ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ገበን ጳጳሳዊ ስቱርነት ከይህልዎ ዝእዝዝ ሓድሽ ሕጊ ደንጊጐም ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ገበን ጳጳሳዊ ስቱርነት ከይህልዎ ዝእዝዝ ሓድሽ ሕጊ ደንጊጐም 

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ገበን ጳጳሳዊ ስቱርነት ከይህልዎ ዝእዝዝ ሓድሽ ሕጊ ደንጊጐም

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደንገግዎ ክልተ ናይ ሕጊ ሰነድ፡ ዕለት 4 ታሓሳስ 2019 ዓ.ም. ዝተደንገገ ዕለት 16 ታህሳስ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝዀነ ሓድሽ ሕጊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ላዕለዎት መዋቕራትን ሰበኻታትን በቶም ናይቲ ዓመጽ ግዳይ ዝዀኑ ዜጋታት ዝቐርብ ክስን ዝወሃብ ምስክርነትን መርመራ ንዘካይዱ ናይ በርገሳውያን ኣባይቲ ፍርድን ዝምልከቶም ስልጣናትን ከመሓላለፍን ጳጳሳዊ ስቱርነት ከይህሉ ዝእዝዝ ሓድሽ ሕጊ ከምዘጽደቑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓቢይ ምልክታ ሓዲጉ ዝሓልፍ ውሳኔ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሕጻና ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ከምኡ እውን ገበን ዝርጋሐ ጸያፍ ኣሳእል ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ናይ ዝዀኑ ሕጻናት ዝምልከት ኣብቲ delicta graviora - ከበድቲ ገበናት ኣብ ዝብል ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ዓንቀጽ መቕጽዒ ሕጊ ክሳዃዕ ዝእዝዝ ክልተ ሓደስቲ ናይ ሕጊ ሰነድ ከምዘጽደቑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደንገግዎ ክልተ ናይ ሕጊ ሰነድ፡ ዕለት 4 ታሓሳስ 2019 ዓ.ም. ዝተደንገገ ዕለት 16 ታህሳስ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝዀነ ሓድሽ ሕጊ ብዛዕባ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸምን ዝምልከት ኣብቲ Vos estis lux mundi - ናይ ዓለም ብርሃን ኢኻትኩም ብዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ስልጣን ኣብ ዝደንገግዎ ናይ ሕጊ ዓንቀጽ ምልኩት ዝዀነ፡ ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ዝፍጸምን ገበን ዝርጋሔ ጸያፍ ኣሳልእልን ዝምልከት ዝቐርብ ምስክርነትን ክስን ዝዀነ ይኹን ጳጳስን ናይ ገዳማትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ኣሕሉቕን ብቐጥታ ንዝምልከቶ ኣካል ክሲ ከቕርቡን እቲ ዝተፈጸመ ገብን ካብ ምሕባእ ክቑጠቡ ዝእዝዝ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ሓድሽ ሕግ’ዚ ነቲ ጳጳሳዊ ስቱርነት ዝብል ሕጋግ ዝሓክኽ ምዃኑ የመላኽት።

እዚ ሓድሽ ዝተደንገገ ሕጊ ደሕንነትን ኵለንተናውነትን ዕቃበ ሓበሬታ ዝብል ኣብ ሕገ ቀኖና ዘሎ ውሳኔ ዘኽብር ኰይኑ፡ እቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ኸኣ ናይቶም ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ኣለዎም ንዝብሃሉ ጥርጡራት ዘለዎም ሰናይ ተፈላጥነትን ተክለ ሰብነትን ናይ ግላዊ መዳያቶምን ውሑስ ብዝገብር ኣገባብ ክምራሕ ኣለዎ ዝብል ኰይኑ፡ እዚ ናይ ኣሰራርሓ ስቱርነት ዝብል ሓሳብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዘሎ ናይ ሃገራት ሕጊ ዕንቅፋት ክኸውን የብሉን፡ ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ገብን ሓበሬታ ንምሃብ ዝዕንቅጽ ከምዘይኰነን ብተወሳኺ እውን ንዝምልከቶ በርገሳዊ ፍርዳዊ ኣካል ሓበሬታ ምሃብ ግድን እዩ ንዝብል ውሳኔ ዘሰናኽል ክኸውን የብሉን፡ ብኻልእ መዳይ  እቶም እቲ ገበን ዝተፈጸሞምን መሰኻኽርን ከጽቕጡ ክብ ዝእዝዝ ምንም ዓይነት ውዕሊ ናጻ እዮም ይብል።

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊንን ከምኡ እውን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ላዳሪያ ፈረር ክታም ዝተብሮ እቲ ካልኣይ ናይ ውሳኔ ሰነድ እውን ኣስዒቡ፡ ነቲ ኣብ 2001 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዝነበሮም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን Sacramentorum sanctitatis tutela -  ናይ ቅዱሳት ምስጢራት ቅድስና ምክልኻል ብዝብል ኣርእስቲ ዝደንገግዎ ሕግን ስዒቡ እውን ኣብ 2010 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ብዝነበሮም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ብዝተኣታትውዎ ሰለስተ ዓንቀጻት ዝተሓደሰ ሕጊ ዘጠቓልል እዩ፡ እዚ ኸኣ ትሕቲ 14 ዓመት ዕድመ ዝምልከት ሕጻናት ዝትንክፍ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ዝርጋሐ ጸያፍ ኣሳእል ገበን እዩ ዝብል ዝነበረ ክሳብ 18 ዓመት ዕድመ ክብ ዘበለ እዩ።

ብዛዕባ እቶም delicta graviora - ከበድቲ ገበናት ብዝብል ዓንቀጽ መሰረት ክሲ ዝቐርቦምን ተኸሰስትን ከሰስትን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቢያተ ፍርዲ እብ ዝካየድ ኪሂሎት ብጠበቃነት ዝዋስኡ ናይ ሕገ ቀኖና ሊቃውንቲ ጠበቓ ካህናት ክዀኑ ኣለዎም ዝብል ዝነበረ ውሳኔ ናይ ሕገ ቀኖና ሊቃውንት ጠበቓ ዓለማውያን ምእመናን እውን ብጥብቅና ንኽዋስኡ ዝፈቅድ ውሳኔ ኣብቲ ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደንገግዎ ናይ ሕጊ ሰነድ መደምደምታ ተመልኪቱ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ገበን ጳጳሳዊ ስቱርነት ከይህልዎ ዝእዝዝ ሓድሽ ሕጊ
18 December 2019, 16:05