ሎሚ እውን እንተኾነ ሽፍንፍን ብዝመልኦ ኣገባብ ብዙሓት ክርስትያን ይስደዱ ኣለው! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 11 ታሕሳስ 2019 ዓምፈ ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንምስትምሃር ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ‘ሰማዕትነት ኣሰር ክርስቶስ ከም እንኽተል ጭቡጥ ምልክት እዩ` እንክብሉ ብዛዕባ መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ንዝጀመርዎ ቀጺሎም።

ቃል አምላኽ: - ጳውሎስ ንኣህዛብ ወንጌል ምስ ሰበኸ ‘ኣይሁድ ኣብ ቤተመቅደስ ኃዙኒ ክቀትሉኒ እውን ደልዩ። እንተኾነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ረድኤት ኣምላኽ ኣይተፈለየንን፡ ስለዚ ድማ ንንእሽቶን ንዓቢይን እናመስከርኩ ደው ኢለ እኔኹ። ብዘይካ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ካልእ ሓንቲ እኳ ኣይወስኽኩን። ንሳቶም፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚቅበል፡ መጀመራታ ካብ ሞት ብምትንሳኡውን ንሕዝበ እስራኤልን ነሕዛብን ብርሃን ከም ዜበስር፡ ተዛሪቦም ነበሩ።’ (ግሐ 26.21-23)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት እቲ ዝቅጽል ጒዕዞ ወንጌል ኣብ ዓለምን ምስክርነት ቅዱስ ጳውሎስን ብሥቃይ ዝተሰነየ ምዃኑ ንግንዘብ። እዚ ስደት እዚ ግን ኣብ ሕይወት ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ግዜ እናከፍኤ ዝኸይድ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መንጎ ኣረማውያን ኣትዩ ሓደስቲ ማሕበረ ክርስትያን እናፈጠረ ዝኸይድ ቀናእ ሰባኺ ወንጌል ጥራይ ዘይኮነ ዝሳቀ መስካሪ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ እውን እዩ (ግሐ 9.15-16)።

ኣብ መበል 21 ምዕራፍ መጽሓፈ ግብረ ሐዋርያት ተመልኪቱ ዘሎ ምብጻሕ ጳውሎስ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተጐሃሃረ ክትዕ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ይፈጥር። ብቀዳምነት እዚ እቲ ኣሳዳዲ ዝነበረ እዩ ኣይትእመንዎ ዝብል ክሲ ይቀርቦ። ከምቲ ንኢየሱስ ዝተጻባኣቶ ኢየሩሳኤሊም ንጳውሎስውን ኣይቀደወቶን። ኣብ ቤተመቅደስ ምስ ኣተወ ብኣ ንብኣ የለልይዎ ንኽቀትልዎ ንደገ የውጽእዎ ሳላ ወተሃደራት ሮማ ንእስክላ ይድሕን። ቀንዲ ክሱ ከኣ ተጻይ ሕጊ ሙሴን ቤተመቅደስ ኣይሁድን ስለዝምህር ነበረ። ይእሰር ናይ እሱር ጒዕዞኡ ይጅምር! መጀመርያ ኣብ ቅድሚ ሊቀካህናት ቀጺሉ ኣብ ቅድሚ ሮማዊ ገዛኢ ቂሳርያ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣግሪጳ ይቀርብ። ቅዱስ ሉቃስ ምምስሳል ናይ ኢየሱስን ጳውሎስን ክልቲኦም ብተቃውምቶም ዝተጸልኡን ዝተኸሱን ኰይኑ ግን ብናይ መግዛእቲ ሓለፍቲ ከም ንጹሓት ዝተረኽቡን ገሩ የቅርቦም። በዚ ከምዚኸስ ቅዱስ ጳውሎስ ብሕማማት ምስ መምህሩ ክመሳሰል ሕማማቱ ከኣ ሕያው ወንጌል ክኸውን ንረኽቦ። ኣነ ናብዚ ካብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እየ መጺኤ ኣብኡ ካብ ሰበኻ ኡክራንያ ዝመጹ ነጋድያን ተቀቢለ ኣዘራሪበ። እዛ ሰበኻ እዚኣ ምስ ካልኦት ምእመናን ክንደይ ስደትን መከራን ከምዘሕለፉ ንወንጌል ብዙሕ ከምዝተሳቀዩ ነጊሮምኒ። ኰይን ብዛዕባ እምነቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይወረዱን። ብሓቂ ኣብነታውያን እዮም። ሎሚ ኣብ ዓለምና ኣብ ኤውሮጳ ከይተረፈ ብዙሓት ክርስትያን ይስደዱን ሕይወቶም ስለእምነቶም ይስውኡን ኣለው። እቲ ዘገርም ከኣ ጻዕዳ ኢደ በይዛ ገሮም ከኳንይዎምን ከሳቅይዎምን ክትርኢ እዩ። ሰማዕትነት እስትንፋስ ክርስትናን ማሕበረ ክርስትያንን እዩ። ኣብ መንጎና ወትሩ ሰማዕታት ክህልው እዮም። እዚ ከኣ ፍኖተ ኢየሱስ ንክተል ከምዘሎና ምልክት እዩ። ኣብ መንጎ ሕዝበ እግዚአብሔር ብሰማዕትነት ዝምስክር እንክርከብ በረኸት እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስከስ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ኣግሪጳ ካብቲ ዝቀርቦ ዝነበረ ክሲ ገዛእ ርእሱ ክከላኸል ይሕተት። እቲ ኣብ ግሐ 26.1-23 ዘሎ መደረኡ ሓያል ምስክርነት ይኸውን። ቀጺሉ ቅዱስ ጳውሎስ ከመይ ኢሉ ናብ ክርስቶስ ከምዝኣመነ ኣብ መንገዲ ደስማስቆ ንዘጋጥሞ ብምዝንታው እቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ‘ንኣይ ብምእማን ኅድገት ሓጢኣት ምእንቲ ክረኽቡ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ኸኣ ርስቲ ኪቅበሉ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ሥልጣን ሰይጥእንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዕይንቶም ክትከፍተሎም እክእከካ ኣሎኹ’ በለኒ እናበለ ንኣሕዛብ ወንጌል ክሰብኽ ከምዝለኣኾ ይነግር። ጳውሎስ እምበር ነዚ ተልእኮ እዚ ከምዝተኣዘዘን እንትርፊ እቲ ነቢያትን ሙሴን ዝተነበይዎ ካልእ ከምዘይበለ ‘ንሳቶም፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚቅበል፡ መጀመራታ ካብ ሞት ብምትንሳኡውን ንሕዝበ እስራኤልን ነሕዛብን ብርሃን ከም ዜበስር፡ ተዛሪቦም ነበሩ’   እንክብል ገለጸ። እዚ ውዕውዕ ምስክርነት ቅዱስ ጳውሎስከስ ንልቢ ንጉሥ ኣግሪጳ ይትንክፍ ንክርስቶስ ክቅበል ቊሩብ ይተርፎ። እቲ ንጉሥ ከኣ ከምዚ ይብል ‘ብሓጺር ግዜዶ ክርስትያን ክትገብረኒ ደሊኻ` ይብሎ። ብኡ ንብኡ ከኣ ጳውሎስ ንጹሕ ምዃኑ ይግለጽ ኰይኑ ካብ ቤትማእሰርቲ ኣይወጽእን ከመይ ናይ ቄሳር ይግባይ ስለዝበለ። በዚ ከምዚኸስ እቲ ክእሰር ዘይከኣል ቃል ኣምላኽ ንሮማ ገጹ ይጐዓዝ። ቅዱስ ጳውሎስ ተኣሲሩ ኣብዛ ከተማ እዚኣ ንሮማ ይመጽእ።

ካብዚ ግዜ እዚ ጀሚሩኸስ መፈልጥታ ጳውሎስ ብሰንሰለት ምእሳሩ ኰይኑ እዚ ኣብ ወንጌል ዘለዎ ተአማንነትን ምስክርነት ናይቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስን ምልክት ይኸውን። ርግጽ እዩ ንሓደ ሓዋርያ ሰንሰለት ውርደት እዩ ከመይ ኣብ ቅድሚ ዓለም ከም ሓደ ገባር ክፉእ ስለዘቅርቦ (2ጢሞ 2,9)። ኰይኑ እቲ ንክርስቶስ ዝነበሮ ፍቅሪ ብጣዕሚ ሓያል ብምንባሩ ነዘን ሰንሰለታት እውን ብዓይኒ እምነት ክጥምተን ክኢሉ። እምነት ንቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እግዚኣአብሔር ወይ ዓለም ዘሎካ ርእይቶ ኣተሓሳስባ’ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ከምቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዓመት ጳውሎስ ዝበልዎ ‘ማሕተም ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ኣብ ልቡ ፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ` ዝነበረ።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ፈተና ክንጸንዕን ንኩሉ ብመንጽር እምነት ክንግንዘብን ይምህረና። ሎሚ ንጐይታ ብኣማልድነት ቅዱስ ጳውሎስ እምነትና ከንቀሳቅሰልናን ክሳብ መወዳእታ ኣብ ጸዋዕታ ክርስትናናን ሓዋርያነት ጐይታን ተልእኮ ስብከተወንጌልን ኣሙናት ንምዃን ክድግፈና ንለምኖ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል !
11 December 2019, 15:08