ንኩሎም ምትእምማንን ተስፋን ዝጐደሎም ንድንግል ማርያም አማዕቚብ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ናብ ቅርዓት ስፓኛ ምኻዶም ፍርቂ መዓልቲ ንቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኦም ምሳኦም ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ንምድጋምን ትምህርቶም ንምስማዕን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንምቅባልን ተጋቢኦም ንዝንበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ‘ናብቲ ሎሚ ምሸት ኣብ ቅርዓት እስፓኛ እንፍጽሞ ውሉዳዊ ኣኽብሮት ድንግል ማርያም ብሓባር ንረኸብ’ ኢሎም ብዝዓደምዎ ኣማስያኡ ኣብ ቅርዓት እስፓኛ ምስ ተረኸቡ ድሮ ብጊሓቱ ዝውሕዝ ዝነበረ ሕዝቢ ማለት ካብ ከተማ ሮማ ዝመጹ ምእመናንን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ነጋድያንን ነቲ ቦታ ኣዕለቅለቅዎ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እዚ በዓል እዚ ናይ ከተማ ሮማ ፍሉይ በዓል እውን ብምዃኑ ንቅዱስነቶም ንምቅባል ኣብቲ ቦታ ካብ ዝተረኽቡ ሰበሥልጣን ከንቲባ ከተማ ሮማ ቪርጂንያ ራጂ ዝርከብዎም እንክኸውን ብሰበኻ ሮማ ከኣ ህየንተ ናቶም ማለት ቪካርዮ ብፁዕ ካሪድናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ እዮም።

እዚ ኣብ ቅርዓት ስፓኛ ዝርከብ ዓቢ ሓውልቲ እኖና ድንግል ማርያም ነታ ብሳሉስ ሮማኖሩም ጥዕና ሕዝቢ ሮማ ብዙሕ ኣኽብሮት ዘለዋ ድንግል ማርያም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብዛ ከተማ ንዓዓ ዝተወፈየ ብዙሕ ባዚሊካታትን መካነ ንግደታትን ቤትጸሎታትን ብ1953 ድሕሪ ኣዋጃት ፅንሰታን ፍልሠታን ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ኣብዚ ዕለት’ዚ መሪቆም ብምኽፋት ዓቢ ሕቋፍ ጻዕዳ ጽገረዳ ዘወፈይዎ ቅዱስነቶም እውን ሰንበት ምሸት ሰዓት 4 ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ጸሎት ኣዕሪጎም ነቲ ዕምባባ ወፍዮም። ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘቅረብዎ ጸሎት ንጽሕና ልቢ ክህልወና እንክምህለሉ ካብ ኩሉ ኣብ ዘመንና ሓደገኛ ርስሓት ኰይኑ ልቢ ብዙሓት ኣመሽሚሹ ካብ ዘሎ ብልሽውና ክተንጽሓና ለሚኖም ጸሎተ ምስጋናውን ኣብጺሖም።

ሓጢኣተኛ ምዃን ካብ ብልሹው (ዘይሞራላዊ) ምዃን ዝተፈልየ እየ!

ቅዱስነቶም ሕቋፍ ጻዕዳ ጽጌረዳ ወፊዮም  ሊጣንያ ድንግል ማርያም ተዘሚሩ ጸሎት ልመናን ምስጋናን ምስ ኣዕረጉ ኣብቲ ጸሎቶም ንኣና ንሓጢኣተኛታት ኣደ ክትኮንና ንዓኺ ንጽሕት እምንጹሓን ዝሃበና እግዚአብሔር ምስጋና ይኹኖ ንዝበልዎ ዳግም ብምዝኽኻር ‘ሓጢተኛታት እኳ እንተኾነ በቲ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ክፍኣትን ሓጢኣትን ብዘምጽኦ ዓወት ክንድሕን ከምእንኽእል እኖና ድንግል ማርያም ተዘኻኽረና በዚ ከኣ እግዚኣአብሔር ይመስገን ባሮት ሓጢኣት ኣይኮናን። ኰይኑ ግን ሓጢኣተኛ ምዃን ምስ ኢሞራላዊ ወይ ብልሽው ምዃን ሓደ ኣይኮነን። ሓጢኣት እንተደኣ ፈጺምካ ተጣሒስካ ተነሲሕካ ብሓገዝ ምሕረት እግዚአብሔር ዳግም ክትንሥእ ይከኣል እዩ! እንተ ብግብዝና ምስ ክፍኣት ተመሓዚኻ እናነበርካ ነዚ ከኣ ብልሽውና ኢሞራላዊ ሕይወት እንብሎ ብደገ ጥዑይ ጻድቅ እናመሰልካ ውሽጥኻ ግን ክፉእ ሓሳባትን ረብሓኻን ጥራይ ተማዕዱ እንተኾንካ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ኣሎኻ። ድንግል ማርያም ንንጽሕና ልብን ገርህነትን ትዕድመና ኣላ። ካብዚ ሓደገኛ ዝኾነ ግብዝና እዚ ክነጽሕ ኣሎና ኢሎም። ነዚ ከምዚ ዝበለ ጸገም ዘሎዎምን ምትእምማን ዝጐደሎምን ሰባት ኩሎም ናብ ማርያም ነማዕቊቦም።

ተስፋ ንዝቈረጹ ናብ ማርያም ነማዕቚቦም!

ቅዱስነቶም ናብ እኖና ድንግል ማርያም ካብ ዘቅረብዎ ጸሎት ገለ ክፋል ‘ኣብዛ ከተማ እዚኣስ ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ብተስፋ ቊርጸት ዝሳቀዩ ምናዳ ኸኣ ሓጢኣቶም በዚሑ ዓብዩ ኢሎም ምትእምማን ዘጒደሉ ናብ ማርያም ነማዕቊቦም ከመይ ድንግል ማርያም ኣደ ስለዝኾነ ንኩሎም ደቃ ተፍቅር ምልእተ ጸጋን ንፅሕተ እምንጹሓንን ብምዃና ከኣ ኣብ ልቢ ኩሎም ደቃ ነጸብራቅ ብርሃን ትንሣኤ ወትሩ ምስ ሰደደት እያ እሞ ኣብ ውሽጢ ልቢ ብዙሓት ገዚኡ ንዘሎ ነዚ ናይ ክፍኣት ሰንሰለት ትቀንጥጠልና’ ኢሎም።

ነዚ ምስ እንኣምን እሞ ብተስፋ ናብ እግዚአብሔር ምስ እንቀርብ ነጻ ንኸውን ፍልልያትና ብዘየገድስ ከኣ ከም ኣሕዋት ነንሕድሕድና ክንደጋገፍ ንኽእል።  ድሕሪ ቢሎም ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩ ኣካለ ስንኩላን ሰላም ኢሎም ንዝሕግዝዎም ወለንተኛታት ኣመስጊኖም ፍጻሜ ኮነ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

09 December 2019, 16:40