ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንንጡፍ ዜጋዊ ሕንጸት፡ ንፍጥረት ሰብን ምህዳርን ምእኩልነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንንጡፍ ዜጋዊ ሕንጸት፡ ንፍጥረት ሰብን ምህዳርን ምእኩልነት 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንንጡፍ ዜጋዊ ሕንጸት፡ ንፍጥረት ሰብን ምህዳርን ምእኩልነት

እቲ ማሕበር ነቲ ንኽምስረት ዘነቓቐሖ መንፈሳዊ ህያብ እሙን ኰይኑ ምስ እዋናዊ ኪደት ዓለም ኣዛኒቑን ኣአዊኑን ዘቕርቦ መደብ ሕንጸትን ዝነኣድ እዩ

ዕለት 9 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ 1945 ዓ.ም. ዝተመስረተን ንመንእሰያት ድጋፍን ሕንጸን ዘቕርብ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ብቕዓት ርእሰ ምሕደራ ንኽምዕብል ዝዓይን ሎሚ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዓዋዲ መልእክቲ ዘሎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ኣስተንፍሶ ዝገበረ መደብ ሕንጸ ዘነቓቕሕ ንዘሎ ንማሕበር ትዕድልቲ ሕይወት ኣባላት ተቐቢሎም፡ ንሓሽ ወለዶ ዝቐርብ ሕንጸት መሰረታዊ ረቛሒታቱ ከምዘመላኸቱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እንነብረሉ እዋን ብእደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝተራቀን እቲ ምዕባለ ብዘቕርቦ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቀ መጋበርያ ስሉጥነት ዘተኣታትው እውን እንተዀነ ማዕረ ማዕረ ብዙሕ ምስትውዓል ዝሓትቱ ብድሆታት እውን ዘንብር እዩ፡ ስለዚህ ነዚ መሰረት ዝገበረ መደብ ሕንጸት ንሓድሽ ወለዶ መሰረታዊ ከምዝዀነ ክሕብሩ እንከለዉ፥

ንሓድሽ ወለዶ፡ ሰብኣዊ ፍጥረን ምህዳርን ዘማእከለ ንንጡፍ ዜጋውነት ዝኣመተ ሕንጸት ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ፡ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለን ብስነ ኣሓዝ ዝተራቀ ምዕባለ እውን ኣብ ከምኡ ዓይነት መደብ ሕንጸት ዝተሓባበር ክኸውን ኣለዎ፡ ስለምንታይ እቲ ሓድሽ ወለዶ ናይቲ ዕደ ጥበባውን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ምዕባለ ዜጋ ስለ ዝዀነ።

ከምዝበሉ ካምፓኒለ ኣፍሊጠን።

ኣስተንፍሶ ኣብ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ

እቲ ማሕበር ነቲ ንኽምስረት ዘነቓቐሖ መንፈሳዊ ህያብ እሙን ኰይኑ ምስ እዋናዊ ኪደት ዓለም ኣዛኒቑን ኣአዊኑን ዘቕርቦ መደብ ሕንጸትን ዝነኣድ እዩ፡ በዚ መሰረት’ዚ እውን ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘቕርቦ ኣስተምህሮ ኣስተንፍሶ ገይሩ ዘካይዶ መደብ ሕንጸት ምስ ግዜ ዝጓዓዝ ጥራሕ ዘይኰነ እውነተይና ምዕባለ ኵለንተናዊ ምዃኑ ዘመላኽትን ናይ ሰብኣውን ፍጥረትን ምዕባለ ሸቶ ዝገበረ ምዃኑ ይምስክር ከምዝበሉ ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣስዒበ፡ እዚ ማሕበር’ዚ ብይኹንታ ፒዮስ መበል 12 ዝቖመን ዘኽታማት ንምእላይን ንምሕናጽን ዝብል ዕላማ ዝነበሮን እዚ ዓላማ’ዚ ከይዘንግዔ ምስ እዋናዊ ዓለም ዝጓዓዝ ኣገልግሎት ንመንእሰያት ብምቕራብ ገዛእ ርእሱ እናአወነ ዝኸይድ ምዃኑን ዓለም ሓቆፋዊ መልክዕ ዘለዎ ኣገልግሎት ዘቕርብ እውን ምዃኑ የመላኽታ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንንጡፍ ዜጋዊ ሕንጸት፡ ንፍጥረት ሰብን ምህዳርን ምእኩልነት
10 December 2019, 16:05