2019.12.26 መልኣከ እግዚአብሔር 2019.12.26 መልኣከ እግዚአብሔር  

ኣብ በዓለ ቅዱስ እስጢፋኖስ ሰማዕት ሰማዕታት ሎምን ትማልን ንዘክር! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ወትሩ ኣብ ጽባሕ ልደት እተብዕሎ በዓለ ቅዱስ እስጢፋኖ ቀዳሜ ሰማዕት ንምዝካር ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መልኣከ እግዚአብሔር ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ቅድሚ ምድጋሞም ነዚ ኣስተምህሮ እዚ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዳሓንዶ ሓዲርክን!

ሎሚ በዓለ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት ነብዕል ኣሎና። መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ብዛዕባ ቅዱስ እስጢፋኖስ ካብ ምዕራፍ 6.7 የዘንትወልና፡ ከምኡ እውን ግጽው ሥርዓተ ኣምልኾና ንሎሚ መወዳእታ ሕይወቱ ከመይ ከምዝነበረ እንከዘንቱ በእዛኑ ወጢጦም ካብ ከተማ ንደገ ኣውጺኦም ብዳርባ እምኒ ቀቲሎሞ ይብለና (ግሐ 6,12,7.54-60)። ኣብዚ ሓጐስ ዝመልኦ ዘመነ ልደት በዓለ ቀዳማይ ሰማዕት ክርስትና ስለ እምነቱ ተወጊሩ ዝሞተ እንክንዝክር ካብ መስመር ዝወጻእና ክመስል ይኽእል። እንተኾነ እዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ብዓይኒ እምነት እንክንምልከቶ ሓቀኛ ትርጉም ልደት ይገልጸልና። ኣብ ሰማዕትነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ዓመጽ ብፍቅሪ ሞት እውን ብሕይወት ክትሽነፍ ንዕዘብ። ኣብቲ ግዜ ልዑል ምስክርነቱ ‘እነሆ ሰማያት ተኸፊቱ ወሰብ ከኣ ኣብ የማን እግዚአብሔር ቆይሙ እርኢ ኣሎኹ` ይብል እሞ  ‘ኦጐይታ ኢየሱስ መንፈሰይ ተቀበል ኢሉ’ ተንበርኪኹ ‘ኦ ጐይታይ ነዚ ሓጢኣት እዚ ኣይተሓዘሎም` (ግሐ 7.56-60) እንክብል ነቶም ቀተልቱ ምሕረት ይልምን።

እዚ ኣገልጋሊ ወንጌል ዝኾነ ብመንፈስ ቅዱስ ዝመልአ መንእሰይከስ ኢየሱስ መን ምዃኑ ብቃሉ መስከረ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብሕይወቱ መስከረ። ነዚ ፍጻሜ እዚ እንክንምልከት ነቲ ኢየሱስ ነርድእቱ ‘እንተኾነ ግዳ ኣኅሊፎም ኪህቡኹም እንከለው እንታይ ከም እትብሉ በታ ሰዓት እቲኣ ኪወሃበኩም እዩ እሞ ከመይ ወይስ እንታይ ከምእትብሉ ኣይትጨነቁ። ከመይሲ እቲ መንፈስ ኣቦኹም እዩ ብኣኻትኩም ገይቱ ዚዛረብ እምበር ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ’ (ማቴ 10.19-20)ክብል ዝሃቦም ተስፋ ክፍጸም ንርኢ። ኣብ ትምህርቲ ጐይታ ቅዱስ እስጢፋኖስ ንመምህሩ ይመስል፡ ነዚ ከኣ ብሕይወቱስ ይኹን ብሞቱ ብፍጹም ይመስሎ። ንሕና እውን ነዚ ትምህርቲ እዚ ብምኽታል ጠመተና ኣብ ክርስቶስ ብምግባር እሙናት መሰኻኽር እግዚአብሔር ኣብ ንኹን። እቲ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ሰማያዊ ክብሪ ብሃብትን ክብርን ናይዚ ዓለምዚ ከምዘይኮነ እንታይ ደአ ብፍቅርን ገዛእ ርእስኻ ብምውፋይን ምዃኑ ንመሃር።

ጠመተና ኣብቲ ‘ናይ እምነትና ዋና ፈጻምን’ (ዕብ 12.2) ዝኾነ ክርስቶስ ብምትኳር ኣብቲ ዕለት ዕለት ዘጓንፉና ብደሆታትን ፈተናታትን ነታ ዝተዋህበትና ተስፋ(1ጴጥ 3.15) ነጽንዕ። ንዓና ንክርስትያን ደጊም ሰማይ ካብ ምድሪ ዝተፍልየ  ርሑቅ ኣይኮኑን ከመይ ብኢየሱስ ክርስቶ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወሪዱ እዩ። ምስጋና ይኹኖ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ሰብኣዊ ነገር ንሰማይ ገጹ ዘቅነዔ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።  ከምዚ ብምግባርና ከኣ ነታ ቀዳመይቲ ምስክርነትና ብኢየሱስ ክርስቶስ እትምራሕ ትሕትን ትብዓት ዝመልኣን ዓመጽ ዘይብላ ክብርቲ ሰብኣውነት ብምንባር ክንምስክር ንኽእል።

ቅዱስ እስጢፋኖስ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ቤተክርስትያን ነበረ (ግሐ 6.1-6)። ንሱኸስ ብሕውነትን ወንጌላዊ ምግባረ ሠናይን ንክርስቶስ ክንሰብኽ ይምህረና። እቲ ብሰማዕትነት ዝተፈጸመ ምስክርነቱ ንማሕበረክርስትያናትና ናይ ተሓድሶ ምንጪ እዩ። ማሕበራትና ወትሩ ልኡኻት ስብከተወንጌል ክኾና ዝተጸውዓን ንኩሉ ንስብከተወንጌል ዘገልግል ነገራት እናተጠቅማ ናብቶም ኣብ ብርቱዕ ጽምኢ ተስፋን ድሕነትን ዘለወን ወሰናስን ዘለው ደቂተባዕትዮን ደቂእንስትዮን ክበጽሓ ቈሪጸን ከለዓላ ኣለወን።  እዘን ማሕበራት እዚአን ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዘይኮነ ከምኡን ረኣዩለይ ስምዑለይ ዘይብሉ ንክብሪ እግዚኣአብሔርን ሠናይ ነገር ናይ ሰባትን ብፍላይ ናይቶም ናኣሽቱን ድኻታትን ጥራይ ከቀድማ ኣለወን።

በዓለ ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስከስ ንሰማዕታት ትማልን ሎምን እንከዘክረና ምናዳ ሎሚ ሰማዕተንት ዝቅበሉ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ምሳኣቶም ሕብረት ከምዘልና ኣሚናን ዘኪርናን ኣብ ልብናን ኣብ ከናፍርናን ስም ኢየሱስ ሒዝና ንክነብርን ንክንመውትን ጸጋ ከውህቡና ከኣ ንክንልምኖም ኣዩ። ድንግል ማርያም ኣደ መድሓኒ ኣብዚ ምሩጽ ዘመነ ልደት ጠመተና ናብ ኢየሱስ ብምትኳር ብዝበለጸ ንኢየሱስ መሲልና ክንነብር ትሓግዘና።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 December 2019, 13:29