ኣብ ጐደናታት ዓለም ዝጓዓዝ ር.ሊ.ጵጵስና ኣብ ጐደናታት ዓለም ዝጓዓዝ ር.ሊ.ጵጵስና  

ኣብ ጐደናታት ዓለም ዝጓዓዝ ር.ሊ.ጵጵስና

ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ ዘካይድዎ ሸውዓተ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻታቶም፥ ኣብ ፓናማ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኤሚራት ዓረብን ኣብ ሞሮኮን ኣብ ቡልጋርያን ኣብ ሰሜን መቀዶኒያን ሮማኒያን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘማእከለን፡ ኣብ ምክልኻል ፍጥረትን ተፈጥሮን ምስፋሕ ሓሳብ ዝተማእከለ ኣብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ዘካይድዎ ናይ ሕይወት ባህሊ ምስፋሕ ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ ሓዋርይዊ መገሻታቶም

ናይ ሕጻናት ጉዕዞ ባቡር እተሰምየ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ በቢ ዓመቱ ዝዳልዎ ሕጻናት ብጉዕዞ ባቡር ሃገር ቫቲካን ኣትዮም ምስ ቅዱስነቶም ዘካይድዎ መደብ ርክብ መሰረት ዝሓለፈ ዓመት 2018 ዓ.ም. ዕለት 8 ሰነ ቅዱስነቶም ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ሕጻናት ተቐቢሎም፡ ንኻልእን ንማንም ዘይንገርክው ሓደ ነገር ክነግረኩም  ቢሎም ጉዕዞ ከምዘይፈትው ገሊጾም ከምዝነበሩ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ጋዜጠይና ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ሓቢሮም፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. 7 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻታት ኣብ 11 ሃገራት ከምዘካየዱዱድ ኣዘኻኺሮም ናይ ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጳጵስና ኣብ ጉደናታት ዓለም ዝጓዓዝ እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ሕርየቶም ናይ ቦነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ እንከለዉ፡ ካብ ሰበኻኦም ብዙሕ እዋን ርሒቖም ዘይገሹን ዘካየድዎ መገሻታት መብዛሕቲኡ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ንናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ናብ ሃገረ ቫቲካንን ብሓዋርያዊ ሓላፍነት መሰረት ናብ ሮማን መንበረ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንኸብጽሑ ጥራሕ ይገሹ ከምዝነበሩን እዚ ከምዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ገና መንእሰይ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ኢየሱሳውያንን ደሓር እውን ከም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ኣሰር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሳቨርዮ ናብ ጃፓን ንኽለኣኹ ዓቢይ ሃረርታ ከምዝነበሮምን እዚ ሃረርታ እዚ ካብ ልቦም ከምዘይተፈለዮም ባዕሎም የዘኻኽሩ።

ነቶን ኣብቲ እዋን መንእሰይ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ በርጎሊዮ እቲ ናብ ጃፓን ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝብል ዓቢይ ሃረርታኦም ር.ሊ.ጳ. ከይኖም ምስ ተሓርዩ ናብታ ሃረር ዝብልዋ ጃፓን በጺሖም እቲ ሃረር ዝብልዎ ዝነበረ ናይ ወንጌል ሕይወት ኣቃሊሖም እዮም። ካብ ሰበኻኦም ኣርጀንቲና ከይወጹ እውን ኣብ ሰበኻታቶም ኣብቲ ማንም ዘይበጽሖ ዝተረስዔ ደጋዊ ክፍሊ ከተማ ቦኖስ ኣይረስ ነዊሕን ሰፊሕን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም እዮም። ነዚ ዘመላኽት እውን ር.ሊ.ጳ. ከይኖም ምስ ተሓርዩ፡ ወግዓዊ ኣብ ዝዀኑ ኣብ ኣርጀንቲና ብናይ ከተማ ናይ ሕዝቢ መጓዓዝያን ናይ ከተማ ባቡር ከም ኵሉ ዜጋ ክጓዓዙ ዘርእዩ ኣሳእል ንረክብ።

ናይ ሕዝብን ምስ ሕዝብን ንሕዝብን ተጓዓዛይ ጳጳስ፡ ኣብቲ መከራን ሕሰምን ዝንበሮ ከባቢ ምብጻሕን ምስቲ ብድኽነት ዝተጠቕዔን ዝተነጸለን ህዝቢ ምዃን ዝብል ሓዋርያውነት ዝነብሩን፡ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጓሳ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ፡ መላእ ዓለም ሰበኻኦም ምስ ኰነ በቲ ካህንን ጳጳስን ሊቀ ጳጳስን እንከለዉ ዝነበሮም መንፈስ ኵላዊ ገይሮም ናይ መላእ ኵልዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክኸውን ድላይ መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ።

ር.ሊ.ጳ. ብዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣቢሎም ቤተ ክርስቲያን ይሕድሱ፡ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዋሽንግቶን ፖስት ኪኮ ሃርላን ኣብ ዝጸሓፍዎ ሓተታ ተመልኪቱ ንረኽቦ፡ ሓቂ እዩ፡ እዚ ብእዋናዊ ናይ ዓለም ኣረኣእያ ዘይተማእከለ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ማእከል ክኸውን ዝብል ሕዳሴ።

ተጓዓዛይን ሲኖዶሳውን ጴጥሮስ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2019 ዓ.ም. ጥራሕ ኣብ 11 ሃገራት 7 ዓለም ለኻውያን ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም እዮም፡ ኣብ 1982 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ኢጣሊያን ወጻእን ምስ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎ እዩ፡ እዚ ጽዑቕ ሓዋርያዊ መገሻ’ዚ ምስቲ ናይ በነዲክቶስ መበል 15 ዘደንቕ ተልእዀ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ኢየሱስ ናብ ዓለም ኪዱ ንፍጥረት ኵሉ ወንጌል ኣበስሩ እንክብል ዝሃቦ ሓዋርያዊ ተልእዀ እተብርህ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቀጻልነት ዘለዎ ምዃኑ ዘቃልሕ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኣብ ዝተበዓልሉ ዓመት ዝተፈጸመ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዓቢይ ትርጉም ዘለዎን፡ ቤተ ክርስቲያን ናብ እትብልን ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺእ ናብ ወሰናስን እትብል፡ ክሳብ ጫፍ ዓለም እተብጽሕን፡ እቲ ጫፍ ዓለም ምእኩል ክኸውን ዝላበው ቃል ኢየሱስ መሰረት ዝንበር ሓዋርያዊ ተልእዀ ይነብሩ፡ ኣብዚ ቃል’ዚ ዝጸንዔ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን የረጋግጹ ኣለዉ።

ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ ዘካይድዎ ሸውዓተ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻታቶም፥ ኣብ ፓናማ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኤሚራት ዓረብን ኣብ ሞሮኮን ኣብ ቡልጋርያን ኣብ ሰሜን መቀዶኒያን ሮማኒያን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘማእከለን፡ ኣብ ምክልኻል ፍጥረትን ተፈጥሮን ምስፋሕ ሓሳብ ዝተማእከለ ኣብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ዘካይድዎ ናይ ሕይወት ባህሊ ምስፋሕ ዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ ሓዋርይዊ መገሻታቶም ዘጠቓልል እዩ፡ ቅዱስነቶም ብዘካይድዎም ሓዋርያዊ መገሻታት ኣቢሎም ብርሃን ናብ ኵሉ ኵርናዕ ዓለም የስፍሑ፡ ማዕረ ማዕረ እውን ድሕሪ መገሻታቶም ናብ ሮማ ክምለሱ እንከለዉ፡ ናይ ምርኻብ ባህሊ ምስፋሕ ዘለዎ ኣገዳስነት ደጋጊሞም ከምዝላበውዎ፡ ናይ ሕይወትን ምርኻብን ባህሊ ሓለፋ ዝብሉ እውን እዮም እንክብሉ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻታት ብዝብል ኣራእስቲ ዘቕረብዎ ሓተታ የጠቓልሉ።

ኣብ ጐደናታት ዓለም ዝጓዓዝ ር.ሊ.ጵጵስና
24 December 2019, 16:53