ር.ሊ.ጳ.፥ ፊልም ናይ ሱታፌ ስፍራን ናይ ሰብኣውነት ቤት ትምህርትን እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ፊልም ናይ ሱታፌ ስፍራን ናይ ሰብኣውነት ቤት ትምህርትን እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ፊልም ናይ ሱታፌ ስፍራን ናይ ሰብኣውነት ቤት ትምህርትን እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ክርስቲያን እቲ ናይ ኣመንቲ መንነትና ሕላገት ዝዀነ ሱታፌ ንኽንምስክር ዝተጸዋዕና ኢና

ሱታፌን ምህዞን ርእየትን ዝብላ ሰለስተ ቃላት ኣሞርኵይዞም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍንራንቸስኮ ዕለት 7 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ካቶሊካውያን ናይ ፊልም ቅረጻን ኣቕርቦትን ሰብ ትካላት ማሕበር ተቐቢሎ እቲ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘቕርቦም ብድሆታት ነቲ ናይዚ ማሕበር መለለዪ ዝዀነ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ትርጉሙን ኣገባቡን ብዘየጉድል ኣገባብ ምግጣም የድሊ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ መበል 70 ዓመት ቅዋሜኡ ዘብዕል ዘሎ ናይ ካቶሊካውያን ናይ ፊልም ቀረጻን ኣቕርቦትን ሰብ ትካላት ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም፡ ሱታፌን ምህዞን ርእየትን ዝብላ ሰለስተ ቃላት ኣሞርኵይዞም፡

ናይ ኢጣሊያ ፊልም ድሕሪ ውግእ ዓለም፥ ልቢ ዝቐረጸ እዩ

ቅድም ቀዳድም ሱታፌ ዝብል ቃል ጠቒሶም፡ ፊልም ዓቢይ ኣዳማርን ማሕበራዊ ዋህዮ ዝሓንጽን ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ተስፋን ትጽቢታትን ብምስማዐ ርእየት መልክዕ ብምቕራብ ካብ ዕለታዊ ሃልክን ድኻምን ከተብርይ ዝገብርን ቤት ትምህርትን መጋበርያን ሕንጸትን እዩ፡ … ኢጣሊያ ናይዚ ስነ ጥበብ’ዚ ጸጋ ዕድልቲ እያ እሞ ሓደራ ከይተዕብርዎ፡ ድሕሪ ውግእ ማሕበረሰብ ዝሓነጸን ዘተባብዔን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፡

ፊልም ናይ መዳመርን ሱታፌን ስፍራ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ክርስቲያን እቲ ናይ ኣመንቲ መንነትና ሕላገት ዝዀነ ሱታፌ ንኽንምስክር ዝተጸዋዕና ኢና ዝበልዎ ቃል ተወኪሶም እምነት ንገዛእ ርእሱ ተራኽቦነትን ምርኻብን ማለት እውን እዩ፡ ስለዚህ ኣብ መንጐና ነዚ ርክብ እዚ ነቕውም፡ እዚ ማሕበር’ዚ ምስ ዝሓቅፎም ኣባላቱ ጥራሕ ዘይኰነ ምስ ካልኦት ካቶሊካውያን ክውንነት ብምርኻብ ነቲ ኣብ ምርኻብ ዘሎ ጽባቔ መስክሩ፡ ብዘይ ሱታፌ ጥምረትና ኣልቦ ሕይወት እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ገሊጸን።

መሃዝነትን ትብዓትን

እቲ ካልኣይ ነጥቢ ከኣ መሃዝነት ዝብል እዩ፡ እዚ ንናይ ምስማዐ ርእየት መጋበርያ ጥበብ ኣናስር እዩ፡ ስለዚህ መሃዝነት በጺሔ ብዝብል ኣገባብ ከይግታእ ሓደራ፡ ምስቲ እዋናዊ ዓለም ምስ ዘተኣታትዎ ብድሆታት በዚ ኣገባብ’ዚ ምግጣም የድሊ። መሃዝነት ብናይ ስነ ፊልም ስነ ምግባር ተሰንዩ ክተባባዕ ኣለዎ ከምዝበሉን፡

ምዕዳዎ ኣብ ናይ ሕይወት ኣገባብ ክትዓዪ ይድርኽ

ሳልሳይ ነጥቢ ርእየት ዝብል እዩ፡ ስምዒታትካ ምምባብን፡ ነገራትን ክውንነትን ምርኣይን ኣብ ውሳጠኻ በስተንታኒ መንፈስ ምጥማትን ዝሓትት እዩ፡ ስለዚህ ይብሉ ቅዱስነቶም፥

ጥማተና ንመርምር፡ ስለምታይ ምጥማት ፍልጠት ዘለዓዕል ንምዃኑ፡ ጥማተና ጥንቁቕን ትኵርን ብቕርበትን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ተመስጦ ዘነቓቕሕን ሱታፌን መሃዝነትን ዘራኽብን ክኸውን ኣለዎ፡ ምእንቲ’ዚ ዕዮዅም ደጋዊ ጥራሕ ዘይኰነ ውሳጣዊ እውን እዩ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክትውስጥ ዝድርኽ እውን እዩ

ምስ በሉ፥

እቲ ማሕበር መንፈስ ቤተ ክርስትያናዊ መክብብ ዘለዎ ክኸውን

መክበባውነት ናይቲ ካቶሊካዊ ናይ ምስማዐ ርእየት ቀረጻን ትካላትን ማሕበር ሕመረት እዩ፡ እዚ ኽኣ ኣብቲ ዝቐትል ርእሰ ውከሳ ንኸይንበር ዘብቅዕ ኣመክንዮ እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ማሶቲ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ፊልም ናይ ሱታፌ ስፍራን ናይ ሰብኣውነት ቤት ትምህርትን እዩ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ፊልም ናይ ሱታፌ ስፍራን ናይ ሰብኣውነት ቤት ትምህርትን እዩ
07 December 2019, 17:31