕዱ።

ዓለም ለኻዊ መገሻታቶም፡ ሰላም ኣብ ዓለምን ንኵላዊ ሕውነትን

ኣብ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 7 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻታት ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ ዓለም ኣብ ዝርከባ 11 ሃገራት ከምዘካየዱን፡ ኣብ ፓናማ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ፍመዓልቲ መንእሰያትን፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንምንቕ ቓሕ ዝብል ኣብ ሃገራት ኤሚራት ዓረብ ዘካየድዎ ምብጻሕን ኣብኡ ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣልዛሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገብርዎ ሰነድን ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝብል ኣብ ሞርኮን ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያን ዘካይድዎን ሓድነት ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝብል ኣብ ሮማኒያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻን፡ ድኻታትን ተፈጥሮ ምኽባርን ዝብል ኣብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ዘካየድዎን፡ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መሰልን ክብርን ምኽባር ዘተሓሳስብ ኣብ ታይላንድ ዘካየድዎ፡ ፍጥረትን ተፈጥሮን ሕይወት ክኽበርን ዝብል ኣብ ጃፓን ዘካየድዎ ምብጻሕን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምውናንን ምምራትን ኢግብረ ገባዊ እዩ ዝብል ዘቕረብዎ መደረን፡ ኣብ ኢጣሊያ እውን ኣብ ካመሪኖ ክርስቶስ ሕያው እዩ ዘርእስቱ ድሕረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበሩሉን ኣብ ግረቾ እውን ዛዕባ መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ትርኢት ዘብርህ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርሉንን ሓውጾተ ኖልዎ ይዝከር።

ኣዋጅ ቅድስናን ብፅዕናን፥ ሰማዕታት፡ ዓለማውያን ምእመናን ካህናትን ካርዲናላትን

ኣብ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዝፈጸምዎ ኣዋጅ ብፅዕናን ቅድስናን ብዙሕ እዩ፡ ብዙሓት ሰማእታትን ብእምነቶም ምኽንያት ዝተቐትሉን፡ ሰማዕትነት ዝተቐበሉን ሸውዓተ ጳጳሳት ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሮማኒያ ብፅዕና ዝኣወጁሎምን፡ ብምልካዊ ወተሃደኣዊ ስርዓተ መንግስቲ ንዝተቐትሉን ኣርጀንቲናዊ ጳጳስ ኤንሪከ ኣንጀል ኣንገአሊን ብፆቱን ዝኣወጅዎ ብፅዕናን ከምኡ እውን ካብ ኣንግሊኣክዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተጸምበሩ ደሓር ካርዲናል ዝተሰምዩ ጆን ሀንርይ ነውማን ቅዱስና ዝኣወጁሎምን ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይከኣል።

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክህነቶም፥ ምሕረት ኣምላኽ ንምስፋሕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክህነቶም ክመዘብዓሉን፡ … ካህን ምስ ሕዝብን ምእንቲ ሕዝብን ምሕረት እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ ሒዙ ዝነብር እዩ፡ ቅዱስነቶም ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉሉ በዓል ቅዱስ ማተዎስ ወንጌላዊ ዝበዓለሉ ዕለት እዩ። … ቤተ ክርስቲያን ምሕረት ኣምላኽ እትምስክር እያ፡ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ እትጓዓዝ (ዮሓንስ መበል 23)፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ናይ ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ መንፈሳውነተ ኣስተንፎ ገይሮም ሰንበት ዘመለኮታዊ ምሕረት ከምዝቖሙን፡ ምሕረት እግዚኣብሔር፡ እግዚኣብሔር መሓሪ መሓርቲ ንኽንከውን እምበር ንኽንፈርድ ኣይደልየናን ዝብል ክርስቲያናዊ ሕይወት ዘስፍሑ እዮም እንክብሉ ቸንቶፋንቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና 2019 ዓ.ም. ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዎ ሓታትታ ዛዚሞም።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2019 ዓ.ም.፥ ናይ እምነት ርግጽነትን ቃልሲ ጸረ ኣምልዀ ጣዖትን
28 December 2019, 17:37