ድለ

ቃል ር.ሊ.ጳ. ንማሕበራዊ ዝመና እተሰምየ መጽሔት ኣሰናዳእትን ተራዳእያንን ቃል ር.ሊ.ጳ. ንማሕበራዊ ዝመና እተሰምየ መጽሔት ኣሰናዳእትን ተራዳእያንን 

ቃል ር.ሊ.ጳ. ንማሕበራዊ ዝመና እተሰምየ መጽሔት ኣሰናዳእትን ተራዳእያንን

ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣብነት ኣብ ኤውሮጳ ሕዝብነት ዘቕርቦ ዝነበረ ቅድመ ፍርድታት እናተመልሰን፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኣብ ገዛእ ርእሰን ክልከታን ዝድርኹ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ህልዮታት ዳግም ይምለሱ ከምዘለዉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ናይታ ብኢየሱሳውያን ማሕበር እትመሓደርን እትሕተምን ማሕበራዊ ዝመና ናይ እተሰምየት መጽሔት ኣሰናዳኣትን ተራዳእትን ተቐቢሎም፥ ጽንታን (ምስማዕን) ዘተን ኣብ ዝብሉ ክልተ ቃላት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳ፡ ህልውን ጭቡጥን ኩነታት ከይጐልበብካ ጽን ብምባል ኣብ ወንጌል ውኵስ ምዃን ከየቋረጽካ ሓደስቲ መገድታት ምልላይን ምሕባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘብርሁ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ዝተቐበለዎም ናይ ማሕበራዊ ዝመና መጽሔት ኣሰናዳእትን ተራዳእያንን እቲ ብጽሑፍ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳኖም ምስ ተዓደለ፡ እቲ መጽሔት መበል 70 ዓመት ቀዳማይ ሕትመቱ የብዕል ከምዘሎ ዝዘከሩ ቅዱስነቶም፡ ቅድም ቀዳድም ነቶም ኣብ 1974 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር መበል 32 ጠቕላሊ ዓውደ ኣኼባ ቅዱስነቶም ኣብቲ እዋን ከም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዝተሳተፍሉን ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ተመክሮ ምስኦም ሓቢሮም ዝተረኽቡ ወዲ ማሕበሮም ናይታ መጽሔት ልሂቕ ዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ባርቶሎመዮ ሶርጀ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፡

ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ንክውንነት ጽን ምባል

ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም ናይታ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ጃኮሞ ኮስታ ነቶም ናይታ መጽሔት ኣሰናዳእትን ተራዳእያንን ምስ ቅድስነቶም ኣላልዮም ብስም ኵሎም ቃለ ሰላምታ ከምዘቕረቡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ማሶቲ ኣስዒበን፡ ምእንቲ ካልኦት ሰናይ ክገብር ናይ ዝደልይ ሰብ መሰረታውን ቀዳማይን ኣገባብ ጽን ምባል እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ምኽንያቱ ጽብ ምባል መምዘንታትካን እትወስዶ ስጉምትታትካን ኩሉ ክቕየር እዩ ዝገብር፡ በመለኻኽታ ዝተገማምዔ ናይ ስነ ሕንጸት ሜላ ጐዳኢ እዩ፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣብነት ኣብ ኤውሮጳ ሕዝብነት ዘቕርቦ ዝነበረ ቅድመ ፍርድታት እናተመልሰን፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኣብ ገዛእ ርእሰን ክልከታን ዝድርኹ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ህልዮታት ዳግም ይምለሱ ከምዘለዉ ዘመላኽት፡ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ህልዮ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኦሪታውያን ናይ ፖለቲካ ህልዮታት እውን ይእወኑ ኣለዉ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ ኸኣ ጽን ምባል ይጐድል ስለ ዘሎን እዩ፡ ንክውንነት ጽን ምባል ይውገድ ስለ ዘሎን፡ እቲ ብውልቂ ክትፍጽሞ እትደልዮ ውጥንን ኣመለኻኽታን ናብ ኩሉ ንኸተጸግዖ ምድላይን ናይ ኵሉ ክኸውን ምሕሳብን፡ ክሳብ ናይ እግዚኣብሔር ቦታ ንምትካእ ዝኸይድ ተግባር እዩ።

እምበኣር ከስ ኣክንዲ ከምዚ ዝኸውን ክውንነት ሉኣላዊ ምዃኑ ኣለሊኻ፡ ምስኡ ኢሂን ምሂን ምዝታይ የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ድሕሪ ጽን ምባል ምዝታይ

ቅድመ ፍርድታትካ ኩሉ ቀንጢጥካ ንክውንነት ጽን ድሕሪ ምባል እቲ ዝስዕብ ዘተ እዩ ዝኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ እቲ ንስኻ እትውጥኖ መደብ ምዕባለ ይኹን ልምዓትን ናይ ጸገማት መፍትሒ ቢልካ እትሓስቦን ኩሉ ብጸቕጢ ከተቕርቦ ምፍታን ዓቢይ ጌጋ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ክውንነት ክህልወካ ዝግብኣ ኣቀራርባ፥

ንዘተ ስንድው ምዃን እዩ፡ ካብ ወንጌላውያን ዕሴታት ተበጊስካ ምስ ህልው ኩነትን ክውንነትን ምዝታይ፡ ኣብቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ትምህርቲ ቆይምና፡ ብዘይ-ሃምነናዊ ጸቕጢ፡ ብዘተን ልልያን፡ ኣብ ታይላንድ ምብጻሕ ኣብ ዘከየድክሉ እዋን፡ ምስ ኣባላት ኢየሱሳውያን ኣብ ዘካይድዎ ርክብ፡ ሓደ ኣብ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ተዋፊሩ ዘገልግል ኢየሱሳዊ ካህን፡ ሎሚ ኣብ ጉዳይ ስደተይናታን ተመዛበልትን ንእተቕርቦ ኣገልግሎት ክትስዕቦ ዝግብኣካ መንገዲ እንታይ ክኸውን ኣለዎ? ዝብል ሕቶ የቕርበለይ እሞ፡ ብወገነይ ዝሃብክዎ መልሲ፡ ብጀካ ንክውንነት ጽን ምባል እቲ ክውንነት ዘመላኽቶ ኣንፈት ምልላይ የድሊ፡ ምጽላይን ልልያን ምኽዋን ኣገዳስነቱ ዝብል እዩ ነይሩ፡ ምስ ክውንነት ምራኻብን ንኽውንነት ጽን ምባልን ምጽላይን፡ እዚ ባዕሉ ንእተቕርቦ ኣገልግሎት እንታይን ኣተቕርቦ ኣገልግሎት ክኽተሎ ዝግብኦ መገዲ ክሕብረካ እዩ፡ ከምዝበልክዎ እዝክር፡

ንቕድሚት ንምስጓም ትሕትና ዝተላበሰ መገድታት ምሕንጻጽ

ኣብ ህይወት በዚ ኣገባብ እዚ እዩ ንቕድሚት ምባል ዘድሊ፡ ክውንነትን ጸሎትን ልልያን  ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት እውን፡ ማሕበራዊ ጉዳይ ዘቕርቦም ሕቶታት፡ ባዕሉ እቲ ሕቶ ዝጠልቦም መልስታት ስለ ዘለዎ፡ ንክውንነት ጽን ምባል ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ እቲ መልሲ ካብ ጐይታ እዩ፡ ክውንነትን ጸሎትን ልልያን፡ ደጊሞም ምስ ኣመላኸቱ፡ ማሕበራዊ ዝመና መጽሔት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ክውንነት ምስትውዓል፡ ስለዚህ ክውንነት ከይከዋወልካ ብገባብ ተወክሶ ወንጌል ንኽትርዳእ ምፍታን፡ እዚ ከኣ ነኣሽቱን ትሕትናን ዝተላበሱ መገድታት ከመላኽተካ እዩ፡ ስለዚህ ትሕትና የድሊ፡ ኣብ ቅድሚ ፍርሒ፥ ማለት ከይወድቕን ከይጋገይን ዝብል፥

ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ናይ ምትንሳእ ዕድል ተዋሂቡና እዩ፡ ንሱ ስለ ዘተንስኣና፡ ተንሲእካ ንቕድሚት መታን ክትስጉም፡ ንኸይጋገን ከይወድቕን ብዝብል ፍርሒ ተደሪኽካ ዕኑድ ምዃንን ኣብ ደውታ ምንባርን ዝመርጽ ዘይንቀሳቐስን ንቕድሚት ዘይስጉምን ይኸውን፡ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ምንባር’ዚ ዝነብር ሕይወት ፍርያም ክኸውን ዝከኣል ኣይኰነን፡ ስለዚህ ብትብዓት ንቕድሚት ምባል የድሊ!

ውሳጣዊ ሓርነት ምዕቃብ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምዃንካ ዘሕድረልካ ውሳጣዊ ሓርነት፡ ናይዚ ሓርነት’ዚ ትውካሰ እውን ኣብ ወንጌል እዩ! እንክብሉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ማሶቲ ሓቢረን።

ቃል ር.ሊ.ጳ. ንማሕበራዊ ዝመና እተሰምየ መጽሔት ኣሰናዳእትን ተራዳእያንን

Photogallery

ቃል ር.ሊ.ጳ. ንማሕበራዊ ዝመና እተሰምየ መጽሔት ኣሰናዳእትን ተራዳእያንን
07 December 2019, 17:21